ኣብ ኤርትራ 6 ተወሰኽቲ ሰባት ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም
ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሎሚ 28 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሽዱሽተ ካብቶም ሕክምናዊ ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሑ ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝፋነዉ ገሊጹ።
ኣብ ኤርትራ ብጠቕላላ 39 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክህልዉ እንከለዉ ካብዚኦም ነዞም ናይ ሎሚ ሓዊስካ ብጠቕላላ 19 ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።
ኤርትራ 21 መጋቢት ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተለከፈ ሰብ ምስ ረኸበት፡ ቅልጡፍ ስጉምትታት ብምውሳድ ነቲ ቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ኣወንታዊ ምጽኢት ኣብ ምምዝጋብ ትርከብ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን 20 ተሓከምቲ ኮቪድ-19 ጥራይ ኣብ ሕክምና ክህልዉዋ እንከለዉ ካብ ዕለት 18 ሚያዝያ ጀሚራ ንዝሓለፈ 10 መዓልታት ዝኾነ ሓዲሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣየመዝገበትን።
ኤርትራ ካብተን መዳውብታ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝውሓዱ ብኮሮናቫይረስ ዝተለከፉ ዘለዉዋ ሃገር እያ።
ኣስታት 50 ሚእታዊት ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ምሕዋዮምን ኣብታ ሃገር ብኮቪድ-19 ዝሰዓበ ሞት ዘይምህላዉን ድማ ብፍሉይ ክጥቅሳ ይኽእል'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images














