ባዮግላስ ዝተብሃለ መስትያት ንዝተሰበረ ኣዕፅምቲ ሰባት ክትክእ ተወሳኺ ምርምር አናተኻይደሉ እዩ።

ስብራት ኢድ

ምንጪ ስእሊ, Uros Zunic / Alamy Stock Photo

መግለጺ ስእሊ, ባዮግላስ ዝተሰባበረ ኣዕፅምቲ ብኸይዲ ግዜ ክገጣጠም ይገብር
Published

ኣብ 2002 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ፡ ኢያን ቶምፕሰን ዝተብሃለ በዓል ሙያ ሕክምና ገፅ፡ ኣብ ፈለማ 20ታት ካብ ዝርከብ፡ ሓደጋ መኪና ዘጋጠሞ መንእሰይ ስልኪ ተደዊልዎም።

እቲ መንእሰይ ብሰንኪ'ቲ ዘጋጠሞ ሓደጋ ዓይኑ ብንፁር ክርኢ ይኽእል ኣይነበረን። ንኩዕሶ ዓይኑ ዝሓቁፍ ውሽጣዊ ዓፅሚ በቲ ሓደጋ ስለዝተሰብረ፡ ኣብ ነገራት ከትኩርን ሕብሪ ከነፅርን እውን ኣይክእልን ነይሩ።

ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ሰብ ሙያ ሕክምና መጥባሕቲ፡ ነቲ ዓፅሚ ክትክኡን፡ ንዓይኑ ናብ ቦትኡ ንኽመልሱን ልዑል ፃዕሪ ኣካይዶም። ካብ መሰንገልኡ ዓፅሚ ብምውሳድ ነቲ ዝተሰብረ ክትክኡሉ ፈቲኖም።

እቲ ፈተነታት ግን ኣይተዓወተን ። እኳ ደኣ ዝገደደ ቃንዛ ኣስዒቡሉ። እቶም ዝሕክምዎ ዝነበሩ ዶካትር፡ ተስፋ እናስኣኑሉ ብምምፅኦም፡ ኣብ ወጥሪ ኣትዩ። ከይፈተወ ከኣ ኣብቲ ንሓደጋ ዘቃልዖ ስርሑ ክቕዕል ተገዲዱ። ስርሑ፡

ኣብ ነፈርቲ መተሓላለፊ መስመር ኤለክትሪክ ምዝርጋሕ ነበረ። እንተኾነ እቲ መንእሰይ፡ ሕብሪ ገመዳት ከይተረፈ'ዩ ንምልላይ ኣጸጊሙዎ።

ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኩነታት እንከሎ ግን፡ ዶክተር ቶምፕሰን ንዝተሰብረ ዓጽሚ ሓቛፊ ኩዕሶ ዓይኒ፡ ባዮግላስ ብዝተብሃለ መስትያት (ቤትሮ) ንምትካእ ፈላሚ ምህዞ ሒዞም ተቐልቀሉ።

ምኽንያቱ ሰብነትና ነቲ ንፈልጦ ዓይነት መስትያት ብቐሊሉ ክቕበሎን ክለምዶን ስለዘይክእል።

"ባዮግላስ ናብ ሰብነት ወዲ-ሰብ ክትካእ አንከሎ፡ ዋህዮታት እንታይ ክሰርሑ ከምዘለዎም መልእኸቲ ንምምሕልላፍ ኣዮን ዝተብሃለ ባእታ የመንጩ። ንባዐሉ ግን ክሓቅቕ ይጅምር። ኣካላትና እውን ከም ባዕዲ ኣይቖፅሮን።

እቲ ባዮግላስ ኣዕፅምቲ ምስ ኣዕፅምቲ ክገጣጠሙ፡ ከምኡ'ውን ልስልስ ዝበሉ መትኒታት ዳግም ከም ዝላገቡ ይገብር። ኣብ ሰብነትና ዝሓሸ ስምዒት ብምፍጣር ድማ ሓድሽ ዓፅሚ ንክዳሎ የነቓቕሕ።" ይብሉ

በዓል ሙያ ባዮግላስ ጁሊያን ጆንስ ካብ ኢምፐርያል ኮሌጅ ለንደን።

ፈተነ ቶምፕሰን ቅልጡፍ ውፅኢት ኣርእዩ። ተሓካሚኦም ንነገራት ብሙሉእነት ክርኢን ሕብሪታት ከለሊን ጀሚሩ። ን15 ዓመት ዝኣክል ከኣ በዓል ሙሉእ ጥዕና ኮይኑ ይርከብ።

ዶክቶር ቶምፕሰን፡ ብድሕሪኡ፡ ንልዕሊ 100 ሰባት ሓደጋታት መኪናን ሞትር ብሽክሊታን ዘጋጠሞም ብባዮግላስ ሓኪሞም ። "ባዮግላስ ካብ ናይ ተሓከምቲ ዓፅሚ'ውን ብዝሓሸ ይሰርሕ እዩ" ዝብሉ ቶምፕሰን፡

እቲ ምኽንያት ንባክተርያ ዝቐትል ባእታ ስለዘመንጩን ረኽሲ ንከይፍጠር ስለዝሕግዝን ምዃኑ ሓቢሮም።

ምህዞን መሃዛይን

ባዮግላስ ንፈለማ እዋን ብ1969፡ ብኣሜሪካዊ ተመራማሪ ላሪ ሄንች እዩ ተማሂዙ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣውቶቡስ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኲናት ቬትናም ምስ ዝተመልሰ ኮሎኔል እናዕለለ፡

እቲ ኮሎኔል ዘበናዊ ሕክምና ህይወት ከድሕን ይኽእል'ዩ፡ መሓውር ግን ከድሕን ኣይክአልን እዩ" ምሰበሎ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ባላስቲክ ሚሳይል ሒዝዎ ዝነበረ ምርምር ኣቃሪጹ፡

ዝተጎድአ ዓፅሚ ምስ ኣካላት ወዲ ሰብ ብዝሰማማዕ ኩነታት ንምትካእ ዝከኣለሉ ኣማራፂ ንምርካብ ሓዲሽ መጽናዕቲ ጀሚሩ፡ ተዓዊቱሉ ከኣ።

ባዮግላስ፡ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት፡ ኣብ ዓፅሚ ንዘጋጥሙ ፀገማት ኣማራፂ ሕክምና ኮይኑ ማዕቢሉ።

ካብ 2010 ንነጀው፡ ባዮግላስ ኣብ ምፅጋንን ድሕንነትን ስኒ ዝህቦ ረብሓ እናተረጋገፀ መፂኡ እዩ። ኣብ ኮልጌት ዝሕወስ ባዮግላስ፡ ስኒ ኣብ ዝሕፀበሉ እዋን እናሓቐቐ፡ ካልሲየም ፎስፌት ዝተብሃለ ባእታ የመንጩ።

ጥዕና ስኒ ብምሕላው ብኸይዲ ግዜ ዳግም ክትክኡ ይሕግዝ። ኮይኑ ግን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ንሕክምና ዓፅሚ ዝሕግዙ ዝሓሹ ኣማራፂታት እናመፁ እዮም። ቅድም ዘይነበረ መጥባሕቲ፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ክካየድ ኣብ ዝኽእለሉ ብርኪ ኢና በፂሕና። 'ነጣሪ ባዮግላስ' እናበሉ ዝፅውዕዎ ሓድሽ ውፅኢት ምርምር፡ ምስቲ ዝነበረ ኣብ ኬሚካላዊ ውህደቶም ጥራሕ ከምዝፈላለ ሙሁር እቲ ዓውዲ ሚስተር ጆነስ ይዛረቡ።

ብርኪ እግሪ

ምንጪ ስእሊ, Edward Olive / Alamy Stock Photo

መግለጺ ስእሊ, ባዮ ግላስ ኣብ መፃኢ ሕክምና ዓፅሚ ዝያዳ ክጠናኸር ተስፋታት ኣሎ።

ባዮግላስ፡ ናብቲ ዝተሰበረ ኣካል ከምዝኣቱ ብምግባር፡ እቲ ተሓካሚ ሚዛኑ ክሕሉን፡ ብዘይ ገለ መደገፊ ክንቀሳቐስን የኽእሎ። ብዘይ መጥባሕትን ባዕዳዊ ደገፍን ከኣ ሕክምና ይግበረሉ።

እቲ ሓድሽ 'ነጣሪ ባዮግላስ' ልክዕ ከምቲ ነባር ባዮግላስ፡ እናነቓቕሐን እናመረሐን ኣብ መስርሕ እቲ ዓፅሚ ክዓብን ክድልድልን ይሕግዝ። ምስ ሰብነት ድማ ዝሳነ እዩ።

ዝተሰበረ ዓፅሚ መሊስካ ንምፅጋን ዝኾነ ክብደት ኣብ እግሪ ምቕማጥ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ብመጥባሕቲ ዝተተክአ ነገር ድማ ካብቲ ክብደት ናብ እግሪ ሓይሊ የመሓላልፍ።

ጆነስ፡ ብስሉስ ጎድንኣዊ (3D) ተጥቒሞም ባዮግላስ ክሰርሑ ድልየት ኣለዎም። ምስ ተዳለወ ድማ ናብ ዓፅሚ ክልሑኽ ምግባር እዩ ሓሳቦም። ዋህዮታት ክቕበልዎ ግን ምስቲ ተፈጥሮኣዊ ዓፅሚ ዝቀራረቡ ባእታታት ክርከቡ ግድን እዩ።

ጆነስ፡ ነዚ ንምፍታን ካብ ለገስቲ ኣብ ዝረኸብዎ ኣስከሬን መገጣጠምቲ ብርኪ እናተጠቐሙ ይርከቡ። ሓሳቦም እንተሰሚሩ፡ ፈለማ ኣብ እንስሳት ንምፍታን'ዩ ትልሞም።

እዚ ፈተነ፡ ብሰንኪ ምዝባዕ ቦታ፡ መገጣጠሚ ዓፅሚ ዓንዲ ሕቖ፡ ብኸቢድ ቃንዛ ሕቖ ንዝሳቐዩ ሰባት ተስፋ ዝህብ ይመስል። ቅድም ክብል፡ ነዚ ፀገም'ዚ ብሰብ-ሙያ ከምፍታሕ ይውሰድ ዝነበረ ስጉምቲ፡ ተካኢ ዓፅሚ ምእታው እዩ ነይሩ።

ጆነስ ኣብ ዘካይድዎ ሓድሽ ምርምር ካብዚ ዝሓሸ ውፅኢታዊ ክኸውን እምነት ኣለዎም።

"ክንድዝኸኣልናዮ ክነጠናኽሮ እናሰራሕና ኢና። ብፅቡቕ እንተቐፂልናን ውሕስነት ዘረጋግፁ ፈተነታት ብዓወት እንተዛዚምናን ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ናብ ተግባር ክትርጎም እዩ" ድማ ይብሉ ጆነስ

ናብ ኣካላት ወዲ-ሰብ ዝኣቱ፡ ሰብ-ሰርሖ ዓፅሚ ንምጥቃም ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ይመስለና ይኸውን፡ ኮይኑ ግን፡ ኣብ ቀፃሊ ከይዲ/መስርሕ ሕክምና ዝቐለለ ክኸውን እዩ።

ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሚልዮናት ተጠቀምቲ መሕፀቢ ስኒ ሳሙና (ኮልጌት) ተረባሕቲ ባዮግላስ ኮየኖም እዮም። እዚ ድማ ምናልባት መበገሲ ናይቲ ብሕጂ ዝስዕብ ሳይንሳዊ ቴከኖሎጂካዊ ምርምር ክኸውን ይኽእል'ዩ።