እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ሎሚ ካብ ረፋድ ሰዓት 5፡00 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ድምጺ ዝሀዋቦም ቦታታት ከም ዘለው ኣፍሊጡ። ትማሊ፡ ካብ ክልላት ትግራይ፣ ሶማልን ሃረርን ወጻእ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እታ ሃገር መረጻ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ። ኣብዚ መረጻ ንምስታፍ ልዕሊ 37 ሚሊየን ሰባት ከም ዝተመዝገቡ ሓበሬታ ቦርድ መረጻ የረድእ። 47 ውድባት ፖለቲካ ድማ ተወዳዲረን።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. መረጻ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ጸጥታ ይካየድ’ሎ -ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል

    ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ብዝኣከቦ ሓበሬታ ኣብቲ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ዝተረጋግአ ኩነታት ጸጥታ ከም ዘሎ ገሊጹ።

    ብቐጻሊ ካብ ፌደራልን ክልልን ከምኡ’ውን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታት [ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን] ሓበሬታ ኣኪቡ ጭቡጥ፣ ትኽክለኛን እዋናውን መረዳእታ ንህዝቢ ከብጽሕ’የ ክብል ገሊጹ።

    መረጽቲ፡ 547 ኣባላት ፌደራላዊ ፓርላማ ክመርጹ ትጽቢት ክግበር እንከሎ፤ መራሒ ናይቲ ዝተዓወተ ሰልፊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ይኸውን።

    ብምኽንያት ኩነታት ጸጥታን ጸገማት ሎጀስቲክን፡ ካብተን 547 ዞባታት ምርጫ ኣብተን 102 (እተን 38 ኣብ ትግራይ ዝርከባ እየን) ሎሚ ድምጺ ኣይክወሃብን እዩ።

    እዚ መረጻ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ መረጻ'ዩ።

  2. ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቲ ምርጫ ክትትል ከም ዝገብር ገሊጹ

    ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ኣብቲ ሎሚ 21 ሰነ 2021 ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ክትትል ሰብኣዊ መሰለላት ንምግባር ሰብ ሞያ ከም ዘዋፈረ ኣፍሊጡ።

    እቲ ኮምሽን ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምክትታል ምእንቲ ክከኣል፡ ጉጅለታት ክትትል ምርጫ ከም ዘቖመን፡ ምርጫ ኣብ ዝካየደሎም ኩሎም ክልላት ሰብ ሞያ ከም ዘዋፈረን ሓቢሩ።

    ነዚ’ውን ብመሰረት እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ፡ ዓንቀጽ 6፡ ኣብ እዋን ምርጫ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ክትትል ናይ ምግባር ስልጣንን ሓላፍነትን ከም ዝተዋሃቦ ኣፍሊጡ።

    እቶም ጉጅለታት ኣብ መዓልቲ ምርጫን ብድሕሪኡን ኣብ ዘለው መዓልትታት፡ ኣብ ዝተፈላላዩ ክልላት ተረኺቦም ከም ዝዕዘቡ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

    ኣብቲ ምርጫ’ውን መረጽቲ፣ ኣተሓባበርቲ ምርጫ፣ ኣካላት ጸጥታ፣ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ሕጹያት፣ ተዓዘብትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምዝርራብ ሓበሬታ ከም ዝእክብ ተገሊጹ።

  3. ኣብ ሞንጎ ጎንጺ ዝካየድ ዘሎ ፈላማይ ውድድር መረጻ ኣብዪ ኣሕመድ

    ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዝርኣይ ምትፍናን ኣብ ዝበርትዐሉን ኣብ ትግራይ ደማዊ ኲናት ይካየድ ኣብ ዘለወሉን እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ መረጻ ይካየድ ኣሎ።

    እቲ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተናውሐ መረጻ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ መረጻ እዩ።

    ኣብዪ ነቲ 547 መናብር ዘለውዎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ብዝለዓለ ድምጺ ብምዕዋት መሪሕነቱ ከረጋግጽ ትጽቢት ይገብር።

    እዚ መረጻ ግን ኣብ ትግራይ ንግዝኡ ኣይካየድን፤ ኣብቲ ክልል ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ጎንጺ ተጸሚዶም ኣለው።

    ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር'ውን ብምኽንያት ስግኣት ጸጥታን ጸገማት ሎጀስቲክን መረጻ ዝካየደሉ እዋን ተናዊሑ'ዩ።

    ብመሰረት እቲ ሕጂ ዘሎ መርሃ ግብሪ፡ ኣፈናዊ ውጽኢት መረጻ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ክግለጽ ትጽበት ይግበር።

    ናይ መወዳእታ ውጽኢት ከኣ ኣብ ውሽጢ 23 መዓልታት ወግዓዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

  4. “እቲ ምርጫ ንመስርሕ ሰላምን ደሞክራስን ሓጋዚ እምበር መፍትሕ ኩሉ ጸገም ኣይከውንን”

    ምክትል ኣቦመንበርን ሓላፊ ጉዳያት ምርጫን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ኣቶ የሱፍ ኢብራሂም፡ እቲ ምርጫ ንመስርሕ ሰላምን ደሞክራስን ሓጋዚ እምበር መፍትሕ ኩሉ ጸገም ኣይከውንን ኢሉ።

    እቲ ምክትል ኣቦ መንበር፡ ነዚ ዝበለ ሎሚ ኣብ ከተማ ደሴ ነቑጣ መረጻ ሳላይሽ ለ 1 ድምጹ ንምሃብ ኣብ ዝተረኽበሉ እዩ።

    ኣቶ የሱፍ ኢብራሂም፡ ኣብ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ዝኾነ ጸገም ከም ዘየጋጠሞ ተዛሪቡ።

    እንተኾነ “ንምምራጽ ካርዲ ሒዘ ኣብ ዝመጻኹሉ ወረቐት መንነት ኣይተሓተትኩን፤ እዚ ዘጋጥም እኳ እንተኾነ ዘይተመዝገበ ከድምጽ ዕድል ዝህብ እዩ” ክብል ነቒፉ።

    ኣብ እዋን ቅድመ ምርጫ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መወዓውዒታት ጎስጓስ መረጻን ምልክታትን ከም ዝተቐደዱዎም ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጸገማት ከም ዘጋጠምዎም ዝገለጸ ኣቶ የሱፍ፡ እቲ ጉዳር ቦርድ መረጻ ክፈልጦ ከም ዝገበሩ ተዛሪቡ።

    እታ ሃገር ብዝተሓላለኸ ኩነታት ከም ዝሓለፈት ብምግላጽ፡ እቲ ምርጫ ንመስርሕ ሰላምን ዴሞክራስን ሓጋዚ እምበር ንኹሉ ነገር መፍትሒ ኣይኮነን ኢሉ።

    ድሕሪ ምርጫ ብምትሕብባር፡ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ንምምይያጥ ካብ መንግስቲ ኮነ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ሓሳብ ከም ዘሎ’ውን ኣረዲኡ።

  5. ሓደ ሳንዱቕ መድመጺ ወረቐት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናይ ካልእ ወረዳ ኮይኑ ተረኺቡ

    ኣብ ከተማ ደሴ፡ ኣብ ነቑጣ መረጻ ወ/ሮ ሲሃን ለ14፡ ሓደ ሳንዱቕ መድመጺ ወረቐት፡ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ ምስ ተኸፈተ ወረኢሉ ናይ ዝበሃል ካልእ ወረዳ ኮይኑ ምጽንሑ ሓላፊ እቲ ነቑጣ ምርጫ ገሊጹ።

    እቲ ነቑጣ ምርጫ ንጉሆ ሰዓት ሰዓት 6፡00 [12፡00 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ብዘይምክፋቱ ኣድመጽቲ ቅርታታት የስምዑ ነይሮም።

    ሓላፊ ኤርምያስ ኣበበ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ መደበር ደንጉዩ ዝተኸፈተ፡ መድመጺ ወረቐት ምስ ካልእ ወረዳ [ወረኡሉ ወረዳ] ብምቅይያሩ ነቲ ጉድለት ንምእራም ምዃኑ ተዛሪቡ።

    ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ሓላፊ፡ እቲ ሳንዱቕ ናይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ መምረጺ ወረቐት ዝሓዘ እዩ ነይሩ።

    እቲ ዘጋጠመ ጸገም፡ ንክልል ምርጫ ደሴ ተሓቢሩ ብካልእ መሓለውታ መድመጺ ወረቐት ምልዋጡን እቲ ብጌጋ ዝመጽአ ወረቐት ተዓሺጉ ምምላሱ ሓላፊ እታ ነቑጣ መረጻ ተዛሪቡ።

  6. “ህዝቢ ዝዕወተሉ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንክመጽእ ኢና ንቃለስ ዘለና” ዶክተር ደሳለኝ ጫኔ [ኣብን]

    ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰፊሕ ድጋፍ ህዝቢ ኣለኒ ዝብል ፖለቲካዊ ውድብ ኣብን ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራልን ክልልን ዝወዳደሩ 513 ሕጹያት ኣቕሪቡ።

    ካብ ሞንጎ እዚኦም እቶም 419 ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝወዳደሩ ኮይኖም፡ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዝነበረ ዶክተር ደሳለኝ ጫኔ ኣብ ባህርዳር ድምጺ ሂቡ።

    ኣብቲ እዋን “ክመርሓኒ’ዩ ንዝበልኩዎ ፓርቲ መሪጸ ኣለኹ፤ ኣብቲ ኣነ ዝመረጽኹሉ ነቑጣ መረጻ ድማ ዝተረጋግአን ሰላማውን ኩነታት ኣሎ” ኢሉ።

    ኣብቲ መረጻ እንተዘይተዓዊትኩም ክትቅበሉዎ ዲኹም? ዝብል ሕቶ ካብ ጋዜጠኛታት ቐሪብሉ።

    “ንሕና ህዝቢ ዝዕወተሉ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክንሃንጽ ኢና ንቃለስ። ስለ ዝኾነ ድማ ድምጺ ህዝቢ ከነኽብር ኢና። ይኹን’ምበር ቅድሚ መረጻ ጀሚሩ ዘጋጠሙ ጸገማት ኣለው’ዮም፤ ከም መትከል ግን ህዝቢ ዝህቦ ድምጺ ብጸጋ ክንቅበል ኢና” ኢሉ።

  7. ኣብ ሞንጎ ጎንጺ ዝካየድ ዘሎ ፈላማይ ውድድር መረጻ ኣብዪ ኣሕመድ

  8. ስለምንታይ’ዮም ገለ ሰልፍታት ኢትዮጵያ ነቲ ምርጫ ተሓሲሞምዎ?

    ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ቅድሚት ኣብ ዝስራዕ ክልል ኦሮምያ ዝርከቡ ሰልፍታት ኣብቲ ምርጫ ከም ዘይሳተፉ ገሊጾም።

    ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፡ ንማእሰርቲ ገለ መራሕቱን መንግስቲ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቱን ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈቱ ምዕጻዎም ብምጥቃስ ኣብ ወርሒ መጋቢት እዩ ኣንሳሒቡ።

    ኦነግ ሓደ ካብ ቀዳሞት ሰልፍታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣብ ኦሮምያ ብዙሓት ደገፍቲ ኣለውዎ።

    ጃዋር መሓመድን ብጾቱን ዝመርሕዎ ሰልፊ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮነግረስ (ኦፌኮ) እውን ኣብ መጋቢት፡ ካብቲ ምርጫ ተደፊኡ ይወጽእ ምንባሩ ገሊጹ።

    እቲ ሰልፊ ኣብ መግለጺኡ፡ ከም ጃዋር ዝኣመሰሉ ተወዳደርቲ፡ ወደብትን ተዓዘብቲ ምርጫን ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።

  9. ገለ ሓበሬታታት ብዛዕባ ሻድሻይ ምርጫ ኢትዮጵያ

  10. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነዊሕ መስርዕ ዝተራእየሉ መደበር ምርጫ

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዞባ ምርጫ 17 ወረዳ 6 መደበር 17 ክሳዕ 200 ሜትር ዝበጽሕ መስርሕ ናይ ኣድመጽቲ ይርአ።

    ሪጋ ክሳዕ ዝበጽሖም ኮፍ መበሊ ዝኾኖም ነገራት ሒዞም ክሳዕ ምምጻእ ዝበጽሑ ኣድመጽቲ’ውን ኣለው።

    መረጽቲ ድምጾም ንምሃብ ካብ ዝስርዑ ልዕሊ ሓደ ሰዓት እንተገበሩ’ውን ጌና ብቕድሚኦም ብዙሓት ሰባት ምህላዎም ተዛሪቦም።

    ኣፈጻሚ ምርጫ እቲ መደበር ኣቶ ጎሳዬ ተሾመ፡ ኣብቲ መደበር ኣድመጽቲ ካብ ሰዓት 6 ጀሚሮም ምድማጽ እኳ እንተጀመሩ፡ ድምጺ ዝወሃበሎም ሰናዱቕ ሰለስተ ጥራይ ብምዃኖም ጠንቂ እቲ ነዊሕ መስርዕ ኮይኑ ምህላው ተዛሪቡ።

  11. ገለ ሓበሬታታት ብዛዕባ ሻድሻይ ምርጫ ኢትዮጵያ

    • ኢትዮጵያውያን ኣድመጽቲ፡ 547 ኣባላት ፌደራላዊ ፓርላማ ክመርጹ ትጽቢት ክግበር እንከሎ፤ መራሒ ናይቲ ዝተዓወተ ሰልፊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ይኸውን።
    • ብምኽንያት ኩነታት ጸጥታን ጸገማት ሎጀስቲክስን፡ ካብተን 547 ዞባታት ምርጫ ኣብተን 102 (እተን 38 ኣብ ትግራይ ዝርከባ እየን) ሎሚ ድምጺ ኣይክወሃብን እዩ።
    • እዚ ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ናይ ፈለማ እዩ።
  12. 185 ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ድምጺ ዝህባላ ደሴት ጣና

  13. ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ንይምሰልዶ ዳግመ-ልደት ደሞክራሲ?

  14. መስርሕ ምሃብ ድምጺ ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮምያ

    ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮምያ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ሎሚ ንጉሆ ተጀሚሩ ኣሎ። ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ካብ ዝተዋፈርሉ ከባቢታት ኦሮምያ እዚ ዝስዕብ ስእልታት ልኢኾምልና ኣለው።

  15. ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ከተማ ሃዋሳ መረጽቲ ናብ ነቑጣታት መረጻ ይኸዱ ኣለው

    ሃዋሳ ጽምዋ ዓሲሉዋ ኣሎ። ብሰለስተ እግረን ተሽከርከርቲ ዝመልኡ ዝነበሩ ጎደናታታ ጸጥታ ዓሲሉዎም ይርከብ።

    ብዙሓት ብእግሮም ድምጺ ናብ ዝህብሉ ነቑጣ መረጻ ይውሕዙ ኣለው። መብዛሕትኦም ድምጺ መውሃቢ ቦታታት’ውን ኣንጊሆም ዝመጽኡ ሰባት ከተኣናግዱ’ዮም ጀሚሮም።

    መብዛሕትኦም ቢቢሲ ዝተዓዘቦም ቦታታት ከባቢ ሰዓት 12፡30 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] እዮም ድምጺ ምሃብ ጀሚሮም። ኣተሓባበርቲ መረጻ ድምጺ ክህብ ናይ ዝኣቱ ሰብ መለለዪ መንነት እናርኣዩ ‘ሳኒታይዘር’ ይህቡ።

    መረጽቲ ናብ ውሽጢ ቅድሚ ምእታዎም መብርሂ ይወሃቦም። ኣብቲ ድምጺ ዝህብሉ ቦታ ምስ ኣተው ድማ ናብቲ ሚስጢራዊ ቦታ ዝወስዱዎም ኣተሓባበርቲ መብርሂ ይህቡዎም።

    ተዓዘብቲ መረጻ ኣብ ቦትኦም ኮይኖም ነቲ መስርሕ ይዕዘቡ ኣለው። ኣብታ ከተማ ዛሕሊ ስለ ዘሎ መብዛሕትኦም ሙቐት ዝህቦም ኩታን ጋብን ደሪቦም’ዮም ዝርኣዩ።

    ቢቢሲ ተዘዋዊሩ ኣብ ዝተዓዘቦም ነቑጣታት መረጻ ናይ ጸጥታ ኣካላት ይርኣዩ።

    ኣብ መብዛሕትኦም ነቑጣታታት መረጻ ዘለው ሚስጢራዊ ናይ መረጻ ቦታታት መብራህቲ’ኳ እንተሃለዎም ኣብ ሓደ መውሃቢ ድምጺ ግን፡ እቲ ዝተተኽለ መብራህቲ ብጸሃይ ዝሰርሕ ብምዃኑ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ክጽገሙ ይርኣዩ።

    ኣብዚ መውሃቢ ድምጺ ሓደ ወላዲ “ፈጺሙ ክርኣየኒ ኣይክኣለን” ብምባል ቅርትኦም ንሓደ ኣተሓባባሪ ኣስሚዖም።

  16. ‘ድምጽና ለውጢ ከምጽእ’ዩ ኢልና ንሓስብ’

    ኣብ ከተማ ደሴ ናብ ዝርከብ መደበር ምርጫ ኣገር ግዛት መርሆ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሰዓት 6 እዩ በጺሑ።

    እቲ ኩነታት ኣየር ቅሩብ ዝሕል ዝበለ እዩ። እንተኾነ ግና መረጽቲ ድምጾም ንምሃብ ተሰሪዖም ይጸባበዩ ኣለው።

    ኣብቲ መደበር ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ ዝወከሎም ከምኡ’ውን ካልኦት ተዓዘብቲ ምርጫ፡ ነቲ ምርጫ ዘፈጽሙ ናይ ጸጥታ ኣካላትን ለበዳ ኮቪድ ንምክልኻል ዝተሓንጸጸ መምርሒታት ዘተግብሩ ሰባት ይርከቡ።

    ዘዘራረብናዮም መረጽቲ ‘ብዛዕባ ምርጫን ኣወሃህባ ድምጽን እኹል መረዳእታ ኣሎና፤ ድምጽና ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ ኢልና ንሓስብ’ ይብሉ።

    ረቢዓ ኣራጋው ድምጻ ንምሃብ ወዲ 3 ወርሒ ህጻን ሓዚላ እያ ናብቲ መደበር ምርጫ ኣምሪሓ። ንሳ ንፈለማ እዋን እያ ኣብ ምርጫ እትሳተፍ ዘላ።

    ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተኻየዱ ምርጫታት ድምጻ ኣይሃበትን። “ሕጂ ብምምራጸይ ሕጉስቲ እየ” ኢላ። “እንተዘይተመሪጹ ሃገር ሰላም ኣይትኸውንን እትብል ረቢዓ፤ እቲ እትመርጾ ሰልፊ ነቲ ለውጢ ከምጽእ እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዋ።

    ወዲ 77 ዓመት ዓይነኩሉ ገብረጻድቕ፡ ምስ ወዲ ወዶም ብምዃን እዮም ክመርጹ ናብቲ መደበር ምርጫ ተረኺቦም። ኣብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ሓሙሽተ ምርጫታት ተሳቲፎም እዮም። “ናይ ለብዘበን ምርጫ ብጸጥትኡን ስነስርዓቱን ተፈልዩኒ ኣሎ። እቲ ምርጫ ብሰላም ክዛዘም እትስፎ” ኢሎም።

    ድሕሪ እቲ ምርጫ፡ ኣብታ ሃገር ዘለው ጸገማት መፍትሒ ከም ዝረኽቡ ድማ ተዛሪቦም።

  17. ኣብ ትውልዲ ዓዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝኾነት በሻሻ ድምጺ ምሃብ ተጀሚሩ

  18. ኣብ ኣዲስ ኣበባ መን፣ ኣበይ፣ ምስ መን’ዩ ክወዳደር?

  19. ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፥

    • 37 ሚልዮን 408 ሽሕን 600ን ዜጋታት ድምጾም ንምሃብ ተመዝጊቦም። ካብዚኦም እቶም 20 ሚልዮን 317 ሽሕን 472 ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም እተን 17 ሚልዮን 91 ሽሕን 128 ደቂ ኣንስትዮ እየን።
    • ኣብቲ መረጻ ዝወዳደሩ 47 ፖለቲካዊ ሰልፊታት 8109 ሕጹያት ከቕርቡ እንከለው፡ 125 ሕጹያት ድማ ንኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ክልልን ተወዳደርቲ ኮይኖም ቀሪቦም።
    • ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና 2432 ተወዳደርቲ ብምቕራብ ብቐዳምነት ብዝሒ ሕጹያት ዘቕረበ ሰልፊ’ዩ።
    • ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ] ድማ 1385 ሕጹያት ኣቕሪቡ፤ እናት ፓርተ’ውን 573 ሕጹያት ዘቕረቦ ሰልፊታት ኮይኖም ኣለው
    • ሎሚ 14 ሰነ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዝካየድ መረጻ ን445 መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድምጺ ዝወሃብ ኮይኑ ነቶም 64 መናብር ድማ ሓደ ጳጉሜን 2013 ዓ.ም ድምጺ ክወሃብ’ዩ