ኢራን ኣብ ቤት-ትምህርቲ ደቀንስትዮ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 40 ሰባት መይቶም
ሓደ ብዓል ስልጣን ናይቲ ከባቢ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢርና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ብ28 ለካቲት ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ሚናብ ኢራን ኣብ ግዝኣት ሆርሞዝጋን ኣብ ዝርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ 40 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ መሓመድ ራድመህር፡ ካልኦት 48 ሰባት’ውን ከም ዝቘሰሉ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ሻጃርህ ጣየበህ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቍጽሪ ሞት ይውስኽ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን - ኣህጉራውያን ትካላት ዜና መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ኢራን ክኣትዋ ቪዛ ስለ ዝኽልከላ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር እንታይ ይካየድ ከም ዘሎ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ዓቕመን ዝተደረተ ይኸውን።
ብሕልፊ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ምቍራጽ ኢንተርነት ኣሎ፣ መጥቃዕቲ ሳይበር’ውን ተፈጺሙ ነይሩ።