ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ፀብፃባት ይሕብሩ
ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ከም ዝወረደን ግዚያዊ መንግስቲ ንምቋም ምይይጣት ይካየድ ከም ዘሎ ሮይተርስ ንዘይተረጋገጹ ምንጭታት ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወተሃደራዊ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ከም ዘፍለጦ፡ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ፡ ንኽልተ ዓመት ዝፀንሕ ወተሃደራዊ ናይ ስግግር መንግስቲ ቆይሙ'ሎ።
ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ከም ዝወረደን ግዚያዊ መንግስቲ ንምቋም ምይይጣት ይካየድ ከም ዘሎ ሮይተርስ ንዘይተረጋገጹ ምንጭታት ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ቀንዲ መበገሲ እዚ ናዕቢ መንግስቲ ሱዳን ዋጋ ሓደ ባኒ ካብ ሓደ ፓውንድ ናብ ሰለስተ ፓውንድ ክብ ከብሎ ምስ ወሰነ ኮይኑ፡ እናሓደረ ግን፡ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብስልጣኑ ክወርድ ዝጽውዑ ድምጽታት ክስምዑ ጀሚሮም። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዋጋ ገለ ጠለባት ብዕጽፊ ክውስኽ እንከሎ፡ ዝቕባበ ዋጋ ናብ 70 ሚኢታዊት ተጸጊዑ ይርከብ።
ንኣስታት 30 ዓመታት ንሱዳን ዝገዝአ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሸር
ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሱዳናውያን፡ ሰለማዊ ሰልፊ ክገብሩ ንዝቐነዩ ሰልፈኛታት ንምጽንባር ኣብ ካርቱም ናብ ዝርከብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ምኸልኻል ይውሕዙ ኣለው።
እቶም ሰልፈኛታት ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ካብ ስልጣኑ ክወርድ እዮም ዝጠልቡ።