ህንዲ፡ ኣብ ዓመት ንሓንቲ ወርሒ ጥራይ እትቕልቀል ቁሸት

ዲጋ ሳሉዋሊም

ምንጪ ስእሊ, Gurucharan Kurdikar

Published

ኣብ ምዕራዊ ዞባ ህንዲ እተርከብ፡ ኩርዲ እትብሃል ንእሽተይ ቁሸት ን11 ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ማይ ጸኒሓ ኣብ ዓመት ንሓደ ወርሒ ጥራይ እያ እትረአ።

ነበርቲ እዛ ቁሸት፡ ዓዶም ካብ ማይ ናብ ላዕሊ ምስ ተቐልቀለት ጽንብል ከም ዘካይዱ ሪፖርተር ሱፕርያ ቮህራ ትሕብር።

እዛ ቁሸት ኣብ ሞንጎ ክልተ እምባታት ትርከብ ኮይና፡ ሓደ ካብ መገብቲ ፈለጋት ጎሃ ዝኾነ ፈለግ ሳሉዋሊም ብማእከላ ሰንጢቕዋ ይሓልፍ።

እዛ ቁሸት ካብ 1986 ጅሚራ በዚ መስርሕ እዚ ትሓልፍ ከም ዘላ ነበርታ ይሕብሩ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ዲጋታት ህንዲ ኣብ ትሕቲኣ ስለ ዝተሃንጸ በቲ ማይ ንኽትውሓጥ ምኽንያት ኮይኑ።

ዓመት ዓመት ኣብ ወርሒ ግንቦት መጠን ማይ ናይቲ ዲጋ ስለ ዝጎድል ግን እዛ ቁሸት ክትረአ ትጅምር።

ኩርዲ

ምንጪ ስእሊ, Supriya Vohra

ኣሰታት 3000 ነበርትን ልሙዕ መሬትን ዝነበራ ኩርዲ፡ ነበርታ ማንጎ፡ ኮኮናት፡ ጃክፈሩትን ብምፍራይ'ዮም ዝናበሩ ነይሮም።

ኣብዛ ቁሸት ሂኒዱ፡ ኣስላምን ክርስትያንን ብሓደ ዝነብሩላ ዝነበሩ ዓዲ ኮይና፡ መበቖል ናይ ወሩይ ደራፋይ ሞጉባይ ኩርዲካር እያ።

ኣብ ትሕቲኣ ዝተሃንጸ ዲጋ ግን ንኹሉ ሂወት እዛ ቁሸት ቐይርዎ።

ወጥን ዲጋ ምስ ወጸ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ዳያናድ ባንዶድካር፡ ንነበርቲ እታ ኣዲ ኣኪቡ ምስራሕ እዚ ዲጋ ንመላእ ደቡባዊ ክፋል ጎሃ ዝጠቐም ምዃኑ ኣብሪህሎም።

ኩርዲ

ምንጪ ስእሊ, Supriya Vohra

መግለጺ ስእሊ, መጠን ማይ እቲ ዲጋ ምስ ጎደለ፡ ኣብታ ቁሸት ዝተረፈ ነገራት ይረአ

ወዲ 75 ዓመት ጋጃናን ኩርዲካር "እዛ ዓዲ ብማይ ከም ትውሓጥ ነጊሩና'ዩ፡ እቲ ንሕና ንኸፍሎ ዘለና መስዋእቲ ግን ንዝበዝሑ ዘርሁ እዩ" ይብል ነቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ዳያናድ ባንዶድካር ዝተገበረሎም ኣኬባ እናዘከረ።

ጋጃናን ኩርዲካርን ካልኦት ደቂ እዛ ቁሸትን፡ ምስ 600 ስድራ ቤቶም፡ ካሕሳን መሬትን ተዋሂበዎም ናብ ካልእ ከባቢ ከም ዝግዕዙ'ዩ ተገይሩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ 1982 ካብ ቁሸት ኩርዲ ዝገዓዙ ኢናሽዮ ሮድሪጎስ"ናብዚ ሓድሽ ቁሸት ምስ ገዓዝና ዋላ ሓንቲ ኣይነበረናን" ድሕሪ ምባል፡ ንቡር ሂወት ብኽጅመሩ ልእሊ ሓሙሽተ ዓመታት ከም ዝወሰደሎም ይዛረብ።

ዲጋ ሳሉዋሊም

ምንጪ ስእሊ, Gurucharan Kurdikar

መግለጺ ስእሊ, እዚ ዲጋ ንመላእ ደቡባዊ ጎሃ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንከቕርብ እዩ ተሃኒጹ

ጉሩቻራን ኩርዲካር ስድርኡ ናብዚ ሕጂ ዝነብርዎ ዘለዉ ኣብ 1986 ክግዕዙ እንከለዉ ወዲ 10 ዓመት'ዩ ነይሩ።

ሕጂ ወዲ 42 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ጉሩቻራን ኩርዲካር "ክንግዕዝ እንከለና፡ ምስ የሕዋተይ ብዓባይ መኪና ኢና ናብዚ መጺና" ይብል።

ኣዲኡ ንጉሩቻራን ኩርዲካር ከኣ ነቲ መዓልቲ ምግዓዝ ብደቂቕ'ያ ትዝክሮ "ንሕና ካብቲ ቦታ እቶም ኣብ መወዳእታ ዝገዓዝና ስድራ ኢና፡ እቲ ዲጋ መሊኡ ማይ ናብ ገዛና ክኣቱ ምስ ጀመረ ብተብተብ ኢና ወጺእና፡ ሓሩጨይ'ውን ክማልእ ዕድል ኣይነበረንን" ትብል።

ጋጃናን ማምታ ኩርዲካን

ምንጪ ስእሊ, Supriya Vohra

መግለጺ ስእሊ, ጋጃናን ማምታ ኩርዲካ ኣብዚ ህጂ እዋን ኣብ ቀዑሸት ቫደም'ዮም ዝነብሩ ዘለዉ

እንተኾነ ዲጋ ሳሉዋሊም ከምቲ ቃል ዝተኣተወሉ ናብዞም ነበርቲ'ውን ጽሩይ ማይ ከቕርብ ኣይከኣለን።

"እቲ ዝተብሃለ ጽሩይ ማይ ናብ ደቡባዊ ጎሃ ክባጻሕ ኣይተኻኣለን" ይብል ጋጃናን ኩርዲካር፡ ኣስዒቡ "ዝስተ ማይ ካብዚ ዲጋ ኣይኮንናን ንረክብ ዘለና"

ኣብታ ነበርቲ ኩርዲ ዝነበሩ ዝነብሩላ ዘለዉ ቁሸት ቫደም፡ ካብ ክልተ ዓበይቲ ዒላታት እዮም ማይ ዝጥቀሙ፡ ኣብ ወርሓት ምያዝያን ግንቦትን ግን መጠን ማይ እዘን ዒላታት ስለዝነጽፍ ካብ መንግስቲ ብዝመጾም ቦጣት'ዮም ዝጥቐሙ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ዋላ መጠን ማይ ናይቲ ዲጋ ስለዝጎድል እታ መበቆል ዓዶም ክትቕልቀል ትጅምር፡ ንሶም ከኣ ብዓጀባ ጽንብላት ንምክያድ ናባታ ኣብ ዓመት ኣብ ወርሑ ግንቦት ጥራይ ቅልቅል ትብሎም ቁሸት ኩርዲ ይኸዱ፡ ።

ኩርዲ

ምንጪ ስእሊ, Supriya Vohra

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ምግዓዞም ኣስታት 3000 ዝኾኑ ነበርቲ ዝነበርዎ ቁሸት ኩርዲ

ክርስትያኖም ኣስላሞም ኮነ እቶም ሂንዱ በብእምነቶም ናብዛ ዓዲ መጽዮም ጽንብላቶም የካይዱ።

ቨኔሳ ፈርናነዶስ ዝተብሃለ ክኢላ ስነ ማሕበረሰብ "ንዓና ኣቑሑትና ኣልዕል ኣቢልና ናብዚ ቦታ ክንመጽእን ካብዚ ቦታ ክንከይድን ቀሊል'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ንደቂ ኩርዲ ግን መንነቶም ምስዚ ቦታ'ዚ ቀጥታዊ ምትእስሳር ሰለ ዘለዎም ከምቲ ንሕና ንሓስቦ ኣይኮነን" ይብል።