መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ኣይ-ሲ-ሲ) ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከውጽእ ሓቲቱ።
እቲ ቤት ፍርዲ እዚ እንተዘይገይሩ ግን፡ “ፍጹም ውድቀት” ዓለምለኻዊ ምሕደራ ዘርኢ ክኸውን እዩ ኢሉ።
እስራኤል፡ ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዕጡቓት ሓማስ ዝፈጸሙዎ፣ ልዕሊ 200 ሰባት ዝተጨወይሉን ምኽንያት ሞት
1200 ሰባት ዝዀነን መጥቃዕታ፡ ዓርሳ ትከላኸል ከም ዘላ እያ ትምጉት።
ኣብቲ ኣብ ቓዛ ትወስዶ ዘላ መጥቃዕታት ግብረ መልሲ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ጉድኣት ንምንካይ ጻዕሪ
ትገብር ከም ዘላ ትሕብር።
ይኹን’ምበር፡ መንግስቲ እስራአል “መብዛሕትኡ ቓዛ ካብ ፍልስጤማውያን ከጽርዮን ክቈጻጸሮን’ዩ ዝደሊ” ክትብል ደቡብ
ኣፍሪቃ ትነቅፍ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ባንግላድሽ፡ ቦሊቪያ፡ ኮሞሮስን ጅቡትን፡ ኣብ ቓዛ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተፈጺሞም
ድዮም ኣይተፈጸሙን ዝብል ምጽራይ ክግበር ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲተን ኣለዋ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንነዊሕ ዓመታት ደጋፊት ጉዳይ ፍልስጤም ኰይና ጸኒሓ እያ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ልኡኻታ ከም ዘውጽአት ምግላጻ ይዝከር።