ጐንጺ እስራኤል-ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ካብ ዝውላዕ ንድሓር፡ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ወገናት ንፈለማ እዋን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ምኽኣሉ ልዑል ተስፋ ፈጢሩ ይርከብ።
እስራኤል ንኣርባዕተ መዓልታት ተኹሲ ጠጠው ከተብል ክትሰማማዕ እንከላ፡ሓማስ ጅሆ ካብ ዝሓዞም ልዕሊ 200 ሰባት እቶም 50 ክፈትሕ ተሰማሚዑ ኣሎ።
ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ’ውን፡ እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝተበጽሐ ምቁራጽ ጐንጺ ንኢዱ።
እቲ ምቁራጽ ዝጅምረሉ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ወግዓዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ቢቢሲ ካብ ምንጪታቱ ዝረኸቦም ሓበሬታታት ግን፡ ጽባሕ ሰዓት 10፡00 ናይ ንጉሆ ክጅመር ምዃኑ የመልክቱ።
ራማፎሳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንሰላም፣ ፍትሕን ኣብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ሕጊ ዓለምለኻዊ ሕግን ጠጠው ከም እትብል ኣባል ማሕበረሰብ ዓለም፡ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተቐቢላቶ ኣላ። ዕውትነት እቲ ምቁራጽ ድማ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ንምባል ዝግበሩ ጻዕሪታት ከጠናኽር ተስፋ ይገብር” ኢሉ።
ብኤኤንሲ ዝምራሕ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንነዊሕ ዓመታት ደጋፊ ጉዳይ ፍልስጤም ኰይኑ መጺኡ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክሳብ መፋርቕ ሕዳር ብሰንኪ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ትእዛዝ ማእሰርቲ ከውጽእ ከም ዝጠለበት ይዝከር።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ገበናት ኲናት ፈጺማ’ያ ብምባል ትኸስስ።
እዚ ስምምዕ ክብጻሕ ካብ ሞንጐ ዝሸምገሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ቐጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱ ራሕማን ቢን ጃሲም ኣልታኒ፡እዚ እቲ ኲናት ንከብቅዕ ባይታ ከጣጥሕ’ዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዴቪድ ካሜሩን ብወገኑ፡እቲ ስምምዕ እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ንምፍታሕን ኣብ ቓዛ ሰብኣዊ ሩፍታ ንምምጻእን “ኣገዳሲ ስጕሚ” ከም ዝዀነ ክገልጽ እንከሎ፡ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢ ማኑኤል ማክሮን ድማ ኩሎም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ንምፍታሕ “ዘይተሓለለ” ስራሕ የድሊ ኢሉ።
እዚ ስምምዕ፡መራሒ ፍልስጤም መሓሙድ ዓባስ፣ ኣሜሪካ፣ ዮርዳኖስ፣ ሩስያ፣ ቻይና፣ ግብጺ፣ ፈረንሳን ጀርመንን ከምኡ’ውን ሕብረት ኤውሮጳ ተቐቢሎምዎ ኣለው።
ሓማስ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሰባት ጅሆ ሒዙ ክወስድ እንከሎ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።እስራኤል ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ነብሰ ምክልኻል ትገብር ከም ዘላ ትምጉት።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ብወገኑ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ምውሳድ ካብ እትጅምር ንድሓር ኣስታት 14 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይገልጽ።