መሃዝቲ ቢቢሲ፡ ዕንዲዳ ከም መፃረይ ምምራዝ
Published
ዕንዲዳ ምንም ረብሓ ዘይብሉ ክመስል ይኽእል'ዩ። ሕዚ ግን መድሓኒት እቲ ኣብ ብዙሓት ህዝቢ ባንግላዲሽን ገለ ክፋል ህንድን ብማንዋል ፓምፕ ካብ ዝጭንጉዑ ዒላታት ማይ ዘጋጥም ዘሎ ምምራዝ ንምክልኻል ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ኣሎ። ማሕበረሰባዊ ትካል፡ ‘ድሪንክ ዌል’ ኣብቲ መስመር ንዘሎ ቅልውላው ማይ ንምፍታሕ፡ ዕንዲዳ ብምጥቃም፡ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዘዳሉ ሓድሽ ምህዞ ምሂዙ'ሎ።