ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ "ኮቪድ19 ካብ ስዋይን ፍሉ ብዓሰርተ ዕጽፊ ሓደገኛ እዩ"

ምንጪ ስእሊ, WHO/Twitter
ኮሮናቫይረስ ካብቲ ኣብ 2009 ዝተረኣየ ብ’ስዋይ ፍሉ’ ዝፍለጥ ተላባዒ ሕማም፡ ብዓሰርተ ዕጽፊ ሓደገኛ ምዃኑ ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ።
"ኮቪድ19 ካብን ናብን ዝመሓላለፈሉ ኣገባብ፡ ኣዛዩ ሓደገኛ እዩ፡ ምስቲ ኣብ 2009 ዝተኸሰተ ስዋይን ፍሉ ብምንጽጻር ኸኣ ብ10 ዕጽፊ ሓደገኛ'ዩ" ኢሉ።
እቲ ኣብ 2009 ዝተረኣየ ለበዳ ስዋይን ፍሉ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ከምዝቐተለ ይፍለጥ።
ሎሚ ኣብ ጀኔቫ፡ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብክትባት ጥራይ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።
ይኹን’ምበር፡ ክትባት ንምምዕባልን ብብዝሒ ንምፍራይን፡ ብውሕዱ ሓደ ዓመት ክወስድ ከም ዝኽእል ኪኢላታት ይገልጹ።
እቲ ሓላፊ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነዚ ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ናይ ዕጽዋን እገዳ ምንቅስቓሳትን ቅድሚ ምዝላቐን፡ እኹል ናይ ስርዓተ-ጥዕና ምድላዋት ክገብራ ኣለወን ክብል’ውን ኣጠንቂቑ።










