እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደገኛ ጨረርታ ዝሓዘ መሳርሒ ኣብ ማሌዥያ ጠፊኡ
ማሌዥያ ኣብ ድልያ ነቲ ኣብዚ ወርሒ ካብ ንእሽተይ መኪና ዝጠፈአ ሓደገኛ ጸርጊ (ጨረር ) ዘለዎ መሳርሒ ኣብ ምድላይ ትርከብ።
ሰብ መዚ ማሌዥያ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ራድዮግራፍ ዘሎ ጨረር ብዘይ ኣገባብ ምስ ዝኽፈት ሓደገኛ ዝኾነ ምብካልን ምልባዕን ክፈጥር ከምዝክእል ይዛረቡ።
እዚ መሳርሒ እዚ ኣብ ኢድ ሓደገኛ ሰባት ምስ ዝወድቕ፡ ቦምባ መስርሒ'ውን ስለዝጠቅም ሳዕቤኑ ከምዝብእስ ወሲኾም የርድኡ።
ሰብ መዚ ማሌዥያ እቲ መሳርሒ ምጥፍኡ እኳ እንታመኑ "ኩሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እዩ ዘሎ" ምባሎም ግን ተጋራጫዊ ሓሳብ ይገብሮ።
እዚ ጠፊኡ ዘሎ መሳርሒ ኣብ ኡንዳስትርያዊ ራድዮግራፍ ዝጠቅም ኮይኑ፡ ዋንነቱ ናይ ሓደ ፈተነታት ነዳድን ጋዝን ከምኡ ድማ ዓበይቲ እንዳስቲራዊ ዕዮታት ዝገብር ትካል እዩ።
እዚ 23 ኪሎ ግራም ዝምዘን ሓጺናዊ ቱቦ፡ ንዝነቅቁ ትቦታት ንምልላይ ይጉዓዓዝ ምንባሩ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።
እዚ ጸርጊ ( ጨረርታ ) ኣይዞቴፕ ሪድዮም-192 ዝብሃል ባእታ ዝሓዘ ትቦ፡ ብዘይካ እቲ ዝፈጥሮ ጸርጋዊ ሳዕቤን ምስ ካልእ ተባራዒ ኣካል ምስዝሕወስ ሓደገኛ ከምዝኾነ'ዩ ዝፍለጥ።
ብመሰረት ጸብጻባት ዓለምለኻዊ ኣቶሚካዊ ጸዓት ኣጅንሲ፡ እሪድዮም-192 ዝብሃል ባእታ ግዝያዊ ጉድኣት ከውርድ ዝኽእል ኮይኑ፡ ንሰዓታት ወይ መዓልታት ምስ ትዕቅቦ ግን ክሳብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ሓደገኛ ምዃኑ ይሕብር።
ኢንስፔክትር ጀነራል ፖሊስ ሞሓመድ ፉዚ ሃሩን፡ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ምንባሩን ናይቲ መሳርሒ ኣበይነት ከምዘይፈልጥን ንማዕከን ዜና በርናማ ሓቢሩ።
ፖሊስን ማዕከናት ዜናን እቲ መሳርሒ ከመይ ኣቢሉ ኣብ ድሕሪት መኪና ኣብ ማእክል ርእሰ ከተማ ኩዋላ ላምፑር ተጻዒኑ ክጉዓዓዝ ከምዝኻኣለ መብርሂታት ሂቦም ኣለዉ።
እታ መኪና ካብ ሓደ ወስን እታ ከተማ ናብ ካልእ ክፋል እታ ከተማ ተጉዓዕዞ ምንባራ ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብቲ ክትበጽሖ ዝግባኣ ቦታ ምስ በጽሐት እቲ ንብረት ምጥፍኡ ከምዝተፈለጠ ሓቢሮም።
እቶም ነቲ ንብረት ዘጉዓዕዙ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ወላ እኳ ንሕቶ ናብ ፖሊስ እንተቐረቡ ዲሒሮም ግን ምፍናዎም እቲ ጸብጻባት በተወሳኺ የብርህ።
ምክትል ምኒስተር ኣዚሰ ጃማን፡ ሓቅነት እዚ ኣጋጣሚ ብምርግጋጽ "ኩሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና እዩ ዘሎ" ክብል ተዛሪቡ ኣሎ።