ፈረንሳ ዉሕጅ፡ 1600 ሰባት ከም ዝግዕዙ ተገይሩ

ሰራሕተኛ ህይወት ኣድሕን ፍሩስ ተንዳ እናፈተሸ 9 ነሓሰ 2019

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰይንት ጁልየን ደ ፐይሮላስ ብዉሕጅ ዝዓነወ ቴንዳ
Published

ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ብምኽንያት ብርቱዕ ዉሕጅ 1600 ሰባት (መብዛሕትኦም ኣብ ምዝንጋዕ ዝነበሩ) ክግዕዙ ከም ዝተገብረ ሰበስልጣን ሓቢሮም።

እቶም ሰበስልጣን ወሲኾም፡ ሓደ ወዲ 70 ዓመት ነቶም ህጻናት ኣብ ምሕጋዝ ዝነበረ ጀርመናዊ ደሃይ ኣጥፊኡ ከም ዘሎ ገሊጾም።

እቶም ኣዉራ ተጠቒዖም ዘለዉ ከባቢታት ጋርድ፡ ኣረደሽን ድሮምን ክኾኑ ከለዉ፤ ልዕሊ 400 ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ከምኡዉን ፖሊስ ምስ ዓርባዕተ ሄሊኮፕተራት ተዋፊሮም ኣለዉ።

እቲ ዉሕጅ፡ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳን ዝበዝሐ ክፋል ኤሮጳን ድሕሪ ዝተራእየ ዘይተለምደ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ብርቱዕ ሙቐት ኢዩ ስዒቡ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ፡ ሽዱሽተ ክፍልታት ኣብ ተጠንቀቕ ምጽንሐን ሓቢሩ።

ኣብ ሰይንት ጁልየን ደ ፐይሮላስ ካብ ዝርከብ ሓደ መዘናግዒ መደበር 119 ህጻናት ክግዕዙ ከለዉ፡ ዝተሓጋገዞም ዝነበረ ጀርመናዊ ደሃዩ ኣይተረኽበን።

ንሱ ካብቲ ዉሕጅ ናብ መኪንኡ ብምእታዉ ካብቲ ዉሕጅ ከምልጥ 'ኳ 'ተፈተነ፤ እታ መኪና ብዉሕጅ ከም ዝተወስደት ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ብዙሓት መቑሰልቲ ዝበጽሖም ሰባት ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱ ሰብ መዚ ሓቢሮም።

እንግሊዛዊት ራቸል ቡቻናን ካበቲ ሓደጋ ዘደሓነት ክትከዉን ከላ "ዉሕጅ ክመጽእ ከም ዝመጽእ ርግጸኛታት ነይርና፤ ንኩነታት እዚ ናይ ተማሊ ምሸት ክገልጾ ኣይክእልን" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።