ኣብ ኣሜሪካ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ልዕሊ 21 ሚልዮን ሰባት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም

ናይዚ ዕለት ኮሮናቫይረስ ብዝምልከት ኣብ ከባቢና ኾነ ኣብ ዓለም ዘሎ ምዕባለታት ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኒው ጀርሲ፡ ኣብ ሓደ መናበዪ ኣረጋውያን 17 ሬሳታት ተረኺቡ

    ኣብ ኣመሪካ፡ ክፍለሃገር ኒው ጀርሲ፡ ፓሊስ ኣብ ሓደ መናበዪ ኣረጋውያን 17 ሬሳታት ከምዝረኸበ ገሊጹ።

    ገለ ኣስማቶም ከገልጹ ዘይደለዩ ምንጭታት፡ ሬሳ ሰብ ኣብ መኻዚኖ ናይ ኣቑሑት ተቐሚጡ ከም ዝራኣዩ ንፖሊስ ብዝሃብዎ ሓበሬታ’ዩ እቲ ኩነታት ተፈሊጡ።

    እቲ ኣንዶቨር ስኩባኲት ማእከል ዝተባህለ ትካል ዝኣልዮም ዝነበረ 68 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞቱ ጸብጻባ ትሓቢሮም።

    ካልኦት 26 ድማ እቲ ቫይረስ ከም ዘለዎም ተረጋጊጹ። ኣብታ ክፍለሃገር፡ 3100 ሰባት ብሰንኪ ኮቪድ19 ክሞቱ እንከለዉ፡ 71000 ተለኸፎም ኣለዉ።

  2. ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ንመኸተ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዝውዕል ገንዘብ ኣወፍዮም

    ኣብ ኣሜሪካ ዝቕመጡ ኤርትራውያን፡ ንመኸተ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዝውዕል 1.7 ሚልዮን ዶላር ከምዘወፈዩ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና (ሻባይት) ኣብ ገጻታ ኣስፊራ።

    ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እዞም ኣብ ኣሜሪካ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ኣበርኪቶም ምንባሮም ይዝከር።

    ብተወሳኺ፡ ሳምኤል በየነ ምስ በዓልቲ ቤቱ ገነት ኣረጋይ፡ ኣብ ሰምበል ዝርከብ ገዝኦም ተኻሪዮም ዘለው ዓርባዕተ ስድራ-ቤት፡ ዝርጋሐ ኮሮናቫይረስ ክሳብ ኣብ ቑጽጽር ዝኣቱ ብነጻ ክነብርዎ ከምዝወሰኑ ሓቢሮም።

  3. ኣብ ኣሜሪካ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ልዕሊ 21 ሚልዮን ሰባት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም

    እታ ዝበዝሐ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ዘለዉዋ ሃገረ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ጥራይ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ 21 ሚልዮን ካብ ዜጋታታ ስራሕ ኣልቦ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

    ኣብ ሓጺር እዋን ክንድዚ ዝኣኽሉ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ክኾኑ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ መጀመርታ ተርእዮ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።

    ኣብታ ሃገር ንጉዳይ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ዝከታተል ትካል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 5 ሚልዮን፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ሰሙን ድማ 6.6 ሚልዮን ሰባት ካብ ስራሕ ደው ኢልና ኢሎም ከምዘመልከቱ ገሊጹ።

    ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት እታ ሃገር ሰብ ካብ ገዛ ከይወጽእ ስለዝተሓበረ፡ ብዙሓት ትካላት መዓጹአን ዓጽየን ስለዝርከባ፡ እቶም ኣብተን ትካላት ዝሰርሑ ዝነበሩ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ካብ ስራሕ ደዉ ክብሉ ተገዲዶም ኣለው።

    እቲ ቁጽሪ ካብዚ ክዛይድ ከም ዝኽእል ዝገልጽ እቲ ትካል፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ፡ 20 ሚእታዊት ካብ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት እታ ሃገር ስራሕ ኣልቦ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ስክፍትኡ ገሊጹ'ሎ።

    ኣብ ኣሜሪካ ክሳብ ሕጂ 640 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ሞት 30,985 ድማ ተመዝጊቡ'ሎ።

    ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  4. ኣብ ዓዲ ጥልያን ጎብየ ሒዛ ክትዛወር ዝተረኸበት 206 ዩሮ ተቐጺዓ

    ኣብታ ንምሉእ ህዝባ ካብ ገዛ ከይወጽእ ኣዊጃ እትርከብ ጣልያን፡ ኣብ ጥቃ ገዛኻ ከልቢ ሒዝካ ምዝዋር እኳ ተፍቅድ እንተኾነት፡ ፖሊስ ከተማ ሮማ ግን ንሓንቲ ጓል 60 ዓመት ሰበይቲ ጎብየ ሒዛ ክትዛወር ስለዝረኸብዎ 206 ኤውሮ ከም ዝቀጽዕዋ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

    እቲ ምኽንያት፡ ጎብየ ሒዛ ጎሰስ ክትብል ንነዊሕ ግዜ ኣብ ደገ ክትጸንሕ ስለእትኽእል ከምዝተቀጽዐት እዩ እቲ ዝወጽአ ዜና ዝሕብር።

    ህዝቢ ጥላያን፡ ናብ ደገ ኣብ ዝወጽኣሉ፡ ንምንታይ ካብ ገዛ ከምዝወጽኡ ዝሕብር ወርቀት ክማልኡን ብፖሊስ ምስ ዝሕተቱን ከርእዩ ግዴታ ኣለዎም።

    ሃገር ጣልያን፡ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ እታ ዝበዝሑ ብኮቪድ-19 ዝመቱ ዘለዉዋ ሃገር ኮይና፡ ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ሞት 21,645 ተመዝጊቡ'ሎ።

    ኣብ ዘሓለፈ ሰሙን ኣብ ብዓል ፋሲካ፡ ኣብታ ሃገር ኣስታት 14 ሽሕ ሰባት ብምጥሓስ ሕጊ ዕጽዋ ከምዝተቐጽዑ ማዕከን ዜና ኣንሳ ይሕብር።

    ጎብየ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  5. ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብቶም ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሕዱር ሕማም ዝነበሮም እዮም

    ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብኮቪድ-19 ካብ ዝሞቱ እቶም ልዕሊ 90 ሚእታዊት ሕዱር ሕማም ዝነብሮም ከም ዝኾኑ ተገሊጹ።

    ሃገራዊ ማእከል ሓበሬታ እታ ሃገር፡ ንሓደ ወርሒ ሞት 4000 ሰባት ድሕሪ ምጽራዩ፡ 91 ሚእታዊት ካብኦም ሕዱር ሕማም ከምዝነብሮም ክርዳእ ከምዝኸኣለ ገሊጹ።

    ዝበዝሑ ድማ ሕማም ልቢ፡ ሕማም ረሲዕ ከምኡ'ውን ጸገም ስርዓት ምስትንፋስ ከምዝነበሮም እቲ ሃገራዊ ማእከል ሓበሬታ ገሊጹ።

  6. ሜሊንዳ ጌይትስ ፋውንዴሽን ንውደብ ጥዕና ዓለም 150 ሚልዮን ዶላር ከበርክት እዩ

    ሜሊንዳ ጌይትስ ፋውንዴሽን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምምካት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝገበሮ ዘሎ ቃልሲ ንምሕጋዘ 150 ሚልዮን ከምዘወፊ ገሊጹ።

    ዳይረክተር ጀነራል ወደብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ መልእኽቲ፡ "ሜሊንዳ ጌትስ ቢል ገይትን ኣብዚ ናይ ኮሮናቫይረስ ቅልውላው ኣብ ጎንና ብምዃን ተወሳኺ 150 ሚልዮን ዶላር ምብርካትኩም የቀንየለይ" ኢሉ።

    ኣሜሪካ ነቲ ዓመታዊ ንውድብ ጥዕና ዓለም እትገብሮ ዝነበረት ምወላ ደው ከምዘበለቶ ድሕሪ ምግላጻ'ዩ፡ ሜሊንዳ ጌይትስ ፋውንዴሽን ተወሳኺ 150 ሚልዮም ዶላር ዘወፊ ዘሎ።

    መሊንዳን ገይትን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  7. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ ጓል 14 ዓመት ወሲኹ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 7 ተወሰኽቲ ሰባት ተረኺቦም

    ረስኒ እንትልክዕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 400 ሰባት ምርመራ ዝተገብረ እንትኸውን፡ እቶም ሸውዓተ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተረጋጊጹ።

    ስለዝኾነ ድማ፡ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተተሓዙ ሰባት፡ 92 በጺሑ ኣሎ።

    ካብ መንጎኦም፡ እቶም 6 ናብ ወጻኢ ተጓዒዞም ዝነበሩ ምዃኖም ሚኒስተር ሓላዋ ጥዕና፡ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ተዛሪባ።

    እታ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ግና ናብ ዝኾነ ሃገር ዘይተጉዓዘት ኮይና፡ ምስ ዝኾነ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ርክብ እንተነይርዋ ኣብ ምጽራይ ይርከብ።

  8. ዶኳትር ቻይና፡ ናብ ኢትዮጵያን ቡርኩናፋሶን ክሕግዙ ይወፍሩ ኣለዉ

    ቻይና መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንኣፍሪቃ ሓጊዛ እያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ቻይና መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንኣፍሪቃ ሓጊዛ እያ

    ሓደ ጉጅለ ደኳትር ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝካየድ ቃልሲ ክሕግዝ ናብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ወፍሪ ጀሚሩ።

    መንግስታዊ ቴሌቪዥን ቻይና ከምዝሓበሮ፡ እዞም ቁጽሮም ዘይተጸርሐ ደኳትር ካብ ክልተ ግዝኣታት ቻይና ዝተወጻጸኡ እዮም።

    እቲ ጉጅለ፡ ሎሚ እዩ ካብ ቻይና፡ ተበሱን።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምዝብሎ፡ እቶም ደኳትር ፡ ኣብቲ ለበዳ ኣብ ምክልኻል ዝነበረን ተሞክሮ ከካፍላን፡ ከማኽራን እየን።

    ናይጀርያ'ውን 18 ደኳትር ቻይና ክተምጽእ ተሊማ ኣላ። እንተኾነ ደኳትር እታ ዓዲ በቲ ሓሳብ ሕጉሳት ኣይኮኑን።

    እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ኣብ ገለ ግዝኣታት ቻይና ተወለድቲ ኣፍሪቃውያን በቲ ሕማም ተለኺፎም ይኾኑ፡ ብዝብል ግፍዒ ተፈጺምዎም ዝብል ሓበሬታ ወጺኡ ነይሩ።

    ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ብፍላይ ናይጀርያ፡ ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ቻይናውያን ክተባርር ከምዝኾነት ኣጠንቂቓ ነይራ።

  9. 'ዶክተር ቴድሮስ፡ ንቻይና ዝኹንን መግለጺ እንተዘውጽእ ነይሩኸ?', ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ለበዳ ከመይ ሒዙዎ?

    ውድብ ጥዕና ዓለም

    ምንጪ ስእሊ, REUTERS

    ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ለበዳ ከመይ ሒዙዎ?

    መልሲ እዚ ሕቶ ኣብ እትሓቱዎ ሰብ ይሙርኮዝ።

    ንዶናልድ ትራምፕ እንተሓቲትኩምዎ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ለበዳ ዝሓዘሉ መገዲ 'ሕማቕ እዩ' እዩ ክብለኩም።

    እንተኾነ፡ ንሱ ባዕሉ ኣብ ሃገሩ ንዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ዝተኸተሎ ኣንፈት ክንቀፍ ገይሩዎ እዩ።

    እዚ ቫይረስ፡ ኣብ ኣሜሪካ ጥራሕ ልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት ብምልካፍ፡ ምኽንያት ሞት 26 ሽሕ ሰባት ኮይኑ እዩ።

    ካብ ኮቪድ-19 ዝሓለፈ ትርጉም ዘለዎ ካልእ ዓብዪ ጂኦ-ፖለቲካዊ ዘይምቅድዳው ድማ ምስ ቻይና ኣለዎ።

    ግን ከኣ፡ ንሱ ጥራሕ ዋላ እንተዘይኮነ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ንምንቃፍ ዝቐደሞ መራሒ የለን።

    • ስለምንታይ እዩ ኣቓልቦ ዓለም ኣብ ዶክተር ቴድሮስ ዓሊቡ?

    እቲ ትካል፡ ቻይና ነዚ ለበዳ ኣብ ምቁጽጻር ንዘርኣየቶ ስራሕ ብምንኣዱ፡ "ኣቐዲሞም ብዛዕባ እዚ ቫይረስ መጠንቀቕታ ንዝሃቡ ሓካይም ንዝቐጽዐት ሃገር ብኸመይ ትንእድ" ብዝብል፤ ንዶናልድ ትራምፕ ሓዊሱ ብዙሓት ነቒፎምዎ።

    እንተ ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ትካል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ግን፡ ንቻይና ዘቕረቦ ናእዳ ከም ዘይጠዓሰሉ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ።

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኩለን ሃገራት ንዝኽሰት ለበዳ ከመይ ይኣልይኦ ዝብል ኣብ ናይ ባዕለን ድልውነት ዝምርኮዝ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ዝወሃብ ሓበሬታ ክቕበላ ኣየገድደንን፤ ቀንዲ ዕማም እቲ ትካል፡ ዲፕሎማሲ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

    ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢድንበርግ ፕሮፌሰር ዓለምለኸ ጥዕና ሕብረሰተብ፡ ድቪ ስሪድሃር፡ "ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንቻይና ዝኹንን ከቢድ መግለጺ እንተዘውጽእ ነይሩ ውድብ ጥዕና ዓለም "ኣብ ሓሙሽተ ደቒቕ ህቡብነት" ምረኸበ ነይሩ ትብል።

  10. ኣብ መረጻ ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ስዒሩ ተባሂሉ

    ደቡብ ኮርያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተኻየደ መረጻ (ምርጫ) ከምቶም ቅድሚ ሕዚ ዝግበሩ ዝነበሩ ኣይኮነን።

    ምኽንያቱ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዓለም ኣብ ዘጨነቐሉ እዋን’ዮም ዜጋታት እታ ሃገር ድምጺ ናብ ዝህቡሉ ቦታ ዝኸዱ።

    ብርግጽ እቲ ክትትል ጥቡቕ እዩ ነይሩ። ሰባት ርሕቀቶም ክዕቕቡ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ካልኦት መከላኸሊ ሜላታት’ውን ኣብ እዋን ተተግቢሮም’ዮም።

    ደቡብ ኮርያ ሓንቲ ካብተን ካብ ቻይና ወጻኢ እቲ ለበዳ ዝተረኣየለን ፈላሞት ሃገራት ክትኸውን ከላ፡ ክቆጻጸርኦ ካብ ዝኸኣላ ውሑዳት ሃገራት ከምዝኾነት’ውን ይግለጽ።

    ቁጽሪ መዓልታዊ ዝልከፉ ሰባት ዝተሓተ እዩ፤ ብዙሕ ሞት’ውን ኣየጋጠማን።

    ኣብቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘካየደቶ መረጻ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ዴሞክራሲያዊ ውድብ’ዩ ተዓዊቱ።

    እቲ ውድብ (ሰልፊ) ኣብ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝወሰዶ ዕውት ግብረመልሲ ድማ ኣብ ዓወቱ ብጽሒት ኣለዎ።

  11. ኣብታ ንመጀመርታ እዋን ኮሮናቫይረስ ዝረተኣየላ ውሃን ዝርከቡ መጻምዲ ንመርዓ ይጓየዩ ኣለዉ

    ዉሃን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብታ ቻይናዊት ከተማ ዝነብሩ መጻምዲ ምዝገባ ሓዳር ናብ ዝካየደሎምን ስቱድዮታት ስእልን ብብዝሒ ክጻደፉ ይረኣዩ።

    እዚ ድማ ኣብታ ንመጀመርያ ግዜ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸበላ ከተማ ዉሃን ዘሎ ህይወት ናብ ንቡር ይምለስ ከምዘሎ የመልክት።

    እታ ን 11 ሰሙናት ኣብ ውሸባ ዝጸንሐት ከተማ ካብ 8 ሚያዝያ ጀሚራ’ያ መዕጾኣ ዝኸፈተት።

    እዚ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ ከኣ ብዙሓት መጻምዲ ናብቲ ንኣዋሕ ዝተጓተተ ናይ መርዓ መደባቶም ክጓየዩ ይረኣዩ ኣለዉ።

    “እቲ ውሸባ ምስተወደአ ጠለብ ናይ መርዓ ስእሊ ወሲኹ’ሎ። ንሕና ግን ኣብ መዓልቲ ክልተ ወይ ሰለስተ ጥራይ ኢና ነተኣናግድ” ዝበለ ኣካያዲ ስራሕ ናይ ሓደ እንዳስእሊ ቅድሚኡ ግን ልዕሊ 16 መጻምዲ ይቕበሉ ምንባሮም ኣዘኻኺሩ።

    ዉሃን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዉሀሃን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  12. ትራምፕ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገሩ ከብጸሖ ዝኽእል ዝለዓለ ብርኪ ሓደጋ ከምዝሓለፈ ተዛሪቡ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ነቲ ሓደሽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙሉ ዝነበረ “ዝለዓለ መጠን ከምዝሰገረቶ” ን ገለ ግዝኣታት ኣብዚ ወርሒ ካብ ዕጽዋ ከምዝወጽኣን ገሊጹ።

    ካብ ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እተን ግዝኣታት ዝኽፈታሉ ሓድሽ መምርሒ ምስ ኣማሓደርተን ዘተ ምስገበረሉ ሎሚ ሓሙስ ወግዓዊ ከምዝኸውን ሓቢሩ።

    ትራምፕ፡ መረዳእታት ቁጽርታት ጠቒሱ፡ "ናይቲ ቫይረስ ምልባዕ ዝለዓለ ብርኪ ሰጊርናዮ'ለና” ኢሉ።

    እዚ በዚ ከምዝቕጽል ዘለዎ ተስፋ ብምግላጽ ድማ “ዓብዪ ለውጢ ንምምጻእ ሰራሕና ክንቕጽል ኢና” ክብል ተዛሪቡ።

    ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ብዝበለጸ ስለምንታይ ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ሞት ኣጋጢሙ? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ፕረዚደንት ካልኦት ሃገራት ኣብ ቁጽሪ ዝሞቱ ይሕስዋ ከምዘለዋ ገሊጹ።

    ብፍላይ ድማ ቻይና ብምጽራሕ፡ “ብሓቂ ኣብተን ሃገራት ንዘሎ ቁጽሪ ዝኣምን ሰብ ኣሎ’ዶ?” ክብል ሓቲቱ።

    ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 638,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ልዕሊ 30,800 ከምዝሞቱን ይግለጽ።

  13. ብኮሮናቫይተስ ናይ ዝሞተት ነብሰ-ጾር ውላዳ፡ ብህይወት ምትራፍ ተኻኢሉ

    ህጻን

    ምንጪ ስእሊ, other

    ሜሪ ኣግዬዋ ኣግያፖንግ እትበሃል እንግሊዛዊት ነርስ ጓል 28 ዓመት’ያ ነይራ።

    ኣብ ስራሓ፡ ኣዝያ ተፈታዊትን ተደላይትን ከምዝነበረት ድማ ይዝረበላ።

    ቅድሚ ትሸዓት መዓልቲ (07 ሚያዝያ ዓ.ም.ፈ) ናብ ሆስፒታል ዝኣተወትሉ ምኽንያት ሕማም ሕርሲ ተሰሚዕዋ ዘይኮነስ ኮሮናቫይረስ ስለዝተረኸባ እዩ።

    ንሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ሉቶንን ዳንስታብልን ንሓሙሽተ ዓመታት ሰሪሓ እያ። ህይወታ ድማ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብቲ እትሰርሓሉ ሆስፒታል ሓሊፋ።

    ሜሪ ክትዓርፍ ከላ ነብሰጾር ብምንባራ ዘሕዝን ኩነታት ተፈጢሩ።

    ነቲ ህጻን (ናጽላ) ብህይወት ንምትራፍ ሓኻይም ተጓዮም። ጻዕሮም ዕውት ኮይኑ’ውን ካብታ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተት ሜሬ ነቲ ህጻን ብህይወት ምትራፍ ተኻኢሉ። “እቲ ህጻን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ይርከብ” ዝበለት ወሃቢት ቓል እቲ ሆስፒታል ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢባ’ላ።

  14. ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝወሰዶ ስጉምቲ ኮኒኑ

    ትራምፕ ሃገሩ ንውድብ ጥዕና ዓለም እትገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ጠጠው ክተብል ምውሳኑ ትማሊ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተቓውሞታት ክስማዕ ውዒሉ።

    ሎሚ ድማ፡ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ፡ ነቲ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ውሳነ ከምዝኹንን ኣብ ትዊተር ኣፍሊጡ።

    እቲ ኣቦመንበር፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብዚ እዋን መሪሕነት ወድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝድለየሉ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ነቲ ትካል ዘዳኽም ስጉምቲ ምውሳድ ዘሕዝን ከምዝኾነ ድማ ኣፍሊጡ።

    ወኪል ቢቢሲ ጥዕና፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ሕማማት ዓሶ፣ ዓባይ ሰዓልን ኤችኣይቪ ኤድስን ኣብ ምቅላስ ዓብዪ እጃም ከምዘለዎ ጠቒሱ፡ እቲ ውሳነ ከቢድ ጽልዋ ከምዝህልዎ ተንቲኑ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post