ጆ ባይደን አብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ክዕወት ምዃኑ ኣተንቢሁ
ሰብመዚ መረጻ ፔንሰልቫኒያ ኣብ ውጽኢት ድምጺ ለውጢ ከምዘሎ ኣፍሊጦም ኣለው። በዚ መሰረት ከኣ ጆ ባይደን ነቲ መሪሕነት ካብ ዶናልድ ትራምፕ ተረኪብዎ'ሎ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ጉጅለ ባይደን ፕረዚደንትነት ንምሓዝ ይቀራረብ ምህላው ተሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ባይደን ጉጅለ ባይደን፡መራሒኦም ኣብ ገምገም ዓወት ብምህላዉ ፕረዚደንትነት ንምሓዝ ይቀራረብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ጸብጻባት ኒው ዮርክ ታይምስ፡ እቶም ኣብ ዋይት ሃውስ ዝለዓለ ስልጣን ዝሕዙ ሓለፍቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክርቁሑ ከምዝኽእሉ የረድእ።
ድሮ ኣብ ዋሺንግቶን ዊልምንግቶን ባይደን ኣብ ዝነብረላ ዴላዌር ነቲ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስልጣን መን ይሓዞ ኣብ ዝብል ዝርርብ ተጀሚሩ ኣሎ።
ባይደን ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝሓሸ ብዙሕነት ዘለዎ ካቢኔ ክምስርት ከምዝኽእል ልዑል ግምት ኣሎ።
ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት፡ባይደን እንተተዓዊቱ ብዛዕባ እቲ ከቑሞ ዝደሊ ካቢኔ ክዛረብ እንከሎ፡ “ደቂ ተባዕትዮ፡ ሕደ ጾታውያን/ገይ፡ ጸለምቲ፡ ኤሽያውያን፡ ጸዓዱ” ክኸኑ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ ነይሩ።
“ነብሲ ወከፍ ሰብ ነናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይነትን ኣረኣእያን ስለዝህለዎ ልክዕ ንምስሉ እታ ሃገር ዘንጸባርቕ እዩ ክኸውን” ኢሉ ነይሩ።
ሕጹይ ዴሞክራት ባይደን፡ ቅድሚ ካቢኔ ምኒስተራት ምርቁሑ፡ፈለማ ኣብ ዋይት ሃውስ ዘገልግሉ እስታፍ እዩ ክመርጽ።
ሽመት ካቢነ ግን ድሕሪ መዓልቲ ምስጋና ሕዳር 26 ኣቢሉ ክኸውን ከምዝኽእል ልዕሊ 12 ምንጭታት ንጋዜጣ ታይምስ ሓቢሮም።
ባይደን፡ “ነዚ ውድድር ክንስዕሮ ኢና’’
ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ብገፊሕ ክዕወት ምዃኑ ደጊም ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክስዕሮ ልዑል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።
እዚ ንሰልፊ ዴሞክራት ወኪሉ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ ዝተወዳደረ ባይደን፡ ካብ 270 ኤለክትራል ኮሌጅ 253 ረኺቡ’ሎ።
ባይደን፡ ኣብ ክፍለ-ሃገራት ጆርጅያ፡ ነቫዳ፡ ፔንሶልቨንያ ከምኡ’ውን ኣብ ኣሪዞና ይመርሕ ኣሎ።
ባይደን እንተስዒሩ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ፡ ካብ ዋይት ሃውስ ጠቕሊሉ ክወጽእ እዩ።
ባይደን፡ “ነዚ ውድድር ክንስዕሮ ኢና’’ ክብል ነቶም ኣብ ወሊንግቶን ደሌወየር ተኣኪቦም ዝነበሩ ደገፍቱ ተዛሪቡ።
ንሱ ብምቕጻል፡ ኣብዚ ምርጫ ልዕሊ 300 ኤለክትራል ኮሌጅ ከምዝዕወትን፡ ኣብ ታሪኽ ምርጫ ኣመሪካ ዝለዓለ ድምጺ ከምዝረኸበን ሓቢሩ።
ባይደን፡ ዛጊት 74 ሚልዮን ድምጺ ረኺቡ’ሎ።
ንሱ፡ ህዝቢ ኣመሪካ፡ ንዝርገሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፤ በብእዋኑ ንዘንቆልቁል ዘሎ ቁጠባ፤ ንክሊማዊ ለውጥን ዓሌትነትን ክቃለስ ሓላፍነት ሂቡኒ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ባይደን ውጽኢት መረጻ ኣሜሪካ ዛጊት ክፍልጥ ዘይኽኣለሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?
ሓድሽ ዜና, ባይደን ኣብ ፔንሰልቫኒያ ንትራምፕ ክመርሖ ጀሚሩ

ሰብመዚ መረጻ ፔንሰልቫኒያ ኣብ ውጽኢት ድምጺ ለውጢ ከምዘሎ ኣፍሊጦም ኣለው።
በዚ መሰረት ከኣ ጆ ባይደን ነቲ መሪሕነት ካብ ዶናልድ ትራምፕ ተረኪብዎ'ሎ።
ምናልባት'ውን ነቲ ዝድለ 270 'ኢለክቶራል' ድምጺ ብምምላእ ክዕወተሉ ዝኽእል ተወሳኺ ድምጺ ካብታ ግዝኣት ክረክብ ከምዝኽእል ይግመት።
ውጽኢት መረጻ ኣሜሪካ ዛጊት ክፍልጥ ዘይኽኣለሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ኣብ መረጻ ኣሜሪካ መን ከምዝተዓወተ ዛጊድ ኣይተፈለጠን ዘሎ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ዶናልድ ትራምፕ ወይ ጆ ባይደን ከምዝተዓወቱ ዘረጋግጽ ድምጺ ተቖጺሩ ስለዘይተወደአ እዩ።
ይኹን'ምበር መን ናብ ዓወት ይጽጋዕ ከምዘሎ፡ ካብ ውጽኢታት ብቐሊሉ ምፍላይ ይከኣል።
ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ውጽኢት መሰረት ጆ ባይደን ነቲ ዝለዓለ ድምጺ ብምርካብ ይመርሕ'ኳ እንተሃለወ፡ ፕረዚደንት ከምዝኾነ ግን ዘረጋግጽ ኣይኮነን።
ካብቶም ዘለዉ 538 ድምጺ ዝወሃበሎም መናብር ነቶም 270 ዝረኸበ ሕጹይ ተዓዋቲ ከምዝኸውን ይፍለጥ።
ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ መረጻ ኣሜሪካ 2020፡ መን ከምዝተዓወተ ዝፍለጠሉ ጊዜ መዓዝ ይኸውን?
ኣብ ኣሜሪካ ዝለዓለ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መረጻ 2020 ዘካየደት ኣሜሪካ ክሳብ ሎሚ ካብ ዝነበረ እቲ ዝለዓለ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ።
ሎሚ ሓሙስ ልዕሊ 120 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ከምዝተመዝገበ ተፈሊጡ።
ክሳብ ሎሚ ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ ዘጋጠመ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ'ዩ ነይሩ።
ግዝኣት ጆርጂያ ስለምንታይ ኣብ መረጻ ኣመሪካ ኣገዳሲት ኮይና?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ጆርጂያ ምቑጻር ድምጺ ዝቕጽል ዘሎ ኮይኑ፡ ዘይተቖጸረ ውሑድ ድምጺ ከም ዝተረፈ ይግለጽ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ውጽኢት ግና ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ነቲ ብፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ክመርሐሉ ዝጸንሐ ድምጺ በሊጹ መሪሕነቱ ተረኪቡ ኣሎ።
16 ድምጺ ኢሎክቶራል ዘለዋ ግዝኣት ጆርጂያ፡ ባይደን ሙሉእ ንሙሉእ እንተተዓዊቱላ 270 ድምጺ ንምርካብ ዘኽእሉ ወሳኒ ቑጽሪ ክረክብ ክትሕግዞ እያ።
ንትራምፕ ድማ ዝስዓረላ ናይ ውድድር ሜዳ ክትከውን እያ።
ትራምፕ ኣብተን ዝተረፋ ካልኦት ግዝኣታት እንተተዓዊቱ’ውን 269 ድምጺ ኢሎክቶራል ጥራሕ እዩ ክረክብ ዝኽእል።
ኣብ ጆርጂያ ክትዕወት ምኽኣል ማለት ግን ዓብዪ ነገር እዩ።
ካብ 1964 ዓ.ም ጀሚሩ፡ እዛ ግዝኣት ኣርባዕተ ግዜ ንሕጹያት ዴሞክራት መሪጻ።
ንመወዳእታ ግዜ ኣብዛ ግዝኣት ዝተመረጸ ድማ ብ1992 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዝተሳተፈ ቢል ክሊንተን እዩ።
ኣብዚ ዓመት ባይደን እንተተዓዊቱ፡ ጆርጂያ ብሪፐብሊካን ዝመሓደራ ግዝኣታት ዝኸበብኣ ደሴት ክትኸውን እያ።
ኣብ ጆርጂያ ክመርሕ ዝጸንሐ ትራምፕ ብጆ ባይደን ተበሊጹ

ጆ ባይደን 16 ድምጺ ኢሌክቶራል ኮሌጅ ኣብ ዘለዋ ጆርጂያ ክመርሕ ጀሚሩ።
ትራምፕ ኣብ ጆርጂያ ክመርሕ’ኳ እንተጸንሐ፡ 99 ሚኢታዊት ድምጺ መረጽቲ ስለ ዝተቖጸረ እቲ መሪሕነት ብጆ ባይደን ተታሒዙ።
ባይደን ክሳብ ሕጂ 253 ድምጺ ኢሎክሮራል ዝረኸበ ኮይኑ፡ ኣብ ጆርጂያ እንድሕር ተዓዊቱ 264 ድምጺ ክህልዎ እዩ።
ኣብ ኣመሪካ ፕሬዝደንት ኮይኑ ዝምረጽ ተወዳዳሪ 270 ድምጺ ኢሎክቶራል ክረክብ ኣለዎ።
መላፍንቲ ትራምፕ ግራሃም፡ ንምጉት ቤት ፍርዲ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ከወፊ'ዩ
ጆ ባይደን ዝግበረሉ ‘ሓለዋ ክጠናኸር’ ተኣዚዙ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጆ ባይደን ኣብ ዝቕጽል ሰዓታት ኣብ መረጻ ኣመሪካ ክዕወት ከም ዝኽእል ትጽቢት ኣሎ።
ካብዚ ብዝብገስ ድሕነት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ጆ ባይደንን ጉጅልኡን ተወሳኺ ሓለዋ ክግበር ከም ዝተኣዘዘ ይዝረብ ኣሎ
ባይደን ምናልባት ድሕሪ ዝወተሰኑ ሰዓታት ዘረባ ከስምዕ እዩ ተባሂሉ’ውን ትጽቢት ይግበረሉ።
ወሃቢት ቃል ክፍሊ ድሕነት ካትሪን ሚሎሃን ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ክትህብ ተሓቲታ “ንሕና ብዛዕባ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ዝግበር ሓለዋ ርኢይቶ ኣይንህብን” ኢላ።
ተሓጋገዝቲ ባይደን’ውን ርኢይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለው።
ባይደንን መላፍንቱ ዴልዌርን ኣብ ሓደ መአከቢ ኣዳራሽ ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ።
ምትሕንናቕ ዝዓሰሎ መረጻ ሰኔት ጆርጂያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ሴናተር ኬሊ ሊዮፊለር (ጸጋም)ን ዴቪድ ፕሩድን ዘካይዱዎ ውድድር ክድገም ተኽእሎ ኣሎ ኣብ ጆርጅያ ካልኣይ ዙርያ ውድድር ክካየድ ስለ ዝኽእል፡ መረጻ ሰኔት ኣመሪካ ክሳብ ወርሒ ጥሪ ክቕጽል ከም ዝኽእል ተሓቢሩ።
ክሳብ ሕጂ 50 ሚኢታዊት ድምጺ ዝረኸበ ሕጹይ ተወዳዳሪ የለን። እቲ ሕጊ ግን 50 ሚኢታዊት ድምጺ ከም ዘድሊ ይድንግግ።
በዚ እንተቐጺሉ እቲ ካልኣይ ዙርያ ውድድር ኣብ ወርሒ ጥሪ ክካየድ ከም ዝኽእል ተሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሪፐብሊካን 53 ን47 ብዝኾነ ወንበር እቲ ሰኔት ሒዞም ኣለው።
ዴሞክራት ኣርባዕተ ድምጺ ብምርካብ ሓለፋ ንምሓዝ ተስፋ ገይሮም ኣለው።
ንሪፐብሊካን ብምድጋፍ እትፍለጥ ጆርጂያ፡ ክልተ ድምጺ ንዴሞክራት እንተሂባ እቲ ሰኔት ማዕረ 50 – 50 ክኸውን እዩ።
ካብ ተወዳደርቲ ሓደ ዝኾነን ኣብቲ ሰኔት ወንበር ዘለዎም ሪፐብሊካን ዴቪድ ፕሩድ ትሕቲ 50 ሚኢታዊት ድምጺ እዩ ረኺቡ ኣሎ።
ዴሞክራት ጆን ኦሲፍን ኣባል ሰልፊ ሊበሬሽን ሼን ሃዝልን ድማ ተነሓናሕቱ ኮይኖም ቀሪቦም ኣለው።
ኣብ ጆርጂያ፡ ክሳብ ሕጂ 98 ሚኢታዊት ድምጺ ተቖጺሩ ኣሎ።
ደቁ ንትራምፕ ኣባላት ሪፐብሊካን ‘ንኣቦና ዘይደገፍኩም’ ኢሎም ነቒፎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክልተ ደቁ ንዶናልድ ትራምፕ ባላት ሪፐብሊካን ኣቦና ኣብ መረጻ ኣመሪካ ንክዕወት ዝገብሮ ቃልሲ ኣይደገፉን ብምባል ነቒፎም።
ዓብዪ ወዱ ጆን ጁንየር እቲ ሰልፊ “ድኹም እዩ” ክብል እንደሎ ኤሪክ ድማ “ከም ዕስለ ኣባጊዕ እንተኾይንም መረጽቲ ፍጹም ኣይርስዑዎን” ኢሉ።
ደቁ ንትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፊ ሪፐብሊካን ነቐፌታ ከስምዑ ዝጀመሩ፡ ወላዲ ኣቡኦም ምስቲ ሰልፊ ኣብ ቅርሕንቲ ድሕሪ ምእታው እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ጆ ባይደን ኣብቲ መረጻ ዝዕወተሉ ዕድል ይሰፍሕ ኣሎ።
ትራምፕ ዋላ’ውን መረዳእታ እንተዘይኣቕረበ፡ ኣብቲ መረጻ “ምጥፍፋእ” ተፈጺሙ እዩ እናበለ ብተደጋጋሚ ይኸስስ ኣሎ።
በዚ ምኽንያት ክሲ ከም ዝምስርትን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከም ዝወስዶን ይዛረብ።
ከም ሚት ሮምኒ ዝሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሪፐብሊካን ድማ ነዚ ዘረባ ኮኒኖምዎ ኣለው።
ቅድሚ ሕጂ ብቤት ፍርዲ ዝተወድአ መረጻ ኣመሪካ ኣሎ'ዶ?
ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ኣብ 2000 ዝተኻየደ መረጻ ጥራሕ እዩ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተዋሂቡዎ።
ኣብቲ እዋን ሪፐብሊካን ጆርጅ ቡሽ ምስ ዴሞክራት ኣልበርት ኣልሮንድ ጎር ተወዳዲሩ ነይሩ።
ጎር ብብዝሒ ድምጺ ክዕወት እንከሎ፡ እቲ ናይ ኢሎክቶራል ኮሌጅ ድምጺ ግን ዝተቐራረበ ኮይኑ።
እቲ ውድድር፡ ድምጺ መረጻ ዳግም ክቑጸር ዝደፋፍእ'ውን ነይሩ። ጉጅለ ጎር፡ ኣርባዕተ ግዝኣታት እቲ ዳግም ምቑጻር ድምጺ ብኢድ ክኸውን ሓቲቱ።
ጉጅለ ቡሽ ድማ ይግባይ (ግጉይ እዩ) ኢሉ። ድሕሪ ሰሙናት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጆርጅ ቡሽ ተዓዋቲ ዝገብር 5 -4 ብዝኾነ ድምጺ ቅሳነ ብምሃብ ኣጽዲቑ።
በዚ ኣገባብ ቡሽ ፕሬዝደንት ኮይኑ።
ክሲ ትራምፕን ጻውዒት ሰላም ባይደንን

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምኦእ ዴሞክራት ኣብቲ መረጻ ንክዕወቱ ምጥፍፋእ ይፍጽሙ ኣለው ክብል ብተደጋጋሚ ይኸስስ ኣሎ።
ተነሓናሒኡ ጆ ባይደን ብወገኑ ቖጸራ ድምጺ ይቕጽል ስለ ዘሎ ህድእ ንበል ይብል።
ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ እቲ መረጻ ግልጽነት የብሉን ዝብል ትራምፕ ድምጺ ግዝኣት ዊስኮንሰን ዳግም ይቆጸር ይብል ኣሎ።
ኣብዛ ግዝኣት ትራምፕ 20 ሽሕ ድምጺ ብምርካብ ንባይደን ይመርሖ ኣሎ።
ብተወሳኺ ኣብ ሚቺጋንን ጆርጂያን ኣብ ዝተኻየደ ምቑጻር ድምጺ’ውን ቅርታ ኣለዎ።
ኣብ ጆርጂያ ዘንጊዖም ዝበጽሑ 53 ድምጺታት ተቖጺሮም እዮም ኢሉ ክኸስስ እንከሎ፡ ቤት ፍርዲ መረዳእታ ኣይረኸብኩን ክብል ነጺጉዎ።
ትራምፕ ኣብ ፔንሲልቫኒያ’ውን ተመሳሳሊ ክሲ ኣቕሪቡ፤ ተቐባልነት ረኺቡ ተዓዘብቲ ሪፐብሊካን ብቐረባ እቲ ምቑጻር ድምጺ ክከታተሉ ክፍቀድ ተወሲኑ።
ዴሞክራት ግን ነዚ ውሳነ ጥሒሶም ተዓዘብቲ ሪፐብሊካን ከም ዝኸልከሉዎም ተገሊጹ።
መረጻ ኣመሪካ 1876 ዓ.ም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብ1876 ኣብ ዝነበረ መረጻ፡ ሓገግቲ ሕጊ ኣመሪካ ኣብ ኢዶም ሓደ ዓብዪ ጉዳይ መረጻ ሒዞም ነይሮም።
እቲ መረጻ፡ ኣብ ሞንጎ ተወዳዳሪ ዴሞክራት ሳሙኤል ቲልደንን ሪፐብሊካን ሩተርፎርድ ሃይስን እዩ ነይሩ።
ኣብ ውጽኢት መረጻ ዘይተሰማምዓ ኣርባዕተ ግዝኣታት ነይረን፤ ሃይስ ክዕወት እንተኾይኑ ኣብ ኩሉ ክዕወት ኣለዎ ኢለን።
ድሕሪኡ ሓገግቲ ሕጊ ተዓዋቲ እቲ መረጻ ንክውስን ካብ ክልቲኡ ወገን ዝተወጻጽአ ኮሚሽን መረጻ ሰይሞም።
ሃይስ ምስ ደቡብ ዴሞክራት ስምምዕ ገይሩ።
እቲ ስምምዕ ኣብ ካቢንኡ ዴሞክራት ዝኾኑ ከም ዘእቱን ኣብ ጉዳያት ደቡብ ድማ ኢዱ ከም ዘይሕውስን ዝገልጽ ነበረ።
ዴሞክራት ብወገኖም፡ ድምጺ ናይቲ መረጻን መሰል ናይ ጸለምቲ ዜጋታቶምን ኣሕሊፎም ክህቡዎ እውን ዝጠልብ ነይሩ። (ካብ ክልቲኦም እቲ ሓደ ድማ ተግባራዊ ኮይኑ፤ እርግጽ እቲ ካልኣይ ክኸውን ኣይኽእልን)
በዚ መሰረት ሃይስ ተዓዋቲ መረጻ ክኸውን ተወሲኑ።
ጉዳይ እቲ መረጻ ድማ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ መዕለቢ ክረክብ ክኢሉ።
ድሓን'ዶ ሓዲርኩም?
ኣብ መረጻ ኣመሪካ 2020 ካብ ዘለው ምዕባለታት፥
- ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ሕጂ’ውን ኣብቲ መረጻ ከም ዝተዓወተ ይገልጽ ኣሎ፤ እንተኾነ ምቑጻር ድምጺ ይቕጽል ኣሎ።
- እቲ ፕሬዝደንት ብተደጋጋሚ “ኣብቲ መረጻ ሰፊሕ ብልሽውናን ምጥፍፋእ ብፖስታ ዝተዋህበ ድምጽን” ተፈጺሙ እዩ ክብል ይኸስስ። ነዚ ዘቕርቦ መረዳእታ ግን የብሉን
- ኣብ ውጽኢት እቲ መረጻ ወሳኒ ተራ ኣብ ዘለወን ግዝኣታት ኣሪዞና፣ ጆርጂያ፣ ኔቫዳን ፔንሲልቫኒያን ብፖስታ ዝተዋህበ ድምጺ ምቑጻር ይቕጽል
- እቲ ፕሬዝደንት ኣብ “ኣሪዞና ድሓን” ከም ዘሎ እኳ እንተገለጸ ክሳብ ሕጂ 88 ሚኢታዊት ድምጺ ተቖጺሩ ባይደን ይመርሕ ኣሎ
- ተነሓናሒኡ ጆ ባይደን ብወገኑ ምቑጻር ድምጺ ይቕጽል ስለ ዘሎ፡ ሰባት ብህድኣት ክጽበዩ ይላቦ። “ብዘይጥርጥር” ክዕወት ምዃኑ ድማ ይዛረብ
- ዴሞክራት ኣብ ኔቫዳን ኣሪዞናን ይመርሑ ስለ ዘለው ኣብ ፔንሲልቫኒያን ጆርጂያን’ውን ንትራምፕ ክበልጹዎ ተስፋ ይገብሩ
ተወሳኺ ዛዕባታት ብቐጥታ ከነቕርበልኩም ኢና፤ ተኸታተሉ።
ሰናይ መዓልቲ!
ጆ ባይደን ኣብ መረጻ ኣሜሪካ ብዝረኸቦ ውጸኢት ምምርሑ ቀጺሉ'ሎ

ውጽኢት መረጻ ኣሜሪካ 2020 ዛጊት ወግዓዊ ኣብ ዘይተገበረሉ ኩነታት ክልቲኦም ሕጹያት ከምዝተዓወቱ በብወገኖም እናገለጹ እዮም።
ለብዒ ኮቪድ ኣብ ሓደ ናቑጣ መረጻ ኒውዮርክ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝተዳለወ ናቑጣ መረጻ ብውሑድ 10 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም።
ናይቲ ከባቢ ሰብመዚ ከምዝሓበርዎ ኣብቲ ናቑጣ መረጻ ብሰንኪ ዘጋጠመ መልከፍቲ ብዙሓት ሰባት ክውሸቡ ተገይሩ'ሎ።
ካብ ሞንጎ ዝተለኸፉ ሰባት እቶም 6 ሰራሕተኛታት መረጻ ከምዝኾኑ ድማ ተፈሊጡ።
ትማሊ ረቡዕ ኣብ 18 ግዝኣታት ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ ኣመዝጊበን'የን።
ኣብ መላእ ኣሜሪካ'ውን ንፈለማ እዋን ልዕሊ 100 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ትማሊ ረቡዕ ተመዝጊቡ'ሎ።
ትራምፕ ንኽዕወት "ካብ ኣፍሪቃ ዝተልኣኹ መላእኽቲ"
ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መንፈሳዊ ጉዳያት እተማኽር ፓውላ ዋይት ኬይን፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ መረጻ ንኽዕወት ዝሕግዙ "መላእኽቲ ካብ ኣፍሪቃን ሰሜን ኣሜሪካን ከምዝተልኣኹ" ገሊጻ።
ንሳ ኣብ ዝገበረቶ ስነስርዓት ጸሎት "ድምጺ ዓወት ሰሚዐ። ፈጣሪ እቲ ጉዳይ ከምዝተፈጸመ ተዛሪቡ። ኣብ ውሽጢ ገነት ከኣ 'ዓወት' ዝብል ድምጺ ሰሚዐ" ኢላ።
ፓስተር ፓውላ "መላእኽቲ ካብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ተበጊሶም ኣለዉ" ክትብል ወሲኻ ተዛሪባ።
እቲ ንሳ ነዚ መልእኽቲ ዘሕለፈትሉ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብስፍሓት ተዘርጊሑ'ሎ።
