እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 100 ሰባት ተረኺቦም

ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ሞይቶም። 1.69 ሚሊዮን ሰባት እታ ሃገር በዚ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ ኣስታት 30 ሚኢታዊት ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዓለም ኣብ ኣሜሪካ ይርከቡ። ብደረጃ ዓለም መልከፍቲ 5.6 ሚሊዮን ሰባት ተመዝጊቡ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ዘለው ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ንክትረኽቡ ቢቢሲ ትግርኛ ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ጓል 111 ዓመት ሰበይቲ ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውያ

    ኣብ ቺለ፡ ጓል 111 ዓመት ሰበይቲ ካብ ኮሮናቫይረስ ከም ዝሓወት ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

    እዛ ጅዋና ዙኒጋ ዝተባህለት ሰበይቲ፡ ኣብ መናበዩ ዓበይቲ እንከላ እያ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፋ።

    እታ ሰበይቲ ቅድሚ ዝርጋሐ ኮሮናቫይረስ፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ከምዝነበራን፡ እቲ ቫይረስ ብዙሕ ከምዘይጎድኣን ተገሊጹ።

    ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ጅዋና ዙኒጋ ሓዊሱ 18 ነበርቲ እቲ መናበዩ ኣረጋውያን ብኮሮናቫይስ ተለኺፎም።

    ብድሕሪኡ ጅዋና ኣብ መወሸቢ ማእከል ክንክን ክግበረላ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ 28 መዓልቲ ካብቲ ሕማም ናጻ ተባሂላ።

    ጅዋና፡ ሓዳርን ዝኮነ ውላድን ኣይነበራን።

    ኣብ ቺለ፡ ዛጊት 82,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።

  2. ፕረዚደንት ኬንያ ንናይ ኮቪድ-19 ሰዓት እቶ እቶ ዝጠሓሰ ወዱ ገኒሑ

    ፕረዚደንት ኬንያ፡ ወዱ ነቲ ኣብታ ሃገር ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ተኣዊጁ ዘሎ ሰዓታት እቶ እቶ ከም ዝጠሓሰ ተዛሪቡ።

    ኡሁሩ ኬንያታ፡ ሓደ ካብቶም ክልተ ደቁ፡ ኣብታ ማእከል ለበዳ ናይቲ ቫይረስ ኮይና ዘላ ወዳባዊት ከተማ ሞምባሳ ለይቲ ከም ዝተንቀሳቐሰ ተኣሚኑ።

    እቲ ኣዋጅ፡ ካብ ዕራርቦ ጸሓይ ክሳብ ወጋሕታ ዝጸንሕ’ዩ። ማሕበራዊ ምትእኽኻብ’ውን ኣብታ ሃገር ተኣጊዱ ይርከብ።

    ካብን ናብን ርእሰከተማ ናይሮቢን ካልኦት ሰለስተ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ከተማታት ዝግበር ምንቅስቓስ ተደሪቱ’ሎ።

    እቲ በቲ ቫይረስ ክልከፍ ዘይክእል ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘየለ ዝገለጸ ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ንወዱ ናብ መወሸቢ ማእከል ብዘይምስዳዱ ግን ይንቀፍ ኣሎ።

    ንሱ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ንወዱ፡ ንሂወት ዓባዩ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቑ ከም ዝገንሖ’ዩ ተዛሪቡ።

  3. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ 1 ተወሳኺ ሰብ ሞይቱ፡ 100 ሓደሽቲ ተታሒዞም

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ 100 ተወሰኽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም።

    እዚ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መዓልታዊ ክግለጹ ካብ ዝጸንሑ መልከፍትታት፡ እቲ ዝለዓለ እዩ።

    ካብቶም ተወሰኽቲ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገጸ ሰባት፡ መብዛሕተኦም፡ ማለት’ውን እቶም 94፡ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዮም።

    ኣብታ ሃገር፡ ዛጊት በቲ ሕማም ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሒ፡ 831 በጺሑ'ሎ።

    ብተወሳኺ፡ ሓንቲ ጓል 70 ዓመት ብሕማም ኮቪድ-19 ከምዝሞታ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።

    ክሳብ ሕዚ ኣብታ ሃገር፡ 7 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ።

    ኣብ’ዚ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ 631 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣብ ሕክምና ኣለዉ።

    ካብኦም ድማ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና እዩ ዘሎ።

    ዛጊድ ዝሓወዩ ሰባት ድማ 191 እዮም።

    ኢትዮጵያ፡ ትማሊ 4950 ምርመራታት እያ ኣካይዳ።

    ካብ ቀረባ መዓልታት ጀሚሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

    እቶም ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝግለጹ ሰባት ድማ፡ መብዛሕተኦም ናብ ካልእ ሃገር ተጓዒዞም ዘይፈልጡ፡ ምስዝሓመሙ ሰባት ዝነበሮም ምትንኻፋት ድማ ቀዲሙ ዘይፍለጥ ብምንባሩ፡ እቲ ለበዳ ከይተፈለጠ ኣብ ሕብረተሰብ ይዝርጋሕ ከይህሉ ስግኣት ፈጢሩ’ሎ።

  4. ኣብ ማላዊ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መወሸቢ ማእከላት ሃዲሞም ወጺኦም

    ኣብ ማላዊ ከተማ ብላንትሬ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ዝጸንሑ ኣስታት 400 ሰባት፡ ካብቲ ቦታ ሃዲሞም ወጺኦም።

    እዞም ሰባት፡ ኣብቲ ማእከል ዘሎ ቀረብ ኣዝዩ ትሑት ከም ዝኾነ ብምግላጽ የንጸርጽሩ ነይሮም።

    ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ከም ዝበልኦ፡ እቶም ካብዚ ቦታ ሃዲሞም ዝወጽኡ ሰባት፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጽኡን ገና መርመራ ኮሮናቫይረስ ዘይተገብረሎምን እዮም።

    መንግስቲ ማላዊ፡ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ሜዳ ኩዕሶ [ስታዲየም]፡ ናይ መወሸቢ ቦታ ኮይኑ ንከገልግል እኳ እንተገበረ፡ ኣብቲ ቦታ ሕጽረት ማይ፣ መግብን ሽቓቕን ከም ዘሎ ይግለጽ።

    ክሳብ ሕዚ፡ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።

    ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ካብ ዝነበሩ ሸሞንተ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ካብቲ ቦታ ሃዲሞም ምውጽኦም ተገሊጹ ነይሩ።

    ኣብ ማላዊ፡ 101 በዚ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ክህልው እንከለው፡ ኣርባዕተ ሞይቶም።

  5. ብምኽንያት ኮቪድ-19 ልዕሊ 1600 ሕሙማት ኣእምሮ ብጌጋ ካብ ሆስፒታል ወጺኦም

    ኣብ ሰሜናዊ ዌልስ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣስታት 1700 ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎም ሕሙማት ብጌጋ ካብ ዝሕከሙሎም ማእከላት ክወጽኡ ተገይሩ።

    ቦርድ ጥዕና 'ቤትሲ ካድዋላድር' ካብ 200 ክሳብ 300 ዝኾኑ ሕሙማት ወጺኦም'ዮም ኢሉ ከም ዝግምት'ኳ እንተገለጸ፡ እቲ ቑጽሪ ግን ኣስታት 1694 ከም ዝኾነ ይግለጽ።

    በዚ ምኽንያት፡ እቲ ቦርድ ጥዕና ይቕሬታ ሓቲቱ፡ ነቶም ሕሙማት ይእልሽ ኣሎ።

  6. ሓደ ቤት ትምህርቲ ታንዛኒያ 'ተምሃሮ ንጅንጅብል ገንዘብ ከምጽኡ ሓቲቱ'

    ሓደ ቤት ትምህርቲ ታንዛኒያ፡ ተመሃሮኡ ብኮሮናቫይረስ ንከይሓሙ፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ንምዕባይ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ናብ ቤት ትምህርቲ ክመጽኡ ከለው፡ መዐደጊ ጅንጅብልን ለሚንን፡ ገንዘብ ሒዞም ክመጽኡ ሓቲቱ ተባሂሉ።

    እንተኾነ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ከምኡ ኣይበልኩን ክብል ይነጽጎ።

    እዚ ኣብ ዞባ ታንጋ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ቅድስቲ ማርያም ማዚንዴ እዩ ዝበሃል።

    መዐደጊ ጅንጅብልን ለሚንን፡ ኣስታት 324 ዶላር ካብ ወለዲ ናይቶም ተምሃሮ ሓቲቱ ዝብል ክሲ ይቐርበሉ።

    ምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ንማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ነዚ ዝቐረበሉ ጥርዓን ልክዕ ኣይኮነን ክብል ነጺጉዎ።

    ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ፕሬዝደንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ፡ ወደይ ማይ ኣፍሊሑ ስለ ዝተዓጠነን ለሚንን ጅንጅብልን ስለ ዝሰተየን ካብ ኮቪድ-19 ሓውዩ ኢሉ ነይሩ።

    እንተኾነ፡ ኮሮናቫይረስ ክሳብ ሕዚ ዝኾነ ዓይነት ክታበት ይኹን መድሓኒት የብሉን።

    ኣብ ታንዛኒያ ካብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈቱ’ዮም።

    መንግስቲ ድማ፡ መምርሒታት ምክልኻል ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክትግበሩ ጥቡቕ መምርሒ ኣሕሊፉ።

  7. ኮሮናቫይረስ ብሳእናን ክዳውንትናን ክመሓላለፍ ይኽእል ዶ?

  8. ዓሰርተ ኽልተ ወሊደን፡ ክልተ ደቀን ጥራሕ ዝቐበሩወን ኣደ

    ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝበላ ሃገራት ስነ ስርዓት ቀብሪ ብቐሊል ዝረኣይ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡

    ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ግን ሰብ እንትመውት በኺኻ ምቕባርን እንዳ ሓዘን ምብጻሕን ስለዝተረፈ፡ ብዙሓት ሰባት ንበይኖም ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሓዝኑን ክቑዝሙን ገይሩዎም ኣሎ።

    ኣብዚ ሰሙን ካብ ዓለም ዝተፈለያ፡ ኣብ 1950ታት ኣብ 'ብሄራዊ ትያትር ኢትዮጵያ' ፍልጥቲ ድምጻዊት ዝነበራ ወ/ሮ ደመቀች ኣልዬ፡ 12 ቆልዑ እየን ወሊደን።

    ኮይኑ ግና ኣብ ስነ ስርዓት ቀብረን ዝተረኸቡ ክልተ ደቀን ጥራሕ እዮም።

  9. ኣደን ወድን ኣብ መዓልታት ኣፈላላይ ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም

    ሳይመን ዛሙድዮ ወዲ 34 ዓመት ወታሃደር ኣመሪካ እዩ ነይሩ። 22 ጉንበት ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ።

    ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ከኣ፡ ጓል 70 ዓመት ኣዲኡ ሞይታ። ንሳ’ውን እቲ ቫይረስ ብዘሕደረላ ሕማም እያ ሞይታ።

    ሳይመን በዓል ሓዳርን ኣቦ ጓል 11-ዓመት ቆልዓን ነይሩ። “ፈታዊ ጓሉ እዩ” ክትብል ኣሊሽያ ትበሃል ሓፍቱ ተዛሪባ።

    እቲ ወተሃደር፡ ንኣዲኡ ናብ ሕክምና ሒዝዋ ምስከደ፡ ድሕሪ 9 መዓልቲ እዩ ሓሚሙ።

    ቅድሚኡ፡ ጥዕንኡ ምሉእ እዩ ነይሩ። ኣብ ቀጻሊ ወርሒ ድማ ናብ ስርሑ ክምለስ ትጽቢት ነይሩ።

    “ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ፡ ኮሮናቫይረስ ዘሎ ኣይመስለንን ነይሩ። ኮሮናቫይረስ ሓቂ ምዃኑ ብዘሕዝን መገዲ ፈሊጠዮ” ኢላ ሓፍቱ።

    “ኮሮናቫይረስ ሓሶት እዩ ኢልኩም ከይትሓስቡ፡ ምኽንያቱ ሓቂ እዩ” ብምባል ድማ ምዒዳ።።

  10. ኣብ ኢትዮጵያ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ግድን ኮይኑ

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝኾነ ሰብ ካብ ገዝኡ እንተወጺኡ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብር ከምዘለዎ ዘገድድ መምርሒ ጸዲቑ።

    ዋና ዓቃቢት ሕጊ ፌደራል፡ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ትዊተራ “ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ ካብ ገዛ ወጻኢ ኣብ ኩሎም ቦታታት፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ዘገድድ መምርሒ ኣጽዲቕና’ለና” ኢላ።

    እታ ዓቃቢት ሕጊ፡ ሸለልትነትን መምርሒ ዘይምስዓብን ብዙሕ ዋጋ ከምዘኽፍል ንብራዚል ብምጥቃስ ኣብሪሃ።

    ወሲኻ ድማ “ምእንተ ነብስና፣ ቤተሰብና፣ ወገንናን ሃገርናን ክንብል፡ ካብ ጌጋ ናይ ካልኦት ተማሂርና ጥንቃቐታትና ነሐይል” ዝብል ማዕዳ ሂባ።

    ካብዚ ብተወሳኺ ድማ፡ ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከይንቀሳቐሱ ንምግታእ፡ ኣብ ዋጋ መጓዓዝያ ወሰኽ ከምዝተገበረ ገሊጻ።

    ልዕሊ 45 ሰብ ዝጽዕና ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ መኻይን ካብ’ቲ ልሙድ ዋጋ፡ 75 ምኢታዊት ወሰኽ ክህልዎ፡ ትሕቲ 45 ሰብ ዝጽዕና ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ድማ፡ 100 ምኢታዊት ወሰኽ ክገብራ ተወሲኑ’ሎ ኢላ።

    ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ መጓዓዝያ ንዝፍጠር ምጽባብ ንምቅላል ብዝብል ድማ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ መእተዊ ሰዓቶም ንጉሆ 1፡30 (7፡30) ክኸውን፡ መውጽኢ ሰዓቶም ድማ 9፡30 (3፡30) ከምዝኸውን ተገይሩ’ሎ።

  11. ንቻይና ዘወድሱ ስኑዓት ተጠቀምቲ ፌስቡክ

    ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዝተሰንዑ ወይ ከኣ ዝተጨወዩ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣድራሻታት፡ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንመንግስቲ ቻይና ዝድግፉ መልእኽታት ይፍንዉ ምንባሮም፡ ቢቢሲ ብዝገበሮ ምጽራይ ኣረጋጊጹ’ሎ።

    እቲ መልእኽቲ ኣብ ፌስቡክ፣ ትዊተር፣ ዩ’ቱብ እዩ ክዝርጋሕ ጸኒሑ።

    ነዞም መልእኽትታት ዝዝርግሕ መርበብ ድማ፡ ልዕሊ 1200 ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ገጻት ዝሓዘ እዩ።

    እዞም ገጻት፡ ኣብ ኣተኣላልኣያ ኮሮናቫይረስ ንመንግስቲ ቻይና ዘወድሱ፡ ብዛዕባ ነቐፍታ ድማ፡ ኣሉታዊ መልእኽትታት ዝዝርግሑ እዮም።

    እዚ መርበብ፡ ብመንግስቲ ቻይና ዝካየድ ምዃኑ ዘርእይ መረዳእታ የለን።

    እንተኾነ፡ ምስ’ቲ ብመንግስቲ ቻይና ተሓጊዙ ዝካየድ ዝነበረን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ፌስቡክን ትዊተርን ዘወገድዎን ስርሒት ሓበሬታ፡ ዝመሳሰል እዩ።

  12. ኣብ ኣመሪካ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት፡ ካብ 100,000 ሓሊፉ

    ኣብ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ልዕሊ 100,000 ሰብ ሞይቱ።

    እዚ መጠን ሞት፡ ኣብ ዝኾነት ካልእቲ ሃገር ዘይተርኣየ እዩ።

    ኣብታ ሃገር፡ ብሓፈሻ፡ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ብዝሒ ሰባት ድማ 1.69 ሚልዮን እዩ።

    እዚ ድማ፡ 30 ሚኢታዊት ካብ’ቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተርኣየ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እዩ።

    ኣመሪካ፡ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ዝረኸበት 21 ጥሪ ነይሩ።

    ብድሕሪኡ፡ ክሳብ እዛ ዕለት ‘ዚኣ፡ ልዕሊ 100,276 ሰባት ሞይቶምዋ።

    እዚ ቁጽሪ ድማ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ዝሓለፈ 44 ዓመታት፡ ኣብ ኮርያ፣ ቬትናም፣ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ክትዋጋእ እንከላ ምስ ዝተቐተሉ ብዝሒ ወተሃደራታ ዳርጋ ማዕረ እዩ።

    ዛጊት ብደረጃ ዓለም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ብዝሒ ሰባት ኣስታት 5.6 ኮይኑ፤ 354,983 ሰባት ድማ ሞይቶም እዮም።

  13. ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ናብ ቀጥታዊ ጸብጻብ ቢቢሲ ትግርኛ እንኳዕ ደሓን መጻእኹም።

    ብሩኽን ዕውትን መዓልቲ ንምነየልኩም።

    ኣብዚ ገጽ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው እዋናዊ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ክቐርቡ’ዮም።

    • ኣሜሪካ፡ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብሞት ስኢና ኣላ።

    • ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ካብ ከተማ ሴኡል ውጽእ ኢልካ ምስ ዝርከብ ናይ ሎጀስቲክስ ማእከል ብዝተሓሓዝ፡ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተራእዩ

    • መንግስቲ ጃፓን፡ እዚ ለበዳ ቑጠባ እታ ሃገር ናብ ሓያል ዝሕታለ ንከይወድቕ ዝድጉመሉ በጀት ኣጽዲቑ

    • ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፡ እዚ ለበዳ ዘስዕቦ ቅልውላው ንምቅላስ ኣብ ሞንጎ ሃገራት እቲ ሕብረት ዝከፋፈል ረድኤትን ልቓሕን ዝኸውን 825 ቢሊዮን ዶላር ኣቕሪቡ

    • ኣብ ዓለም ልዕሊ 5.6 ሚሊዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም። ካልኦት 355 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም ይብል መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ።

    ኹልሻብ፡ ጥንቃቐታት ምግባር ኣይትረስዑ።

    ናይ ትማሊ ሓበሬታታት፡ ንታሕቲ ውርድ ኢልኩም ክተንብቡ ትኽእሉ።

  14. ኣብ ኢትዮጵያ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ዘገድድ ሕጊ ወጺኡ

    ዓቃቢት ሕጊ ፌዴራል ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ትዊተራ ከምዘስፈረቶ፡ ካብ ገዛ ወጻኢ ዝኾነ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም ክግደድ እዩ።

    እታ ዓቃቢት ሕጊ፡ "ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኩሉ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይፈሊ ዘገድድ ሕጊ ኣጽዲቕና" ኢላ።

    ምስዚ ለበዳ ተኣሳሲሩ፡ ዝወጽኡ ሕግታት ዘይምኽባርን ብኣግባቡ ዘይምትግባርን ከምኡ ድማ ዕሸሽ ምባል ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ እንታይ ከምዝኸውን ብራዚል ከም ኣብነት ጠቒሳ።

    ወሲኻ ድማ፡ "ንርእስና፣ ንስድራናንማሕበረሰብናን ክንብል ካብ ናይ ካልኦት ስሕተት ብምምሃር ንጠንቀቕ" ኢላ።

  15. ናይ 750 ቢልዮን ዩሮ ባጀታዊ እማመ ሕብረት ኣውሮጳ

    ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ቅልውላዉ ኮሮናቫይረስ ንምውጻእ፡ 750 ቢልዮን ዩሮ (825 ቢልዮን ዶላር) ክምደብ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ሕብረት ኣሚሙ።

    እቲ ባጀት፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣባ ልሃገር ዝወሃብ ሓገዝን ልቓሕን ዘጠቓልል እዩ።

    ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኩለን 27 ኣባል ሃገራት ከቢድ ሃስያ’ኳ እንተውረደ፡ ኣበተን ኣቐዲመን’ውን ኣብ ከቢድ ልቓሕ ኣትየን ዝነበራ ከም በዓል ግሪኽ ዝበላ ኣብ ደቡብ ዘለዋ ኣባል ሃገራት ግን እቲ ቅልውላዉ ዝያዳ ዝገደደ ኮይኑ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

    እታ ነቲ እማመ ዘቕረበት፡ ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኡርሰላ ቮን ድር ለየን፡ ሃገራት በይነን ካብቲ ቅልውላዉ ክወጻ ከም ዘይክእላ ኣጠንቂቓ።

    “ውሁብ ጌርና ንርእዮም ዝነበርና ነገራት፡ ሎሚ ሕቶታት ዘልዕሉ ኮይኖም ኣለዉ። ኩሉ’ዚ ሓንቲ ሃገር በይና ክትፍውሶ እትኽእል ኣይኮነን” ድሕሪ ምባል፡ “እዚ ብዛዕባ ኩላትናን፡ ካብ ነፍሲወከፍና ዝዓቢን እዩ” ክትብል ንፓርላማ ኣውሮጳ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ ተዛሪባ።

    እቲ “ዝቐጽል ወለዶ ሕብረት ኣውሮጳ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ እማመ፡ ብዘይ ደገፍ ናይ ኩለን 27 ሃገራት ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይክእልን’ዩ።

    እተን ብቑጠባ ዝዓበያ፡ ጀርመንን ፈረንሳን እቲ ገንዘብ ካብ ፋይናንሳዊ ዕዳጋ ክርከብ ክሰማምዓ እንከለዋ፡ ኦስትርያ፡ ሆላንድ፡ ዴንማርክን ስዊድንን ግን፡ ነተን ብተዛማዲ ድኻታት ዝኾና ሃገራት ገንዘባዊ ሓገዝ ምሃብ ኣይቅበልኦን’የን።

    ኣብ ክንድኡ፡ ብውሕድ ወለድ ለቓሕ ክወሃበን ይድግፋ።

    እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ድማ፡ 500 ቢልዮን ብመልክዕ ሓገዝ፡ እቲ ዝተረፈ 250 ቢልዮን ከኣ ብልቓሕ ክወሃብ ዝብል’ዩ።

  16. ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣካላዊ ምትንኻፍ ዘለዎ ልምምዳት ክጅምር ተወሲኑ

    ክለባት ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ኣካላዊ ምትንኻፍ ዘለዎ ልምምዳት ክካየድ ብምሉእ ድምጺ ወሲነን።

    ኣብዚ ካልኣይ ገጽ ናይቲ ብ “ፕሮጀክት ዳግማይ ምጅማር” ዝፍለጥ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝግበር ዘሎ መስርሕ፡ ተጻወቲ ከም ቀደሞም ብእኩም ክለማመዱ እዮም።

    “ተጻወቲ ብጉጅለ ክለማመዱን፡ ኣገዳሲ ዘይኮነ ምትንኽፋ ብምጉዳል፡ ኣካላዊ ግጥም ከካይዱ” ክኽእሉ’ዮም ይብል እቲ ብፕሪሜርሊግ ዝወጸ መግለጺ።

    “ኩነታት ኣብ ዘፍቀደሉ” እዋን ንቡር ጸወታታት ንምጅማር ዘኽእል ልዝባት ይካየዱ ከምዘለዉ’ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

    ተጻወቲን ኣባላትን ጋንታታት ፕሪሜርሊግ፡ ኣብ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ተጻወቲ ኣካላዊ ምትንኻፍ ዘይብሉ ልምምዳት ከካይዱ ተፈቒዱ ነይሩ’ዩ።

    ኣብ ሳልሳይ ገጽ ናይቲ መስርሕ ድማ፡ ኩሎም ልምምዳትን ግጥማትን ናብ ንቡር ንምምላስ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ግጥማት ምስ ተጀመሩ’ውን፡ ጸወታታት ብዘይ ደገፍቲ ክካየዱ’ዩ ትጽቢት ዝግበር።

  17. ኣብ ኢትዮጵያ ቆልዓ 9 ዓመት ዝርከቦም 30 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ተታሒዞም

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገብረ 4352 መርመራ፡ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 30 ሰባት ተረኺቦም።

    እዚ ድማ፡ ሓፈሻዊ ኣብታ ሃገር ዛጊድ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ብዝሒ ሰባት ናብ 731 ሓፍ ኣቢሉዎ።

    እቶም እዚ ቫይረስ ተረኺቡዎም ዘለው ሰባት፡ ዕድሚኦም ካብ 9 ክሳብ 60 ዓመት ዝርከቡ ኮይኖም፡ ኩሎም ኢትዮጵያውያን እዮም።

    ካብዚኦም እቶም ክልተ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከብ መወሸቢ ቦታ ኮይኖም፡ በዚ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ምትንኻፍ ዝነበሮምን ናብ ወጻኢ ሃገር ተጓዒዞም ዝነበሩን ከም ዝርከቡዎም ሚኒስትሪ ጥዕና ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።

    ኣብታ ሃገር፡ ቅድም ኢሉ ብዚ ቫይረስ ሓሚሞም ዝነበሩ 181 ሰባት ከምዝሓወዩ ይግለጽ።

    ሽድሽተ ሰባት ድማ ሞይቶም።

  18. ኬንያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምፍታን፡ 400 ወለንተኛታት ትደሊ’ላ

    ኣብ ኬንያ ዘለዉ ተመራመርቲ፡ ንኮሮናቫይረስ መከላኸሊ ክኸውን ዝኽእልን ብዩንቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝተዳለወን ክታበት ንምፍታን፡ 400 ወለንተኛታት የናድዩ ኣለዉ።

    ኩሎም እቶም ወለንተኛታት ከኣ፡ ሰብሞያ ጥዕና ኮይኖም ኣብ ከተማ ሞምባሳን ከባቢኣን ዝርከቡ ክኾኑ ከምዘለዎም ተገሊጹ’ሎ።

    እቲ ንኮሮናቫይረስ ክታበት ክኸውን ከምዝኽእል ዝግለጽ ዘሎ ‘ChAdOx1 nCoV-19’ ዝበሃል ክታበት፡ ኣብ ብሪጣንያ ድሮ ኣብ 1,000 ሰባት ፈተነ ይግበረሉ ዘሎ እዩ።

    ኣብ ኣፍሪቃ ፈተነታት ክታበት ምክያድ፡ ዘካትዕ ጉዳይ እዩ። ምዕቡላት ሃገራት፡ ንኣፍሪቃውያን ከም መፈተኒ ክጥቀሙሎም ይደልዩ፡ ዝብል ነቐፌታታት ይስማዕ እዩ።

    እቶም ኣብ ኬንያ ዘለዉ ተመራመርቲ ግን፡ ቅድሚ ዝኾነ ፈተነ ምጅማሩ፡ ዝምልከቶ ኣካል ኣረጋጊጹ ፍቓድ ክህቦም ምዃኑ ገሊጾም።

    እቲ ክታበት ኣብ ኣፍሪቃ ውጽኢታዊ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ፡ እቲ ኣብ ኬንያ ዝግበር ፈተነ፡ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

  19. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብያተ እምነት ክኽፈቱ’ዮም

    ፕሬዝደንት ሲሪል ራማፎሳ፡ ኣብያተ እምነት እታ ሃገር ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ክኽፈቱ ምዃኖም ሓቢሩ።

    ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወጽኡ ጥቡቕ መምርሒታት ግን ኣብ ቦትኦም ከም ዝጸንሑ ሓቢሩ።

    ኣብያተ ክርስቲያን፥ መሳጊድን ካልኦት ናይ ኣምልኾ ቦታታትን፡ ኣካለዊ ርሕቐት ሓልየን ሃይማኖታዊ ስርዓት ክፍጽማ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብዚ ግዜ ካብ 50 ዘይበልጹ ሰባት ክርከቡ ከም ዘፍቅድ፡ መንግስቲ ሓቢሩ።

    ኩሎም ኣመንቲ ድማ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ’ውን ኣልኮል ዘለዎ መጽረዪ ኢድ ክጥቀሙ ኣለዎም ተባሂሉ።

    መራሕቲ ሃይማኖት፡ ብጸሎትን ማዕዳን ንዝገበሩዎ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ [ማለት 31 ግንቦት 2020] ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ከም ዝኾነ እቲ ፕሬዝደንት ኣዊጁ።

    ብመጋቢት፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣዋጅ ዕጽዋ ክእወጅ እንከሎ፡ ኩለን ኣብያተ እምነት’ውን ተጻዕየን።

    ፈለ መራሕቲ ሃይማኖት፡ እቲ ሃይማኖታዊ ስርዓት ብኢንተርነት የመሓላልፉ ነይሮም።

    ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 24 ሽሕን 264 ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ኣለው።

  20. ቻይና፡ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ 11 ሚልዮን ህዝቢ መርሚራ'ዶ?

    ቻይና፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ኣዝዮም ዝተለጠጡ ስጉምታት እያ ትወስድ።

    ኣብታ ንመጀመርታ እዋን ለበዳ እዚ ሓድሽ ቫይረስ ዝተርኣየለ ውሃን፡ ሓድሽ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ምስ ኣጋጠማ፡ ብሙሉኡ ነባሪ እታ ከተማ መርመራ ክትገብረሉ ምዃና ገሊጻ።

    ሰበ ስልጣን እታ ከተማ ድማ፡ ካብ 14 ግንቦት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ነቲ 11 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ እታ ከተማ መርመራ ክንገብረሉ ኢና ኢሎም።

    ብ22 ግንቦት፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ 1.47 ሚልዮን ሰባት ኢና መርሚርና ይብሉ። እዚ፡ ካብቲ መጀመርታ ኣብ መዓልቲ 100 ሽሕ ዝነበረ መርመራ ዓብዪ ወሰክ ዘርኣየ እዩ።

    ብሓፈሻ፡ ክሳብ 24 ግንቦት፡ ናይ ትሸዓተ ሚልዮን ሰባት ቅምሶ ከም ዝተወሰደ፡ መርበብ ሓበሬታ ኮሚሽን ጥዕና ሁበይ የመልከት። ካብዚኦም ናይቶም 6.57 ሚልዮን ሰባት ክምርመር ተገይሩ።