ኣብ ክልል ትግራይ ገለ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ብኸፊል ክኽፈታ ተወሲኑ
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ነቲ ኣንቢሩዎ ዝጸንሐ ዕጽዋ ብኸፊል ክዝልቖ ከም ዝወሰነ፡ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ሓቢሩ።
በዚ መሰረት፡ እንዳቡን፣ እንዳካፌ፣ እንዳ ፅሟቕ፣ እንዳ ፀጉሪ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣገልግሎት ክህባ ክፍቀደለን እንከሎ፡ እንዳስዋ ኸኣ ተጠቀምቲ ገዚኦም ናብ ገዘኦም ክወስዱ ተፈቒዱ’ሎ።
“ኣልኮል እውን እቶም መከፋፈልቲ ኣብ መኽዚን ዝሓዝወን ጥራሕ ክሸጡ” ተፈቒዱ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። “ትራንስፖርት ኣብ ክሊወረዳ ካብ ጣብያ ናብ ጣብያ ጥራሕ ክንቀሳቀሱ ተወሲኑ ከም ዝተወሰነ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣፍሊጦም” ክብል እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ‘
"እቶም ዝተፈቀደሎም ግልጋሎት ወሃብቲ መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ክጥቀሙን ኣካላዊ ምርሕሓቕ ብዘለዎ ኣገልግሎት ክህቡ ከምዘለዎም ዝገለፁ ዶ/ር ደብረፅዮን እንተዘይኮይኑ ግና እቲ ዝበሃል መከላኸሊ ሜላታት እንተዘይኣማሊኦም ግና ክዕፀዉ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቆም።”
ዛጊት፡ ኣብቲ ክልል በቲ ቫይረስ ዝተታሕዘ ከምዘየለ ምክትል ርእሰምምሕዳር፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ገሊጹ ክብል እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።













