ትራምፕ፡ ንሮራታት ጎላን ከም ግዝኣት እስራኤል ምፍላጥ እዋኑ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣንጻር ውሳኔታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብምኻድ፡ ነቲ እስራኤል ብውግእ ኣብ 1967 ዝሓዘቶ ግዝኣት ሶርያ ዝኾነ ሮራታት ጎላን ከም ልኡላዊ ግዝኣት እስራኤል ብወግዒ ምፍላጡ ብውሳኔታት ሕቡራት ሃገራት ከምዘይቅየድ ኢዩ ዘርኢ።
እንተኾነ፡ ሶርያ ስጋብ ሕጂ ብዛዕባ`ዚ ትራምፕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትን ዘላ። ኔቴኛሁ ግና ነቲ `ተባዕ` ናይ ትራምፕ ስጉምቲ ኣሞጊሱ።
ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ኣሜሪካ ንዓሰርተታት ዓመታት ትኽተሎ ዝነበረት ፖሊሲ ብምስዓር፡ ነቲ እስራኤል ኣብ 1967 ካብ መሬት ሶርያ ዝጎበጠቶ ሮራታት ጎላን [Golan Heights] ከም ልኡላዊ ግዝኣት እስራኤል ክንፈልጦ እዋኑ ኢዩ ኢሉ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብዝገበሮ ትዊት፡ ``እቲ ኣኽራናት ንጸጥታን ርግኣትን እስራኤል ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት`` ኣለዎ ኢሉ።
ዋላ`ኳ እስራኤል ንሮራታት ጎላን ኣብ 1981 ከም ግዝኣታ ትጸንብሮ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ግና ወግዓዊ ኣፍልጦ ኣይሃቦን።
እታ መሬታ ዳግም ንምምላስ ክትጽዕት ዝጸንሐት ሶርያ፡ ብዛዕባ`ዚ ዝብሃል ዘሎ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበትን ዘላ።
ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ኔቴኛሁ፡ ብዛዕባ`ታ ቀንዲ ጸላኢት ሃገሩ ዝኾነት ኢራን፡ ኣብ ሶርያ ``ወተሃደራዊ ድፋዓት`` ብምህናጻ ኣጠንቂቑን፡ ነቲ መደባት ንምዕንቃፍ ድማ ሓይሊ ኣየር ኣብቲ ቦታታት ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከካይድ ኣዚዙን ንፕሬዚደንት ትራምፕ ድማ ኣመስጊኑ።
ኔቴኛሁ ኣብዝገበሮ ትዊት፡ ``ኣብቲ ኢራን ንእስራኤል ንምዕናው ንሶርያ ከም መበገሲት ቦታ ክትጥቀመላ ኣብትሕልነሉ እዋን፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብትብዓት ንሮራታት ጎላን ከም ልኡላዊ ግዝእት እስራኤል ፈሊጡ`` ኢሉ።
ናይ ኣሜሪካ ናይ ሚኒስትሪ ወጻኢ ወጻኢ ጉዳይ ኣባል-ነበር፡ ሪቻርድ ሃስ፡ ምስቲ ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ መግለጺ ከምዘይሳነ ኣፍሊጡ። ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ብውግእ ዝተታሕዘ ሮራታት ጎላን ከም ልኡላዊ ግዝኣት እስራኤል ምፍላጥ ንውሳኔታት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ምግሃስ ኢዩ ኢሉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኔቴኛሁ፡ ብ9 ሚያዝያ ንምርጫ ኣብዝዳላወሉን፡ ኣንጻሩ ዝተፈላለየ ናይ ብልሽውና ክስታት ኣብዝተላዕለሉን እዋን ኢዩ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ሮራታት ጎላን ወግዓዊ መግለጺ ዝሃበ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ብ2017፡ ንዮሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል ፈሊጡን፡ ነቲ ኣብ ቴል ኣቪቭ ዝነበረ ኤምባሲ ኣሜሪካ ድማ ናብ ዮሩሳሌም ክግዕዝ ኣዚዙን። እዚ ናይ ትራምፕ ውሳነ በቲ ንምብራቕ ዮሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ ምምሕዳር ፍልስጤም ክትከውን ዝጽዕት ህዝቢ ተኾኒኑን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ ነቲ ውሳነ ክነጽጎ ጸዊዖም።
ሮራታት ጎላን እንታይ ኢዮም?
እቲ ኣስታት 1200 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ሮራታት ጎላን ኣስታት 60 ኪሎሜትር ደቡባዊ ምዕራብ ካብ ርእሰ ከተማ ደማስቆ ኢዩ ዝርከብ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
እስራኤል ነዚ ሮራታት ኣብቲ ኣብ 1967 ዝተኻየደ ኲናት ኢያ ሒዛቶ፡ ድሕሪኡ ሶርያ ኣብቲ ኣብ 1973 ነቲ ዝተጎብጠ መሬታ ንምምላስ ዘካየደቶ ኲናት ኣይተዓወተትን።
ዋላ`ኳ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣፍልጦ ኣይሃቦ፡ እስራኤል፡ ነቲ ዝሓዘቶ መሬት ሶርያ ከም ልኡላዊ መሬታ ጸንቢራቶ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ፕሬዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ስልጣን ከሎ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኔቴኛሁ እስራኤል ካብቲ ዝሓዘቶ መሬት ጎላን ከምዘይትወጽእ ዝሃቦ መግለጺ ብምቅዋም ዝሃቦ ናይ ሻቕሎት መግለጺ ብምድጋፍ ኣድሚጻ ኢያ።
ሶርያ እስራኤል ካብቲ ጎቢጣ ዝሓዘቶ መሬታ - ጎላን - ስጋብ ዘይወጸት ምስ እስራኤል ዝኾነ ናይ ሰላም ውዕል ከምዘይትገብር ኢያ ክትገልጽ ጸኒሓ።
እስራኤል ኣብቲ ዝሓዘቶ መሬት ጎላንናስታት 20000 እስራኤላውያን ዝነብርሉ ገዛውቲ ኣብ ልዕሊ 30 ናይ ሰፈራ ቦታትት ሃኒጻን ኣስፊራን ትርከብል። እዞም 20,000 ምስ ክንድኦም ዝኾኑ ድርዚ የዕራብ ሶርያውያን ኢዮም ዝነብሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
