ቓዛ፡ ብዝሒ ምውታት 13,000 ምብጽሑ ተገሊጹ

ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ እስራኤል ኣብታ ወሽመጥ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ንደሓር ብዝሒ ዝተቐትሉ ፍልስጤማውያን 13,000 ምብጽሑ ገሊጹ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ካቢነ ሚኒስተራት እስራኤል ብሓማስ ዝተጨወዩ ንኽፍትሑ ዝቕረበ እማመ ኣጽዲቑ

    ንዝተጨወየት ውላዳ ንኽትፍትሓላ እትልም ወላዲት

    7 ጥቕምቲ 2023 ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ደብዳብ ብምፍጻም ልዕሊ 1200 ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ ኣስታት 240 ሰባት ከምዝጨወዩ ዝዝከር'ዩ፡ ነዚ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቃዛ ደብዳብ ብምክያድ ኣሽሓት ሰባት ቀቲላ ኣላ፡ ነቶም 7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተጨወዩ ንምምላስ ከኣ ብዙሕ ጻዕርታት ክካየድ ጸኒሑ'ዩ፡ ሕጂ ኸኣ ተስፋታት ዝተረኸቦ ይመስል።

    ሓደሽቲ ምዕባለታት ኵናት ቓዛን እስራኤልን ኣብዚ ከነቕርበልኩም ኢና።

  2. ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መርከብ ክጨውዩ ዘርኢ ምስሊ ዘርጊሖም

  3. እስራኤል ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኣምባሳደራ ጸዊዓ

  4. ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ገበናዊ ቤትፍርዲ ኣብ ልዕሊ ኔታንያሁ ትእዛዝ ማእሰርቲ ከውጽእ ሓቲታ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኔታንያሁ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ኣይ-ሲ-ሲ) ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከውጽእ ሓቲቱ።

    እቲ ቤት ፍርዲ እዚ እንተዘይገይሩ ግን፡ “ፍጹም ውድቀት” ዓለምለኻዊ ምሕደራ ዘርኢ ክኸውን እዩ ኢሉ።

    እስራኤል፡ ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዕጡቓት ሓማስ ዝፈጸሙዎ፣ ልዕሊ 200 ሰባት ዝተጨወይሉን ምኽንያት ሞት 1200 ሰባት ዝዀነን መጥቃዕታ፡ ዓርሳ ትከላኸል ከም ዘላ እያ ትምጉት።

    ኣብቲ ኣብ ቓዛ ትወስዶ ዘላ መጥቃዕታት ግብረ መልሲ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ጉድኣት ንምንካይ ጻዕሪ ትገብር ከም ዘላ ትሕብር።

    ይኹን’ምበር፡ መንግስቲ እስራአል “መብዛሕትኡ ቓዛ ካብ ፍልስጤማውያን ከጽርዮን ክቈጻጸሮን’ዩ ዝደሊ” ክትብል ደቡብ ኣፍሪቃ ትነቅፍ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ባንግላድሽ፡ ቦሊቪያ፡ ኮሞሮስን ጅቡትን፡ ኣብ ቓዛ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተፈጺሞም ድዮም ኣይተፈጸሙን ዝብል ምጽራይ ክግበር ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲተን ኣለዋ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንነዊሕ ዓመታት ደጋፊት ጉዳይ ፍልስጤም ኰይና ጸኒሓ እያ።

    ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ልኡኻታ ከም ዘውጽአት ምግላጻ ይዝከር።

  5. ሓይሊ ኣየር እስራኤል ካብ ሊባኖስ 25 ሮኬታት ናብ እስራኤል ተተኲሶም ኢሉ

    ሎሚ፡ ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ኣስታት 25 ሮኬታት ከም ዝተወንጨፉ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣፍሊጡ።

    እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ‘ኤክስ’ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ መብዛሕትኦም ሮኬታት ከም ዝተዀለፉ ካልኦት ድማ “ኣብ ጐልጐል” ከም ዝወደቑ ሓቢሩ።

    እስራኤል ግብረ መልሲ ንምሃብ ዝወሰደቶ መጥቃዕታት ኣብ ግዝኣት ሊባኖስ ዝርከቡ “ትሕተ ቕርጺታት ኣሸባሪ” ኣጥቂዐ ትብል።

    ቅድም ኢሉ፡ ሒዝቦላህ ንገለ ኣብ ልዐዕሊ እስራኤል ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ሓላፍነት ከም ዝወስድ ብማዕከን ዜና ኣል-ማናር ገሊጹ ነይሩ።

    እስራኤል ብቐዳም ካብ ደቡብ ስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ፈጺማ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  6. መዓልቶም ዘይኣኸለ ዕሸላት ቓዛ ናብ ግብጺ ተወሲዶም

    ዕሸላት ቓዛ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ካብቶም 31 መዓልቶም ከይኣኸለ ኣብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ዝተወልዱ ዕሸላት ቓዛ፡ እቶም 28 ብዶብ ራፋ ናብ ግብጺ ከም ዝተወስዱ ተገሊጹ።

    ኣብ ራፋ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ኢማራትስ ሓላፊ ክፍሊ ዕሸላት ዝዀነ ዶክተር መሓመድ ሰላማ -እቶም ዕሸላት ናብ ግብጺ ምስ ኣተው ብልክዕ ናበይ ከም ዝኸዱ ከም ዘይፈልጥ ንቢቢሲ ገሊጹ።

    “ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ግብጺ ዝመጽአ ኮሚቴ ክቕበሎም'ዩ፤ ድሕሪኡ’ዩ ክውሰን” ክብል ተዛሪቡ።

    “ገለ ስድራቤታት ደቈም ኣየንኦት’ዮም ዝብል ንምፍላጥ ትማሊ ናብቲ ሆስፒታል መጺኦም’ዮም። ደቈም ኣብ ግብጺ ተወሳኺ ሕክምናዊ ሓገዝ ንክረኽቡ ፍቓዶም ክህቡ ዝሓትት ቅጥዒ ክፍርሙ ሓቲትናዮም።

    "ክሳብ ሕጂ ሓደ ዘይተፈልጠ ህጻን ኣሎ፤ ስድርኡ’ውን ኣይፍለጡን። ኣብ ድሓን ኵነታት ስለ ዘሎን ተወሳኺ ሕክምና ስለ ዘየድልዮን ድማ ብውሳነ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣብኡ ክጸንሕ ወሲዶምዎ” ኢሉ።

    ወሲኹ፡ “ካልኦት ክልተ ዕሸላት ግን ስድርኦም ብዘቕረቡዎ ውልቃዊ ጉዳያት ኣይመጽኡን” ብምባል እቶም ሰለስተ ዝተረፉ ቈልዑ ኣብ ድሓን ኩነታት ዝርከቡ ምዃኖም ሓቢሩ።

  7. ቓዛ፡ ኣብ ሆስፒታል ኢንዶኔዥያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር 12 ሰባት ተቐቲሎም

    ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኢንዶኔዥያ ሎሚ ንጉሆ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ብውሑድ 10 ሰባት ከምዝተቐተሉ ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ጸኒሑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ድማ 12 ሰባት ተቐቲሎም ኢሉ።

    ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ኣሽራፍ ኣል-ቁድራ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቖሰሉ እውን ገሊጹ።

    ብኻልእ ዜና ታንክታት እስራኤል ናብ ሆስፒታል ኢንዶኔዥያ ከምዝኣተዋ ተገሊጹ።

    ቅድሚ ሰዓታት ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ማርዋን ኣል-ሱልጣን፡ ሰራዊት እስራኤል ካብቲ ሆስፒታል 20 ሜትሮ ጥራሕ ርሒቆም ከምዘለዉ ገሊጹ ነይሩ።

    ንሱ ኣብ ዙርያ እቲ ሆስፒታል ተኹሲ ከምዝሰምዐን መጥባሕቲ ዝገበሩ ሰባት ዝዓርፉሉ ክፍሊ ከምዝተወቕዐን እውን ተዛሪቡ።

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቀረባ ሰዓታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ዝካየድ ስርሒት ብዛዕባ ምህላዉ ኣይጠቐሰን።

  8. እስራኤል ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ናብ ሆስፒታል ቓዛ ክውሰዱ ዘርእይ ምስሊ ረኺበ ኢላ

    እስራኤል

    ምንጪ ስእሊ, IDF

    ሰራዊት እስራኤል ድሕሪ እቲ ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ናብ ዝዓበየ ሆስፒታል ቓዛ ክውሰዱ ዘርእይ ዝበሎ ምስሊ ዘርጊሑ።

    ካብቶም ዝተጨወዩ ሓንቲ ዝነበረት ወታሃደር ኣብቲ ሆስፒታል ከምዝተቐተለት ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ።

  9. ቻይና እማመ ‘ክልተ ሃገር’ ሙሉእ ብሙሉእ ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ

    ዋንግ ዪ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ቻይና ነቲ እስላምን ኣዕራብን ሃገራት ኣብ ርያድ ኣብ ዘካየደኦ ዋዕላ ቅልውላው ቓዛ ንኸብቅዕ ዘቕረበኦ ትግበራ እማመ ምቛም ክልተ ሃገራት፡ “ሙሉእ ብሙሉእ ከምእትድግፍ” ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዪ ገሊጹ።

    ንሱ፡ ማሕበረሰብ ዓለም “ ነቲ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ሓደጋ ደው ንምባል እዋናውን ውጽኢታውን ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ” ኢሉ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዪ፡ ኣብቲ ኣብ ቻይና ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እስላምን ዓረብን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዘተ እዩ ነዚ ቅዋም ሃገሩ ኣንጸባሪቑ ዘሎ።

    ኣብቲ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ፣ ዮርዳኖስ፣ ግብጺ፣ ኢንዶኔዥያን ሰብመዚ ፍልስጤምን ዝርከቡዎም ሰብመዚ ተረኺቦም ኣለዉ።

    ዕላማ እቲ ኣኼባ ነቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ጎንጺ ሰለማዊ ፍታሕ ንምንዳይ፣ ሰላማውያን ሰባት ውሑስ ምግባርን ሕቶ ፍልስጤማውያን ፍትሓዊ ምላሽ ክረክብ ምግባርን ከምዝኾነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ሓቢሩ።

    ቻይና ካብ መንጎ ተኹሲ ደው ክብል ዝጽውዓ ዘለዋ ሃገራት ኮይና ዘተ ክጅመርን ሰላም ክምለስን ዝከኣላ ከምእትገብር ገሊጻ ነይራ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዪ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘስመዖ መደረ “ኣብ ቓዛ ዘሎ ኩነታት ንምህዳእን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ብቕልጡፍ ንምስፋንን ሓቢርና ንስራሕ” ኢሉ።

  10. ብዝሒ ኣብ ቓዛ ዝተቐተሉ ሰባት 13 ሽሕ ምብጽሑ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ገሊጹ

    ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ምስ እስራኤል ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ዝጅመር ብዝሒ ኣብታ ወሽመጥ ዝተቐተሉ ሰባት 13 ሽሕ ከምዝበጽሐ ሓቢሩ።

    ዕጡቓት ሓማስ 7 ጥቅምቲ ናብ እስራኤል ጥሒሶም ብምእታው ልዕሊ 1,200 ሰባት ምስቀተሉን ልዕሊ 200 ጨውዮም ናብ ቓዛ ምስወሰዱን፡ እስራኤል ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ክትወስድ ምጅማራ ይዝከር።

    ብኻልእ ዜና ኣብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ዝነበሩ 31 ኣብ ዘይግዚኦም ዝተወለዱ ህጻናት ናብ ሆስፒታል ደቡባዊ ቓዛ ክውሰዱኡ እንከለው፡ እቶም ህጻናት “ኣዝዮም ሓሚሞም” ከምዘለዉ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።

    እቶም ህጻናት ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ሂላል ኣል-ኢመራቲ ከምዝተወሰዱ ዝገለጸ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ “ህጹጽ ክንክን” ይግበሎም ኣሎ ኢሉ።