ኣብ ኤርትራ፡ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 282 በጺሑ

እቶም ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰርሓ ተዓቚቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ምዃኖም እቲ መግለጺ ይጠቅስ። ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ'ውን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብዚ ገፅ እዚ ከቕርበልኩም እዩ። ክትከታተሉና ንዕድመኩም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 24 ሰዓታት 588 ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

    ኣብ ኢትዮጵያ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ

    ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ 8201 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ 588 ሰባት ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ኮይኑ፡ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ገሊጹ።

    ብተመሳሳሊ 309 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝደሓኑ ዝገልጽ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ዛጊድ ቁዕሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 19877 ከምዝበጸሐ የመላኽት፡።

    ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ እንትኸውን፡ ዛጊድ 343 በጺሑ ኣሎ።

  2. መገዲ ኣየር ናይጀርያ ልዕሊ ሰብዓ ኣብረርቲ ካብ ስራሕ ነክዩ

    ናይጀርያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኤየር ፒስ ዝተብሃል መገዲ ኣየር ናይጄሪያ ብዝጋጠሞ ፋይናንሳዊ ጸገም ልዕሊ ሰብዓ ኣብረርቲ ካብ ስራሕ ነክዩ።

    ሰራሕተኛታት ነኪኻ ናይ ዝተረፉ መሃያ ምንካይ ወይድማ መሃያ ሰራሕተኛታ ከይከፈልካ ካልኦት ወጻኢታት ምሽፋን፡ ዝነበሩዎ ኣማራጺታት ምዃኖም ዝገለጸ እቲ መገዲ ኣየር፡ ነቲ ካልኣይ መማረጺ ከምዝወሰደ ገሊጹ።

    ቅድም ክብል ሓላፊ መገዲ ኣየር ፒስ ኤለን ኦንየማ፡ መንግሰቲ ናይጄርያ ንመገዲ ኣየራት ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብር ጻውዒት ገይሩ ነይሩ።

    ኮይኑ ግና ኣብቲ፡ መንግስቲ ናይጄርያ ብኮሮናቫይረስ ዝተሃሰዩ ትካላት ንምሕጋዝ ዘቕርቦ ልቓሕ ሽዱሽተ ቢልዮን ዶላር፡ ነቶም መገዲ ኣየራት ኣየካተቶምን።

    ናይጄርያ ኣብ ልዕሊ መጓዓዝያ ኣየር ውሽጢ ዓዲ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ክልከላ ዘልዓለት ኮይና፡ እተን መገዲ ኣየራት ግን ቀሊል ዘይበሃል ፋይናንሳዊ ቅልውላው ኣጋጢምወን ኣሎ።

    በረራ ተቜሪጽዎም ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ ኢንዱስትሪ መገዲ ኣየር ናይጄርያ ወርሓዊ 77 ሚልን ዶላር ከምዝኸሰረ ዓለምለኻዊ ሕብረት መገዲ ኣየር ገሊጹ።

  3. ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 583 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

    ማስክ ዝገበረት

    ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ ኣብ 6907 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ፡ ተወሰኽቲ 583 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙን 26 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱን ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ገሊጹ፡።

    እዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣሃዝ፡ ብዝሒ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 19289 ዘብጸሖ እንትኸውን፡ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ድማ 336 በጺሑ ኣሎ።

    ብተውሳኺ 330 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ከምዝደሓኑ መዓልታዊ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣምልኪቱ።

  4. ኣብ ኤርትራ ተወሰኽቲ 3 ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም

    ኮሮናቫይረስ መመርመሪ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ኤርትራ ተወሰኽቲ 3 ሰባት ብኮቪድ-19 ከም ዝተለኽፉ ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰርሓ ተዓቚቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ምዃኖም እቲ መግለጺ ይጠቅስ። ዛጊት፡ ኣብታ ሃገር 282 ክልከፉ እንከለዉ፡ ካብኦም 225 ሓውዯም፡ ዝተረፉ 57 ኣብ ሆስፒታላት ይእለዩ ኣለዉ።

  5. ዝዓበየ ባንኪ ኤወሮጳ፡ 35 ሽሕ ስራሕተኛታት ክንኪ ምዃኑ ኣፍሊጡ

    ባንኪ ኤውሮጳ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ብሰንኪ ጽልዋ ኮሮናቫይረስ፡ ዝዓበየ ባንኪ ኣወሮጳ 35 ሽሕ ስራሕተኛታት ንምቕናስ ዝሓዞ ትልሚ ክትግብሮ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    ዝዓበየ ባንኪ ኣውሮጳ ኤች-ኤስ-ቢ-ሲ፡ ዝረኽቦ መኽሰብ ብምውራዱ ነቶም ስራሕተኛታት ክንኪ ዝሓዞ መደብ ብቕልጡፍ ከትግብሮ ከምዝተለመ ገሊጹ።

    ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተለቃሕቲ ከምልስዎ ዘይክእሉ ገንዘብ እቲ ባንኪ 13 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ከምዝኽእል እውን እቲ ባንኪ ሓቢሩ።

    ካብ መፈለምታ እዚ ዓመት ኣውሮጳ ጀሚሩ ሃዋህው ስራሕ እቲ ትካል ከምዝተቐየረ ዝገልጽ ሓላፊ እቲ ባንኪ ኖዌል ኲን፡ እቲ ባንኪ ነቲ ቅድም ኢሉ ዝሓዞ መደብ ምንካይ ስራሕተኛታት ከቀላጥፎ ምዃኑን ካልኦት ሰጉምቲታት እውን ከምዝወሰድን ተዛሪቡ።

    ዝዓበየ ባንኪ ኣውሮጳ ኤችኤስቢሲ፡ ንፈለማ እዋን፡ ናይ ፍርቂ ዓመት ቅድሚ ግብሪ ትርፉ ብ65 ምኢታዊት ከምዝነከየ ኣፍሊጡ ኣሎ።

  6. ታንዛንያ ሰላማዊ ሰልፊ ምውዳብ ብሕጊ ከልኪላ

    ታንዛንያ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ብመሰረት እታ ሃገር ዝውጸአቶ ሓድሽ ሕጊ ምትላም፣ ምውዳድን ምድጋፍ ዝኾነ ዓይነት ሰላማዊ ሰልፍን ክልኩል እዩ።

    እቲ ሕጊ ካብ ፍቓድ ምንግስቲ ወጻኢ፡ ብዛዕባ ዘጓንፍ ተላባዲ ሕማም ሓበሬታ ምክፋል እውን ዝኽልክል እዩ።

    ብተውሳኺ ሰባት ከም ዋትስኣፕ ኣብ ዝበሉ መመሓላለፊ መልእኽቲታት ብዝልእኹዎም ሓበሬታታት እውን ክቕጽዑ ከምዝኽእሉ ይሕብር።

    እቲ እታ ሃገር ዝወጸአቶ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጽሕፍዎም ትሕዝቶታት ዝድርት ሕጊ፡ ሓሳብ ናይ ምግላጽ መሰል ዝዳፋእ ከምዝኾነ ጎስጎስቲ ታንዛንያ ገሊጾም።

    ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ናብ ሰልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሚድያታት፣ ሲቪል ማሕበራትን ንመንግስቲ ዝቃወሙ ውልቀ ሰባትን ዓፈና ከምዝፍጽሙ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።

  7. ዙምባብወ ሕጽረት ሰብ ሞያ ጥዕና ኣጋጢሙዋ

    ዙምባብወ ሕጽረት ሰብ ሞያ ጥዕና ኣጋጢሙዋ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ዶኳትር ዙምባብወ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እታ ሃገር ብምኽንያት ሕጽረት ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ ቅልውላው ከም ዘላ ተዛሪቦም።

    ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዓብዪ ሆስፒታል እታ ሃገር ዶክተር ራሺዳ ፈራንድ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ ዓመጽ ስለ ዘለውን ሕጽረት ሰብ ሞያ ዝጥቀምሉ መከላኸሊ ናውትን ኣዝዮም ውሑዳት ዶኳትርን ነርሳትን ጥራሕ ኣብ ኣገልግሎት ኣለው።

    እቲ ኣብ ሃራሬ ዝርከብ ሆስፒታል’ውን፡ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ከቕርቦ ዝኽእል መደቀሲ 30 ጥራሕ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ብብዝሒ ከተኣናግድ ኣይኽእልን ኢሉ።

    ኣብ ዙምባብወ ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት 4000 ኮይኑ 70 ድማ ሞይቶም።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ እታ ሃገር ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቱ’ዩ።

  8. ቻይና፡ ናብ ሆንግኮንግ ሰብ ሞያ ጥዕና ልኢኻ

    መርመራ ኮቪድ-19

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ካብ ቻይና ዝተላእኸ ዓብዪ ጉጅለ ጥዕና ኣብ ሆንግኮንግ በጺሑ።

    ሆንግኮንግ፡ ቅድም ኢሉ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምቁጽጻር ክኢላ’ኳ እንተነበረት ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ሓያል መልከፍቲ ይርኣይ ኣሎ።

    ዳርጋ ንኽልተ ሰሙን መዓልታዊ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ብመርመራ ትረክብ ከም ዘላ ይግለጽ።

    ኣብዚ ሰዓት ኣሰር በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፉ ዝተተናኸፉ ሰባት ምርካብ’ውን ውጽኢታዊ ይኸውን ከም ዘየሎ ተገሊጹ።

    ሎሚ መዓልቲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ክልተ ሰባት እንትሞቱ፡ እቲ ቑጽሪ ናብ 37 ደይቡ። ካልኦት 80 ድማ ኮሮናቫይረስ ተረኺቡዎም።

    በዚ ምኽንያት ሙሉእ ህዝቢ [7.5 ሚሊዮን] ንምምርማር ሓድሽ ትልሚ ከም ዝወጽአ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ሆንግኮንግ ይሕብሩ።

  9. ኢራን ብኮሮናቫይረስ ዘጋጠማ ሞት ከምዝሓብአት ልሒኹ ዝወጽአ ሓበሬታ ኣቃሊዑ

    ኣብ ኢራን ዘሎ ሓቂ እንታይ እዩ?

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ኢራን ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ሰለስተ ዕጽፊ ካብቲ መንግስቲ ዝብሎ ከም ዝኾነ፡ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ።

    ክሳብ 20 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 42 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ዘርኢ ጸብጻብ መንግስቲ'ኳ እንተሃለወ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ወግዓዊ ዝገበሮ ብዝሒ ግን 14 ሽሕን 405 እዩ።

    ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት'ውን እንተኾነ ክልተ ዕጽፊ ካብቲ መንግስቲ ዝብሎ'ዩ። 451,024 እናሃለወ፡ መንግስቲ ግን 227,827 እዩ ዝብል።

    ካብ ቻይና ወጻእ፡ ኢራን ካብተን ኣዝየን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዓ ሃገራት እያ ነይራ።

    ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ደግሲ ለበዳ እቲ ቫይረስ ክርኣይ እንከሎ፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ሓፍ ኢሉ'ዩ።

    ኣብ ኢራን፡ ብ22 ጥሪ 2020 ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከም ዝተመዝገበ፡ እቶም ናብ ቢቢሲ ዝተልኣኹ ሰነዳት ሕክምና የረጋግጹ።

    እዚ ድማ፡ መንግስቲ ብወግዒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከም ዘሎ ቅድሚ ምእዋጁ ቅድሚ ሓደ ወርሒ'ዩ።

  10. ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ንኣሜሪካ ስግኣት’ዩ ተባሂሉ

    ዕዳጋ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ካብ ኣማኸርቲ ጥዕና ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ሓንቲ ዝኾነት፡ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ናብ ኣዝዩ ዝለዓለ ደረጃ ይሰጋገር’ዩ ዘሎ ክትብል ኣጠንቂቓ።

    ዲቦራህ ብሪክ ከም ዝበለቶ፡ እቲ ሕማም “ብዝለዓለ ናህሪ ኣብ መላእ ሃገር ይዝርጋሕ’ዩ ዘሎ” ኢላ።

    ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ድማ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ስግኣት ከም ዝኾነ ተዛሪባ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓበይቲ ከተማታትን ገጠራትን ኣሜሪካ ብለበዳ እቲ ቫይረስ ተጠቒዐን ኣለዋ።

    ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ ከባቢታት ገጠር ዝርከቡ ዜጋታት ኣሜሪካ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ኣተሓሳሲባ።

  11. ሲንጋፑር፡ ናብ መወሸቢ ማእከል ዘይኣትው ሰባት ብመሳርሒ ኤሌክትሮኒክስ ክትከታተሎም’ያ

    በዓል ሞያ ሕክምና

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሲንጋፑር ካብ ዝቕጽል ሓሙስ ጀሚሩ ናብ መወሸቢ ማእከላት ዘይኣተው ግን ድማ ን14 መዓልታት ንነብሶም ፈልዮም ዝጸንሑ ሰባት ብመሳርሒ ኤሌክትሮኒክስ ክትከታተሎም’የዓ።

    ምንቅስቓስ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ን14 መዓልታት ንነብሶም ፈልዮም ክጸንሑ ዝንገሮም ሰባት መሳርሒ ኤሌክትሮኒክስ ብምጥቃም ከም ዝከታተሎ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

    እቶም ኣብ መንበሪ ገዝኦም ክውሸቡ ዝተኣዘዙ ሰባት ኩል ግዜ ነቲ መሳርሒ ሒዞም ክንቀሳቐሱ’ዮም።

    ቅድሚ ሕጂ፡ ሲንጋፑር ምንቅስቓስ ናብ መወሸቢ ማእከላት ዝኣትው ሰባት ብጻውዒት ስልኪ ትከታተሎም ነይራ።

    ኣብ ልዕሊ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዘሕለፈቶ መምርሒ ዝጥሕሱ ሰባት ድማ፡ ከቢድ ስጉምቲ ከም ዝወስድ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

    እዚ ከቢድ መቕጻዕቲ ገንዘብ ወይ’ውን ኣመእሰርቲ ሽዱሽ ኣዋርሕ ከም ዝኸውን ተሓቢሩ።

  12. ኣብ ፊሊፒንስ ልዕሊ 27 ሚሊዮን ሰባት ናብ ኣዋጅ ዕጽዋ ክኣትው’ዮም

    ፊሊፒንስ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ፊሊፒንስ፡ ዳግም ከተማ ማኒላን ከባቢኣን ናብ ጽኑዕ ስጉምቲ ዕጸዕዋ ክትኣቱ ወሲና።

    ኣብታ ከተማ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ክውስኽ ዝተራእየ ኮይኑ፡ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ልዕሊ 100 ሸዕሕ በጺሑ።

    ዶኳትርን ነርሳትን እታ ሃገር ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ምቁጽጻር ከም ዘይክኣሉን እቲ ዘሎ ለበዳ ንስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ሓደገኛ ከም ዝኾነን ምስ ኣጠንቀቑ’ዩ ፕሬዝደንት ሮድሪጎ ዱተርተ ነዚ ስጉምቲ ዕጽዋ ክእውጅ ተገዲዱ።

    እቲ ኣዋጅ፡ ምዕጻው ትካላት ንግድን መጓዓዝያ ህዝብን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ካብ ጽባሕ ዝጅምር ክኸውን’ዩ።

    ከተማ ማኒላ ቅድሚ ክልተ ሰሙን እያ ካብ ኣዋጅ ዕጽዋ ወጺኣ ነይራ።

    መንግስቲ፡ 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት ጥዕና ክዖቐጽር ከም ዝደሊ ይገልጽ።

  13. ሰለስተ ሚኒስተራት ጋምቢያ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

    ሰለስተ ሚኒስተራት ጋምቢያ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምክትል ፕረዚደንት ጋምቢያ ብኮሮናቫይረስ ስለዝተትሓዘት፡ ፕረዚደንት ኣዳማ ባሮው ንርእሱ ክውሽብ ከምዝተገደደ ዝዝከር እዩ።

    እቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰለስተ ሚኒስተራት፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ማምቡሬህ ኒጄ፣ ሚኒስተር ነዳድን ጸዓትን ፋፋ ሳንያንግ ከምኡ ድማ ሚኒስተር ሕርሻ ኣምየ ፋቡሬህ እዮም።

    ኣብ’ታ ሃገር ዛጊድ 498 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገጸ ኾይኑ፡ 9 ሰባት ድማ በቲ ሕማም ሞይቶም እዮም።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  14. ኣብ ውሽጢ 90 ደቒቕ ውጽኢት ዝህብ መመርመሪ ኮቪድ-19ን ጉንፋዕን

    መምርመሪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ኣብ ውሽጢ 90 ደቒቕ ውጽኢት መርመራ ኮሮናቫይረስን ጉንፋዕን ዘፍልጥ መመርመሪ፡ ናብ ኩሎም ቤተ ፈተነን ናይ ክንክን ቦታታትን ክባጻሕ እዩ።

    እዚ ካብ ጎሮሮ ብዝውሰድ ቅምሶን ቅምሶ ደምን [ዲኤንኤ] ዝግበር መርመራ ድማ፡ ኮቪድ-19ን ወቕቲ ሓልዮም ዘጋጥሙ ሕማማትን ኣብ ምፍላይ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ።

    ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር፡ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን "ዝለዓለ ረብሓ" ክህበና እዩ ይብሉ።

  15. መንግስቲ ዝብሎ ካልእ፡ መቓብራት ሶማልያ ዝብልዎ ኸኣ ካልእ!

    ብሓድሕድዊ ኩናት ሞት ዜጋታታ ዝለመደት ሶማልያ፡ ሎሚ ሎሚ ዜጋታታ ብናይ ጥይት ዓረር እንተይኮነስ ብሰላሕታ ይቐትል ብዘሎ ኮሮናቫይረስ ይሃልቁ ከምዘለዉ ‘ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ’ ዘሰናድኦ መርመራዊ ትሕዝቶ የረድእ።

  16. ኤርትራዊ ስነጥበባዊ ዳዊት ዘካርያስ ኣብ መቐለ ብኮሮናቫይረስ ህይወቱ ሓሊፉ

    ዳዊት ዘካርያስ

    ምንጪ ስእሊ, ዳዊት ዘካርያስ

    ፍሉጥ ኤርትራዊ ደራሲ፡ ኣላይን ተዋሳእን ዳዊት ዘካርያስ ኣብ ትግራይ፡ ከተማ መቐለ ብኮሮናቫይረስ ህይወቱ ሓሊፉ።

    ዳዊት ዘካርያስ ሕዱር ሕማም ከምዝነበሮን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ይሕከም ምንባሩን ፈተውቱ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

    ስነጥበባዊ ዳዊት ዘካርያስ ኣብ ናይ መድረኽ ድራማታት፡ ኣብ ምእላይን ምድራስ ፊልም ጉሉሕ ስም ዝነበሮ ስነጥበባዊ እዩ።

    እቲ ስነጥበባዊ፡ ኣብ ናይ መድረኽ ድራማታት’ውን ሓደ ካብ ፍሉጣት ተዋሳእቲ ኮይኑ፡ ሓያለ ናይ መድረኽ ድራማታት ደሪሱን ኣልዩን ተዋሲኡን'ዩ።

  17. ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝለዓለ መጠን ሞት ተመዝጊቡ

    መቐለ

    ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ ከምዝሓበረቶ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዛጊድ ካብ ዘጋጠማ መጠን መዓልታዊ ሞት፡ እቲ ዝለዓለ ከምዝመዝገበት ገሊጻ’ላ።

    በቲ ሕማም ተወሰኽቲ 28 ሰባት ዝሞቱ ኾይኖም፡ ተወሰኽቲ 707 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ብምርመራ ተረጋጊጹ።

    በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዛጊድ ዘጋጠመ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ 18,706 በጺሑ’ሎ።

    ክሳብ ሕዚ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ድማ 310 ኮይኑ።

    ብዝሒ ዝሓወዩ ሰባት ከኣ፡ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ እዩ።

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ቲ ሕብረተሰብ ክዝርጋሕ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣዝዩ እዩ ዝውስኽ ዘሎ።

    ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣብተን ናይ ፈለማ ክልተ ሰሙናት፡ 200 ሽሕ ምርመራታት ክትገብር ወጢና ኣላ።