ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣልዒሉ

ምንጪ ስእሊ, House of Peoples Representative
ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ጎንፅን ተቓውሞ ኣንፃር መንግስትን ደው ንምባል፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተነቢሩ ዝነበረ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ንክለዓል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ወሲኑ።
ኣዋጅ ህፁፅ ግዝ ንክፀድቕ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ካብ ሞንጎ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ እቶም ዝተወሰኑ ድምፂ ተቓውሞ ሂቦም ነይሮም።
ዝተውሃበ ድምፂ እንትቑፀር እውን ዝተወሰነ ዘይምርድዳእ ፈጢሩ ነይሩ።
ንተኸታተልቲ ሰለስተ ዓመታት ሕቶ መሰልን ቁጠባን ብምልዓል ጉድኣት ዘስዓቡ ተቓውሞታት ኣብ ዝነበረን ዝተፈላለያ ከባብታት፡ ሕግን ስርዓትን ምኽባር ከምዝተኽኣለ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብምግላፅ፡ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ንክለዓል ረቂቕ ምድላዉ ኣፍሊጡ።
ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፡ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ንክለዓል እዚ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝቐረበሉ ረቒቕ አፅዲቑ ኣሎ።
ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣብታ ሃገር ንሽድሽተ ኣዋርሕ ክፀንሕ'ኳ ተኣዊጁ እንተነበረ፡ ንከብቅዕ ኣስታት ክልተ ወርሒ ምስዝተረፎ እዩ ሎሚ ንክለዓል ተወሲኑ ዘሎ።
ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ዝተኣወጀ ቀዳማይ ሚኒሰትር ነበር እታ ሃገር ኣይተ ኃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣኖም ክለቁ ሕቶ ድሕሪ ምቕራቦም ነይሩ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ካብ ስልጣኖም ድሕሪ ምውራዶምን ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ምእዋጁን ስዒቡ፡ ድሕሪ ሰሙናት ውድብ ኢህኣዴግ ሓድሽ ኣቦ ወንበሩ መሪፁ ብቤት ምኽሪ ተቐባልነት ረኺቡ።
ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብታ ሃገር ምርግጋዕ ከምፅኡ ዝክእሉ ቁጠባውን ፖለቲካውን ለውጥታት ከምዘምፅኡ ቃል ኣትዯም ነይሮም።
ነዚ ስዒቡ ድማ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ እሱራት ተፈቲሖም። ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ንምፍራስ ምስ ዝተዓጠቑ ጉጅለታት ከይተረፈ ንምዝርራብ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ 9 ለካቲት 2010 ዓ.ም ዝኣወጆ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ንክፀንሕ 23 ለካቲት 2010 ዓ.ም በባይቶ ወከልቲ ምፅዳቑ ይዝከር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
