እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

መኽዘን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ናይታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ተረኺቡ

እታ ናብ ናይሮቢ ኬንያ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ሰንበት ንጉሆ፡ 149 ተጉዓዝቲ ከምኡ ድማ 8 ሰራሕተኛታት እያ ጽዒና ነይራ። እታ ነፋሪት ምስተላዕለት ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ርክብ ከምዝተቛረጸን፤ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ (ደብረዘይት) ከምዝተሓምሸሸትን ተገሊጹ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ቀዳማይ ሚኒስተር ጣልያን ሎሚ "መዓልቲ ሓዘን እዩ" ኢሉ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ጣልያን ጁሰፔ ኮንተ ብዛዕባ ምሕምሻሽ ነፋሪት ኢትዮጵያ ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ'ሎ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሎሚ "መዓልቲ ሓዘን እዩ" ኢሉ።

    ኣብታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት፡ ሾሞንተ ዜጋታት ጣልያን ነይሮም።

  2. ኣብራሪ ናይታ ነፋሪት፡ ሙኩር ነይሩ ተባሂሉ

    ኣብራሪ ናይታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት፡ ልምዲ በረራ 8,000 ሰዓታት ዘለዎ ሙኩር ምንባሩ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገሊጹ።

    ሓጋዚ ኣብራሪ ኣሕመድ ኑር መሓመድ ኑር ድማ፡ 200 ናይ በረራ ሰዓታት ዝነበሮ ምዃኑ ተገሊጹ።

  3. ቤተሰብ ግዳያት፡ ብወግዒ መርድእ ተነጊርዎም

    ኣብ ናይሮቢ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ክጽበዩ ዝጸንሑ ናይቶም ግዳያት ቤተሰብ፡ ብወግዒ መርድእ ተነጊርዎም።

    ካብዙይ ብተወሳኺ፡ ሓደ ኣባል ባይቶ ስሎቫክያ፡ ካብቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ኣርባዕተ ዜጋታት ሃገሩ፡ ሰበይቱን ክልተ ደቁን ከምዝርከብዎም ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።

  4. 'ፕሮቶኮል' ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ፡ በዚ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ ሓደ እዩ

    'ፕሮቶኮል' ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ሻሃድ ዓብዲሸኩር፡ በዚ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ ሓደ ከምዝኾነ፡ ዳልሳን ዝበሃል ናይ ሶማልያ ሬድዮ ጸብጺቡ።

  5. ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝተረኸበት 'ላፕቶፕ'

    ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ገለ ዝተሰባበሩን ዝዓነዉን አቑሑት ርእዩ እዩ።

    ካብኣተን ሓንቲ እዛ ኣብዚ ስእሊ እትርእይዋ 'ላፕቶፕ' እያ።

  6. ቤተሰብ መገደኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ትካል ሲቪል አቭየሽን ኢትዮጵያ፡ 'ማእኸል ህጹጽ ኩነት' ተኸፊቱ'ሎ።

    ኣብቲ ኣብ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝርከብ ማእኸል፡ ብርክት ዝበሉ ቤተሰብ መገደኛታት ይረኣዩ።

    ዝሓዘኑን ዝበኽዩን ብዙሓት እዮም፤ ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር'ውን ኣብ ሓዘን ጣንዮም ይረኣዩ።

  7. ኣብዪ ኣሕመድ ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ በጺሑ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ እታ ነፋሪት ናብ ዝተሓምሸሸትሉ ቦታ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።

    ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝበሎ፡ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ምጽራይ ክግበረሉን ንስድራ መወትቲ 'ዝግባእ ነገር ኩሉ' ክግበረሎምን መምርሒ ሂቡ።

  8. መንግስቲ ኤርትራ ሓዘኑ ገሊጹ

    ሚኒስተር ዜና ሃገረ ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ በቲ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ።

    እቲ ሚኒስተር፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንሕዙናት ስድራን ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣብ ትዊተሩኣሕሊፉ።

  9. እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ፡ እንታይ ይመስል?

  10. ኣብራሪ ጸገም ከምዝገጠሞን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ከምዝደለየን ገሊጹ ነይሩ

    እቲ ኣብራሪ ጸገም ከምዝገጠሞን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ከምዝደለየን ንተቖጻጸርቲ ገሊጹ ምንባሩ፡ ንክምለስ'ውን ተፈቒድሉ ከምዝነበረ፡ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።

    ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ከምዝበሎ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሽድሽተ ተመሳሰልቲ ነፈርቲ ኣለውኦ።

  11. ሓድሽ ዜና, ኣብዝሓ ካብቶም ዝሞቱ፡ ኬንያውያን እዮም

    ኣብታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ካብ ዝነበሩ ተጉዓዝቲ

    • 32 ኬንያውያን
    • 18 ካናዳውያን
    • 9 ኢትዮጵያውያን
    • 8 ቻይናውያን
    • 8 ጣልያናውያን
    • 8 ኣመሪካውያን
    • 7 ፈረንሳውያን
    • 7 እንግሊዛውያን
    • 6 ግብጻውያን
    • 5 ጀርመናውያን
    • 1 ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፓስፖርት ዝሓዘ
    • 4 ህንዳውያን
    • 4 ስሎቫክያውያን
    • 3 ዜጋታት ኣውስትርያ
    • 3 ሩስያውያን
    • 3 ስዊድናውያን
    • 2 ስፔናውያን
    • 2 ሞሮካውያን
    • 2 እስራኤላውያን
    • 2 ፖላንዳውያን
    • 1 ቤልጄማዊ
    • 1 ናይ ጅቡቲ ዜጋ
    • 1 ኢንዶኒዥያዊ
    • 1 ኣየርላንዳዊ
    • 1 ሩዋንዳዊ
    • 1 ናይ ሳውዲ ዜጋ
    • 1 ሶማልያዊ
    • 1 ሰርቢያዊ
    • 1 የመናዊ
    • 1 ኔፓላዊ
    • 1 ናይጄርያዊ
    • 1 ኡጋንዳዊ
    • 1 የመናዊ
    • 1 ሱዳናዊ
    • 1 ናይ ቶጎ ዜጋ
    • 1 ሞዛምቢካዊ
    • 1 ኖርዌያዊን እዮም።
  12. ኣብራሪ ናይታ ነፋሪት ያሬድ ሙሉጌታ እዩ ዝበሃል ነይሩ

    ኣብራሪ ናይታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት፡ ያሬድ ሙሉጌታ ዝበሃል ኢትዮጵያዊ-ኬንያዊ ከምዝነበረ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገሊጹ።

    እታ ነፋሪት ካብ እትዕደግ ኣርባዕተ ወርሓ ክትከውን ከላ፡ ሎሚ ንጉሆ ካብ ጆሃንስበርግ ከምዝተመለሰት'ውን ተገሊጹ።

  13. ቦይንግ ሓዘኑ ገሊጹ

    ነፈርቲ ዘፍሪ ትካል ቦይንግ፡ ኣብታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተጉዓዝትን ሰራሕተኛታትን ብምሟቶም "ጥልቂ ሓዘን" ከምዝተሰመዖ ገሊጹ።

  14. ሸሞንተ ቻይናውያን ኣብታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ነይሮም

    ሃገራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ቻይና፡ ኣብታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ሾሞንተ ቻይናውያን ከምዝነበሩ ገሊጹ።

    ቅድም ክብል፡ መሳርሕቶም ኣብታ ነፋሪት ከምዝነበሩ ዝተገልጸ ቻይናውያን፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ሓበሬታ ክጽበዩ ተራእዮም እዮም።

  15. ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ከይዱ

    ዋና ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ናብቲ ሓደጋ ዘጓነፈሉ ቦታ ከይዱ ተዓዚቡ።

    በዚ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን እውን ገሊጹ።

  16. እታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ቦይንግ '737 Max-8' ሓዳሽ ስርሓት እያ

    ነታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ዝሰርሐ ትካል ቦይንግ፡ 'ነቲ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ' ገሊጹ'ሎ።

    እዛ '737 Max-8' ዝተብሃለት ነፋሪቱ፡ ኣብ 2016 ናብ ዕዳጋ ዝኣተወት ሓዳሽ ስርሓት እያ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ፡ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ እዩ ናብ ኣገልግሎት ዘእተዋ።

    ተመሳሳሊ ስርሓት ዘለዋ ነፋሪት ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ 190 ሰባት ጽዒና ኣብ ጥቓ ኢንዶኒዥያ ናብ ባሕሪ ከምዝተሓምሸሸት ይዝከር።

  17. ኣብታ ነፋሪት ናይ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ስድራን መሓዙትን ሓበሬታ ይጽበዩ

    ኣብታ ነፋሪት ናይ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ስድራን መሓዙትን፡ ኣብ ናይሮቢ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ፡ ሓበሬታ ይጽበዩ

    እታ ነፋሪት፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ሰዓት 4፡30 (10፡30) ኣብ ናይሮቢ ክትዓልብ እዩ መደብ ተታሒዙላ ነይሩ።

  18. መሰኻኽር ዓይኒ እንታይ ይብሉ?

    ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ከምዝነበረ ዝገለጸ በቀለ ጉተማ ንቢቢሲ እንትዛረብ "እቲ ባርዕ ሰብ ኣየቕርብ ዝነበረ። ሕዲ ነዲዱ ወዲኡ እዩ። ... ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ፡ እቲ ሓዊ ነዲዱ ምስተወደአ እዩ" ኢሉ።

    እቲ ባርዕ ሓያል ብምንባሩ፡ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ሓገዝ ክገብሩ ከምዘይከኣሉ ተዛሪቡ።

    ንቢቢሲ ዝተዛረቡ ነበርቲ ከተማ ቢሾፍቱ፡ ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ 'ሮብ ገበያ ጊምቢቹ ጋራ ቀበሌ' ዝበሃል ቦታ ብዙሓት 'ኣምቡላንስ' መካይን ከምኡ ድማ መካይን ምክልኻል ባርዕ ክጓዓዛ ከምዝረኣዩ ገሊጾም።

  19. መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ መግለጺ ክህብ እዩ

    ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኩሎም ተጉዓዝትን ሰራሕተኛታትን ከምዝሞቱ ዝገለጸ ውሃቢ ቃል መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣስራት በጋሻው እዩ። እቲ መገዲ ኣየር ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህብ እዩ።

  20. ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ሓዘኑ ብትዊተር ገሊጹ