እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊተን
ምንቅስቓስ ሑቲ፡ ካብ 19 ሕዳር 2023 ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝመሓላለፋ መራኽብ ንግዲ ብውሕዱ 26 መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ወተሃደራዊ ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ሓቢሩ። እቶም ሑታውያን፡ ነቲ ስርሒት ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብ ቓዛ ብእስራኤል ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ምዃኑን ኣብ ልዕሊ መራኸብ እስራኤል ከምዘነጻጸረን እዮም ዝገልጹ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኣሜሪካን ብሪጣንያን 'ከቢድ ዋጋ ክኸፍላ እየን' - በዓል ስልጣን የመን
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሑቲ ሑሴን ኣልዕዚ ንተሌቪዥን ኣልመሲራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣሜሪካን ብሪጣንያን "ከቢድ ዋጋ ክኸፍላ እየን" ክብል ተዛሪቡ።
ብኻልእ ወገን ተሌቪዥን ኣልመሲራ፡ እቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ኪዳን ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ሰንዓ፡ ኣብ ጥቓ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኣልዱላይሚ ሓዊሱ መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸመ ገሊጻ።
ካልኦት ዒላማታት ድማ ካብ ከተማ ሳዓዳ ንምብራቕ ዝርከብ መዓስከር፡ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ሑደይዳ፡ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ታይዝን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ከተማታትን ካልኦት ቦታታት ከምዘጠቓልል ተገሊጹ።
ቀይሕ ባሕሪ፡ ንምዕራባውያን በዳሂ ኰይኑ ዘሎ ተኣፋፊ ጸጥታዊ ኵነታት
ኣሜሪካን ዕጡቕ ጕጅለ ሑቲን እንታይ ይብሉ?
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን “ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መስመራት ዓለም ንናጽነት ምጕዓዝ ኣብ ሓደጋ ንምእታው ዝጥቀሙሉ ብርክት ዝበሉ ዒላማታት ዕጡቕ ጕጅለ ሑቲ ብናተይ ትእዛዝ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ" ክብል ኣረጋጊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ኣሜሪካን ብሪጣንያን ከምኡ'ውን ብደገፍ ኣውስትራልያ፡ ባሕሬን፡ ካናዳን ሆላንድን" ከምዝተኻየደ ገሊጹ።
ሑቲ ብወገኑ ኣብ መላእ የመን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ’ሎ።
በዓል ስልጣን ሑቲ ዓብዱልቓደር ኣልሞርታዳ፡ "ኣሜሪካን-ጽዮናዊ-ብሪጣንያውያን ኣብ ልዕሊ የመን ኣብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ፡ ሑደይዳ፡ ሳዓዳን ዳማርን ሓያሎ መጥቃዕትታት ተኻይዱ" ክብል ጽሒፉ።
ካብ ነፈርትን መራኽብን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ
ሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ነፈርቲ፡ መራኽብን ሳብማሪንን ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ።
የመናዊ ጋዜጠኛ ዓሊ ኣልሳካኒ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ኣብ ከተማታት ሰንዓ፡ ሳዓዳ፡ ዳማርን ሑደይዳን ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ሑቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተፈጸመ ደቂ እቲ ከባቢ ሓቢሮምኒ" ይብል።
ኣሶሽየትድ ፕረስ ዝጠቐሶም ሰበስልጣን ኣሜሪካ’ውን፡ ካብ መራኽብ ውግእ ብዝውንጨፋ ክሩዝ ሚሳይላትን ነፈርቲ ውግእን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተኻይዱ።
እቲ መጥቃዕቲ ዒላማታት ሑቲ፡ ማእከላት ሎጂስቲክስ፡ ስርዓተ ምክልኻል ኣየርን መኽዘናት ኣጽዋርን ዘጠቓለለ ምዃኑ ገሊጾም።
ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሑቲ ኣብ ሕዳር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ዝርከባ መራኽብ ጽዕነት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ክተኩስ ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝፍጸም ናይ መጀመርታ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እዩ።