ጋቦን ሓንቲ ካብተን መሰላት ሕደ-ጾታውያን ዘኽብራ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትከውን እያ
ታሕተዋይ ባይቶ ጋቦን ኣብ ልዕሊ ሕደ ጾታውያን ዝወርድ ኣድልዎታትን ተነጽሎን ደው ከብል ድሕሪ ምድማጹ፡ ላዕልዋይ ባይቶ እታ ሃገር’ውን ድሕሪ ሓደ ሰሙን ነቲ ናይ ታሕተዋይ ባይቶ ውሳነ ዝድግፍ ድምጺ ሂቡ ኣሎ።
እዚ ብክልቲኡ ቀጸላታት ባይቶ እታ ሃገር ዝተወሰነ ውሳነ፡ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ተቐባልነት እንተረኺቡ ጋቦን ሓንቲ ካብ ውሑዳት መሰላት ሕደ ጾታውያን ዘኽብራ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትከውን እያ።
ነቲ ብክልቲኡ ባይቶታት ዝሓለፈ ውሳነ ካብ ጸለውቲ ፖሎቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን፤ ጋቦን ካብ ሃገራት ወጻኢ ሓገዝ ንኽትረክብ ዘተኣታተወቶ እዩ ብምባል ተቃውሞታት የጋጥሞ ኣሎ።
ዝሓለፈ ዓመት ሃገረ ጋቦን ንግበረ ሰዶምነት ኣብ ዝርዝር ገበን ብምእታው፡ ኣብ ከምዚ ተግባር ዝተረኸበ ሰብ ሽዱሽተ ወርሒ ክእሰርን ብገንዘብ ክቅጻዕን ዝድንግግ ሕጊ ኣጽዲቃ ነይራ እያ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ኣገባብ እየን ዝኽተላ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ግን ግብረ ሰዶምነት ኣብቲ ብሞት ዘቕጽዓ ዓይነታት ገበናት እዩ ተሰሪዑ ዘሎ።