ኣብ ማዓስከር ካለይ (ፈረንሳ) ብዝተወለዐ ህውከት ሓሙሽተ ስደተኛታት ብጥይት ቆሲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣበዚ ዝሓለፈ ቀዳም 25 ሕዳር፡ ኣብቲ ስደተኛታት ቅድሚ ዓዲን እንግሊዝ ምስጋሮም ዝእከብሉ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ግዝያዊ መዓስከር ካለይ ብዝተወለዐ ኣምባጓሮ 5 ካብኣቶም በጥይት ከም ዝቖሰሉ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ቀዳም፡ ናይ ምሸት ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣፍጋኒስታውያን ስደተኛታት ኣብቲ ቦታ ተዅሲ ከም ዝተለዋወጡ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ምንጭታት ፓሊስ እቲ ከባቢ ከም ዝበልዎ፡ እቲ ግጭት ብሰንኪ ኣብ መንጎ እቶም ኣሰጋገርቲ ዝተወለዐ ዘይምርድዳእ ከይኮን ኣይተርፍን።
እቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣብ ጥቓ ቤት ጽሕፈት ሓደ ሰክዋርስ ካቶሊክ ዝተባህለ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበር ከም ዝተገብረ'ውን ክፈለጥ ተኻኢሉ'ሎ።
በቲ ዝተተኮሰሎም ጥይት ዝቖሰሉ 3 ስደተኛታት ኣብ ሆስፒታል ካለይ ክእለዩ ከለዉ፡ እቲ ራባዓይ ግን ኣዝዩ ስለ ዝተሃስየ ናብቲ ኣብ ከተማ ሊል ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝተመሓላለፈ ተረጋጊጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ቅልል ዝበለ መቖሰልቲ ዝወረዶ ሓሙሻይ ድማ ኣበቲ ቦታ ክንክን ከም ዝተገብረሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
ካለይ፡ ነቶም ንዓዲ እንግሊዝ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት ከም ማግኔት ኮይና እተገልግል፡ ኣብ ገምገም ኢንግሊሽ ቻነል እትርከብ ቦታ'ያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰብ መዚ ፈረንሳ፡ ነቲ ብ"ጫካ"ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ካለይ ዘሎ ግዝያዊ መዓስከር ስደተኛታት፡ ነቶም ስደተኛታት ብምግዓዝ ኣፍሪሶሞ ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እንተኾነ ግን፡ እቶም ኣብ ባቡራት፡ ጀልባታትን፡ ዓበይቲ መካይን ተሰቒሎም ንዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ተስፋ ዝገብሩ ስደተኛታት፡ ብብቑሩብ ነቲ ቦታ ይምለስዎ ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ብግምት ሰብ መዚ ኣስታት 500፡ ብገምጋም ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ድማ ኣስታት 700 ስደተኛታት ኣብቲ ቦታ ተዓቑቦም ይርከቡ።
እቲ መዓስከር ቅድሚ ምፍራሱ ኣብ ዝነበረ እዋን እውን እንተኾነ ብሰንኪ ውድድር ናይ መገዲ ዕድላት ይኹን፡ ናይ መነባብሮ ጸገማት ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ባእሲ የጋጥም ነይሩ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
