መራሒ ዓማፂ ደቡብ ሱዳን፡ ሪክ ማቻር ዓዲ ክቕይር እዩ

ካብ ፀጋም ንየማን ፕሬዝደንት ሃገረ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, YONAS TADESSE

Published

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ዝፀንሐ መራሒ ዓማፂ ጉጅለ ደቡብ ሱዳን፡ ሪክ ማቻር ናብ ካልእቲ ሃገር ከምዝኸይድ ተዘሪቡ።

እዚ ድማ ኣብቲ ንደቡብ ሱዳን ናብ ኣንፃራዊ ሰላም ክመርሕ ይኽእል እዩ ዝተብሃለሉ ልዝብ አዲስ አበባ እዩ ተገሊፁ።

ዋላኳ ፕሬዝዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን ተናሓናሒኡ ሪክ ማቻርን ንኽልተ ዓመታት እንተተራኸቡ ኣብ ስምምዕ ክበፅሑ ግን ኣይኸኣለን።

ነቲ ልዝብ ዝመርሖ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ዋላኳ ንክልቲኦም መራሕቲ ንምስምማዕ ብዙሕ እንተፀዓሩ ኣይሰመረሎምን።

ንክልተ ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ዝፀንሐ ማቻር ግን ሽማ ናብ ዘይተጠቐሰት ሳልሰይቲ ሃገር ከይዱ ብናፅነት ክነብር ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ምስ ናይ ቀደም ምክትሉ ሪክ ማቻር ብልፍንቲ መንግስቲ ክምስርት ንዝቐረበሉ ፃውዒት ነፂግዎ።

ንክልተ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻደ ኣኼባ ነታ ብኩናት ሕድሕድ እናተሓመሰት እትርከብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ከምፅእ እዩ ተብሂሉ እኳ ተስፋ ተገይርሉ እንተነበረ፤ ውፅኢት ግን ኣየምፀአን።

ኣብ መፃኢ ኣብ ካርቱምን ናይሮቢን ክካየድ ትልሚ ዝተትሓዘሉ ኣኼባ ብምኽንያት እቲ ኲናት ንዝደቐቐ ቁጠባ እታ ሃገር ፍታሕ ከምፅእ እዩ ተብሂሉ ትፅቢት ይግበረሉ።

ብሃፍቲ ተፈጥሮ ነዳዲ ሃፍታም ዝኾነት ደቡብ ሱዳን ሰላም ካብ ዝሓርማ ዓመታት ሓሊፎም።

ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገበረ ልዝብ ዝመርሖ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ "እንተደኣ ሰላም ዘይጥዕመኩም ኮይኑ ኣማራፅታት ካብ ምውሳድ ንድሕሪት ኣይንብልን" ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

ካብ 2013 ጀሚሩ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጎንፂ ብዓሰርተ ኣሸሓት ዝቑፀሩ ሰባት እንትሞቱ፤ ብሚልዮናት ድማ ጥሪቶም ራሕሪሖም ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም'ዮም።