ጥልያን ኣብ ወርሒ ሓምለ ህጹጽ መረፃ ክተካይድ እያ ይብሃል

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ሃገር ጥልያን ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምልዛብ ህጹጽ መረፃ ኪግበር ኣብዝብሃለሉ ዘሎ ህሞት፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር መንግስቲ ጥልያን ክኸውን ተመዚዙ ዘሎ ካርሎ ኮታረሊ ምስ ፕሬዚደንት ሃገር ክራኸብ ከምዝኾነ ይሕበር።
ማዕከናት ዜና ከምዝብልኦ፡ ኮታረሊ፡ ክኢላ ቁጠባ ኣይ ኤም ኤፍ [IMF] ዝነበረ ናይተን ቀንዲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ደገፍ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፡ ቃለ-መሓላ ንኽፍጽም`ውን ብዙሕ ኣይተገደሰን ዘሎ።
ፕሬዚደንት ሰርጂዮ ማታሬላ ግና ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ንምቛም ዝተገብረ ናይ ኮታረሊ ምርጫ ዕሽሽ ብምባል ኣብ ሓምለ ምርጫ ኪግበር ኪጽውዕ ኢዩ ይብሃል።
ብሰንበት፡ እተን ክልተ ናይ ህዝቢ ደገፍ ዘለወን ሰልፍታት ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስርታ ኣይከኣላን።
ብኸመይ ኣብዚ በጺሕና?
ጥልያን እታ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብቁጠባዊ ዕብየት ራብዓይቲ ዝኾነት ሃገር፡ ካብ ናይ መጋቢት ምርጫ ንድሓር ዓብላሊ ድምጺ ዝረከበ ፖለቲካዊ ሰልፊ ብዘይምርካቡ፡ እታ ሃገር ስጋብ ሎሚ ዕላዊ መንግስቲ የብላን።
እተን ኣብቲ ዝሓለፈ ምርጫ ዝተዓወታ ሰልፍታት - ብዓል ሓሙሽተ ኮኾብን [Five Star]ጥምረትን [The League] - ምስ ካልኦት ሓይልታት ጥምረት ክምስርታ ፈቲነን፡ እንተኾነ እቲ ፕሬዚደንት ኣብ ምምራጽ ናይ ቁጠባ ምኒስተር ስለዘይተሰማምዐ ኩሉ ፈተነታተን ወዚፈንኦ።
ፕሬዚደንት ማታሬላ፡ናይቶም ኣብ ዓዲ ጥልያንን ኣብ ወጻእን ከውፍሩ ናይ ዝደልዩ ኣውፈርቲ ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ተዋላዋላይ መርገጺ ዘለዎ ፓውሎ ሳቮና ከም ሚኒስተር ቁጠባ ክሽየም ከምዘይድግፍ ገሊጹ።
እቲ ብዙሓት ዘይተጸበይዎ ውሳነ ፕሬዚደንት ድማ ካብተን እተን ክልተ ሰልፍታት በቲ ብዙሓት ዘይተጸበይዎ ናይቲ ፕሬዚደንት ውሳነ ስለዝሓረቓን ዝተቖጠዓን፡ እቲ ፕሬዚደንት ኣብ ባይቶ ከም ሕጹይ ንኸይቀርብ ክቃወማ ከምዝኾና ገሊጸን።
እተን ሰልፍታት ናይቲ ፕሬዚደንት ውሳነ ብኸመይ ርኤንኦ?
እቲ ፕሬዚደንት ናይ ሳቮና ሽመት ምስዓገቶ፡ መራሒ ሰልፊ ሓሙሽተ ኾኾብ፡ ሉጂ ዲ ማዮ ባይቶ ነቲ ፕሬዚደንት ክውንጅሎ ተማሕጺኑ።
ብድሕሪኡ፡ ሉጂ ዲ ማዮ ሰላማዊ ተቓውሞ ኪግበርን፡ ደገፍቱ ድማ ክሓብሩን ``ተቃውምኦም ከስምዑን`` ጸዊዑ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ምሉእ ሃገር እንተላይ ኣብ ከተማ ሮማ 2 ሰነ፡ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን እኼባታትን ክውደብ ከምዝኾነን ገሊጹ።
መራሒ ሰልፊ ጥምረት`ውን ነቲ ናይቲ ፕሬዚደንት ውሳነ ብምንቃፍ ናይ ጀርመንን ቤልጅምን ምትእትታው ብምውንጃል ህዝቢ ተቓውምኡ ከስምዕ ጸዊዑ።
ዋላ`ኳ እቲ ፕሬዚደንት ብዙሕ ስልጣን ኣይሃልዎ፡ መራሕ ሃገር ኣብ ምምራጽን ባይቶ ኣብ ምፍራስን ግና ስልጣን ኣለዎ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ፖለቲካዊ ዘይቅሳነት ናይቲ ፕሬዚደንት ስልጣን ክርአ ጸኒሑ።
እንታይ ክስዕብ ኢዩ?
እንተድኣ እቲ ፕሬዚደንት ህጹጽ ምርጫ ክካየድ ጸዊዑ፡ ነተን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ተወላዋላይ መርገጺ ዘለውን ክልተ ሰልፍታት ክሰማምዐን ኢዩ ኢሉ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ኣብ ሮማ፡ ጀምስ ረይኖልድስ።
ዛጊት ናይ ህዝቢ ርእይቶ ከምዝሕብሮ፡ እተን ክልተ ሰልፍታት ኣብቲ ኪግበር ኢዩ ዝብሃል ምርጫ፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ዓዲ ጥልያን ዝምድና ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዘተኮረ ምርጫ - ተዓዊተን ክወጻ ሓይላ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
