ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 24 ሰዓታት 588 ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ 8201 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ 588 ሰባት ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ኮይኑ፡ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ብተመሳሳሊ 309 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝደሓኑ ዝገልጽ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ዛጊድ ቁዕሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 19877 ከምዝበጸሐ የመላኽት፡።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ እንትኸውን፡ ዛጊድ 343 በጺሑ ኣሎ።