ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣውስትራልያን ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር 'ኣፕሊኬሽን' ክጥቀማ'የን
ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣውስትራልያን ዝርገሕ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር፥ ምስ ብኮሮናቫይረስ ዝሓዞ ሰብ ዝተራኸቡ ሰባት ዝሕበር መተግበሪ [ኣፕሊኬሽን] ክጥቀማ ምዃነን ተገሊጹ።
ሚኒስትር ጥዕና ጀርመን እዚ መተግብሪ ካብ ዝመጽእ ሰለስት ሳምንታት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ሓቢሩ።
እዚ መተግብሪ ኣብ ኣውስትራልያ'ውን ድሕሪ ክልተ ስሙን ኣብ ስራሕ ከምዝውዕል ተገሊጹ'ሎ።
እዚ ምስ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰብ ዝተራኸቡ ሰባት ዝሕብር መተገብሪ ዝጥቀማ ሃገራት ቁጽረን ይውስኽ ኣሎ።
እዚ 'ኣፕሊኬሽን' ብሉቱዝ ብምጥቃም ምስቲ ዝተለኸፈ ሰብ ዝተራኸቡ ሰባት ፈልዩ መጠንቀቓታ ከምዘመሓላልፍ ተገይሩ'ዩ ተሰሪሑ።
እዚ መተግበሪ እዚ መሰል ሰባት ብምጥሓስ ኣብ ስለያዊ ምዓላ ከይውዕል ብምባል ብዓይኒ ጥርጣረ ዝርእይዎ ሰባት ግን ውሑዳት ኣይኮኑን።