እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊተን

ምንቅስቓስ ሑቲ፡ ካብ 19 ሕዳር 2023 ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝመሓላለፋ መራኽብ ንግዲ ብውሕዱ 26 መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ወተሃደራዊ ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ሓቢሩ። እቶም ሑታውያን፡ ነቲ ስርሒት ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብ ቓዛ ብእስራኤል ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ምዃኑን ኣብ ልዕሊ መራኸብ እስራኤል ከምዘነጻጸረን እዮም ዝገልጹ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. እስራኤል ኣብ ኲናት ቓዛ እቲ ዝኸፍአ ክሳራ ኣጋጢሙዋ

    ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ሰኑይ ጥራይ 24 ወተሃደራቱ ኣብ ቓዛ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

    እቲ ክሳራ፡ ኣጋርን መካናይዝድን ሓይልታት እስራኤል ናብ ቓዛ ንምእታው ብመሬት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማሮም እቲ ዝኸፍአ’ዩ ተባሂሉ።

    ሰብመዚ ጥዕና ናይቲ ብሓማስ ዝመሓደር ዞባ ቓዛ ብወገኖም ከምዝብልዎ፡ ኲናት ኣብ ፈለማ ጥቅምቲ ከምዝውላዕ ኣትሒዙ ብውሕዱ 25,295 ሰባት ተቐቲሎ ምኣለዉ።

    ሰራዊት እስራኤል ሓይልታቱ፡ ንደቡባዊት ከተማ ክሃን ዮኑስ ኣብ ምሉእ ከበባ ከምዘእተውዋ ገሊጹ’ሎ።

    ወተሃደራት እስራኤል ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሆስፒታላት ከምዝኣተዉ ፍልስጤማውያን ሰብመዚ ይኸሱ።

    ኲናት ቓዛ፡ ዕጡቓት ሓማስ ናብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሓያለ ከባቢታት እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት 1200 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን ልዕሊ 240 ድሕሪ ምጭዋዮምን’ዩ ተወሊዑ።

    ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣትን ግጭትን ፈጢሮም ዘለዉ ጉጅለ ሑቲ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ኲናት ግብረመልሲ ንምሃብ’ዮም ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ መጥቃዕትታት ዘካይዱ ዘለዉ።

  2. መራሒ ጉጅለ ሑቲ ንኣመሪካን ብሪጣንያን የጠንቅቕ

    ኣመሪካን ብሪጣንያን “ኣውሓስቲ ዕንወት እስራኤል” እየን ክብል ላዕለዋይ መራሒ የመናውያን ጉጅለ ሑቲ ወቒሱ።

    ሓላፊ ላዕለዋይ ሰውራዊ ኮሚቲ መሓመድ ዓሊ ኣል-ሑቲ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ክልቲአን ሃገራት ኣውሓስቲ ብልጽግና ኣይኮናን ክብል ነቒፉ።

    ንሱ፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝምራሕን ንመጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምግታእን ዝቖመ “ስርሒት ምውሓስ ብልጽግና” ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ሓይሊ ባሕሪ ሓያለ ሃገራት ብምጥቃስ’ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።

    “ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣውሓስቲ ብልጽግና ክኾና ዘይክኣል’ዩ፡ ምኽንያቱ ኩሉ ክፋል ዓለም ዕንወትኩም ወይ ንዕንወት ትገብርዎ ሓለዋ ርእዩ እዩ፡ ከምቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ወይ ኣብ የመን ዝገበርኩሞ” ኢሉ።

    “እቲ መጥቃዕትታት ህዝቢ የመን ንኽገጥመኩም ንጸዓቱን ተወፋይነቱን ዘበርኽ እዩ፡ ምኽንያቱ ንስኹም ንሃገርና ዝወረርኩም ስለዝኾንኩም”።

  3. መጥቃዕቲ ኣመሪካን ብሪጣንያን ‘ስትራተጂካዊ ጌጋ’ዩ' ክትብል ኢራን ኣጠንቂቓ

    እታ ንሑቲ ብምዕጣቕ፡ ምስልጣንን ምድጋፍን እትፍለጥ ኢራን ነቲ ትማሊ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝተኻየደ ደብዳባት ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘለዋ ተቓውሞ ገሊጻ’ላ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሖሴን ኣሚር-ዓብዶላሂያን ኣብ ዝሃቦ “ዕቱብ መልእኽትን መጠንቀቕታን” ነቲ ኣመሪካ ኣብ የመን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ “ስትራተጂካዊ ጌጋ” ክብል ገሊጽዎ።

    “እቲ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝወሰድኦ ስጉምቲን ኣብ ልዕሊ የመን ዘካየድኦ ናይ ሓባር መጥቃዕቲን፡ ንዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዘሰግእን ከምኡ'ውን መጠን ናይቲ ኲናት ዘስፍሕን እዩ” ክብል እቲ ሚኒስተር ከምዝተዛረበ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢራን ጠቒሱ።

    ኣሚር-ዓብዶላሂያን፡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ይሳተፍ ከምዘሎ ይፍለጥ።

  4. ነፈርቲ ኲናት ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ሑቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ይበራ

  5. ቴሌቪዥን ሑቲ፡ ኣብ ሸውዓተ ቦታታት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ገሊጻ

    ብሑቲ እትመሓደር ቴሌቪዥን ኣል ማሲራህ እቶም ሎሚ ለይቲ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ኣየር ኣብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ዝርከቡ ሰለስተ ከባቢታት፣ መዓስከር ኣል-ሃፋ ሰንዓ፣ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ባኒ ኣል-ሃሮት፣ ማእከል ሓይሊ ኣር ኣል-ዳይላሚን ከባቢ ሳራፍን ከምዝተፈጸሙ ገሊጻ።

    ብተወሳኺ ኣብ ግዝኣታት ባይዳን ማእከላይ ታይዝን እውን ደብዳብ ከምዝተፈጸመ ኣቃሊሓ።

    ኣባል ፖለቲካዊ ክንፊ ሑቲ ሄዛም ኣል-ዓሳድ፡ እቶም መጥቃዕቲታት ኣብ ጎልጎልን ናይ ቀደም ወታሃደራዊ ማእከላትን ከምዝሃረሙ ንቴሌቪዥን ኣል-ዓረቢ ኣል-ጃዲድ ገሊጹ።

    ዕጡቓት ሑቲ “መራኽብ እስራኤል” ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝቕጽሉ ኣል-ዓሳድ ሓቢሩ።

    ወሃቢ ቃል ሑቲ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ትጓዓዝ ዝነበረት ባንዴራ ኣመሪካ ዝሰቐለት መርከብ ሚሳይል ከምዝተኮሱን “ዝኾነ መጥቃዕቲ ምላሽ ከይተውሃቦ ኣይተርፍን” ኢሉ ምስ ኣጠንቀቐን እዩ እቲ መጥቃዕቲ ተኻይዱ።

    ያሕያ ሳሪያ “ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ምባል ክሳብ ዝትግበርን ዕጽዋ ክሳብ ዝለዓልን ፡ ዕጡቓት ሓይልታት የመን ወታሃደራዊ ወፍሮም ብምቕጻል ምንቅሽቓስ መራኽብ እስራኤል ኣብ ቀይሕ ባሕርን ባሕሪ ዓረብያን ክዓግቱ እዮም” ኢሉ።

  6. ወሽመጥ ዓደን፡ ክድለዩ ዝጸንሑ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ከምዝሞቱ ተገሊጹ

  7. እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ 21 ወታሃደራት ከምዝተቐተልዋ ኣፍሊጣ

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ 21 ወታሃደራት ከምዝተቐተልዎ ኣፍሊጡ፤ እዚ ድማ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር ዝበዝሑ ወታሃደራት ዝተቐተሉሉ መዓልቲ ኮይኑ ኣሎ።

    ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ዳኒኤል ሃጋሪ፡ ኣብ ጥቓ እቶም ወታሃደራት ዝነበሩሎም ክልተ ህንጻታት ዝተጻወደ ሮኬት ነቲጉ ንታንኪ ናይቶም ወታሃደራት ድሕሪ ምውቅዑ ዘጋጠመ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

    እቲ ምፍንጃር ምናልባት ወታሃደራት እስራኤል ነቶም ህንጻታት ንምዕናው ዝቐበርዎ ነታጒ ዘስዓቦ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ጠቒሱ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዝርዝር እቲ ሓደጋ የጽነዖ ከምዘሎ ሓቢሩ።

    ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1300 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፡ እስራኤል ነቲ ጒጅለ ንምጥፋእ ትቃለስ ኣላ።

    ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ከምዝሕብሮ፡ በዝሒ ብደብዳባት ኣየርን መጥቃዕቲ ኣጋርን እስራኤል ዝተቐተሉ ፍልስጤማውያን 25 ሽሕን 295 በጺሑ ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ካልኦት ብዙሓት ኣብ ፍርስራስ ተጸቒጦም ሞይቶም ከምዝኾኑ ይእመን።

  8. እዚ መስመር ባሕሪ ስለምንታይ እዩ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ዝኸውን?

    መትረብ ስወጽ ኣብ መንጐ እስያን ኣውሮጳን ንዝግበር ጕዕዞ ባሕሪ ዘቀላጥፍ ስሉጥ መስመር ስለዝዀነ ነዳድን ጋዝን በዚ መገዲ እዚ እዩ ዝመሓላለፍ። ስለዝዀነ፡ ዝዀነት መርከብ ካብን ናብን ደቡብን ሰሜንን ዝግበር ጕዕዞ በዚ መትረብ ክትሓልፍ ትግደድ።

    ኣብ መፋርቕ 2023 ጥራይ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት ትሽዓተ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ብመትረብ ስወጽ ከምዝሓልፍ ይገልጽ።

    ዳርጋ 15 ሚእታዊት ካብቲ ናብ ኣውሮጳ ዝኣቱ ኣቝሑ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ካብ ኤስያን ወሽመጥ ዓረብን በዚ ባሕሪ’ዚ እዩ ዝመሓላለፍ። ካብቲ ኣቝሑ 21.5 ሚእታዊት ዝተጻረየን ልዕሊ 13 ሚእታዊት ዘይተጻረየ ነዳዲ የጠቓልል ።

    ግናኸ፡ በዚ ባሕሪ ነዳዲ ጥራይ ኣይኰነን ዝመሓላለፍ። እተን መራክብ ከም ቲቪታት፡ ክዳውንቲ፡ ናውቲ ስፖርትን ዝተፈለላየ ዓይነት ናይ ሸቐጥ ኣቝሑ እየን ዘመሓላልፋ። እዚ ኸኣ ኣብ ተጠቀምቲ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ።

  9. መጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ 'ቅቡልኣይኮነን' - ካሜሮን

    ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ዴቪድ ካሜሮን፤ ትማሊ ምሸት ኣርባዕተ ታይፎን ራፍ ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ብሪጣንያ ዓቕሚ ሑቲ "ዝያዳ ንምድኻም" ኣብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ሑቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየዳ ኣፍሊጡ።

    ንሱ፡ እቲ ሑቲ ዝገብርዎ ዘለዉ "ቅቡል ዘይሕጋውን" ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ "ንናጽነት ጉዕዞ ባሕሪ" ኣብ ሓደጋ ዘእቱን'ዩ ኢሉ።

    ብሪጣንያን ኣሜሪካን "ነቲ ዝወስድዎ ዘለው ስጉምትታት ደገፍ ንምርካብ" ናይ ደገፍ ጥምረት ይሃንጻ ከምዘለዋ ይዛረቡ።

  10. ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ጭንቀት ዝፈጠረሎም መርከበኛታት

  11. ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊተን

    ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ሓድሽ ተኸታታሊ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይደን።

    ብሰኑይ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ሸሞንተ ዒላማታት ከምዝወቕዐ ብምግላጽ እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ መኽዘንን ሚሳይላት ሑቲን ምክትታልን ዓቕምን ዝሓወሰ ከምዝዀነ ገሊጹ።

    እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ፡ ምስ እስራኤልን ምዕራባውያን ሃገራትን ዝተኣሳሰራ እየን ዝበልወን መራኽብ፡ በቲ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ዝጓዓዛ መራኽብ ዒላማ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

    ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን "ናጻ ዋሕዚ ንግዲ" ንምሕላው ይጽዕራ ከምዘለዋ ገሊጸን።

    ሰራዊት ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሑቲ "ተወሳኺ ዙርያ ተመጣጣንን ኣድላይን መጥቃዕትታት" ከምዝካየድ ኣረጋጊጹ።

  12. ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊተን

  13. ብኣመሪካ እትውነን መርከብ ብሚሳይላት ሑቲ ተሃሪማ

    ብሪጣንያዊ ትካል ጸጥታ ባሕሪ ኣምብሬይ፡ እታ ኣብ ደቡባዊ ገማግም የመን ብሚሳይል ዝተሃርመት መርከብ፡ ብኣሜሪካ እትውነን ናይ ጽዕነት መርከብ ምዃና ገሊጹ።

    ብመሰረት ኣምብሬይ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ንረብሓታት ኣመሪካ ዒላማ ዝገበረ ኰይኑ፡ ኣሜሪካ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ቦታታት ሑቲ ንዝፈጸመቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ" ዝተፈጸመ እዩ።

    ኣምብሬይ ኣብታ መርከብ ባርዕ ከምዘጋጠመ ጸብጺቡ፡ እንተዀነ ግን ክሳዕ ሕጂ ዝዀነ መጉዳእቲ ከምዘየለ ይሕብር።

    እታ መርከብ "ምስ እስራኤል ምትእስሳር ከምዘይብላ” መርመራ ከምዝተገብረ’ውን ይጠቅስ።

    ትካል ጸጥታ ስርሒታት ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቐዲሙ ከምዝገለጾ፡ እታ መርከብ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ወደባዊት ከተማ ዓደን የመን "ካብ ላዕሊ ብሚሳይል ከምዝተሃርመት" ሓቢሩ ነይሩ።

    እታ ብዕጡቓት ሑቲ ዝተሃርመት ንግዳዊት መርከብ (M/V Gibraltar Eagle) ዝተባህለት ምዃና ሰራዊት ኣመሪካ ሓቢሩ።

    ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተዋፈረ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ (ሰንትራል ኮማንድ) ብኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ መርከብ ብዛዕባ ኣብ ሰባት ዝበጽሐ “ጉድኣት ይኹን ዓቢ ዕንወት ዝሓበረቶ የለን፡ ጉዕዞኣ ድማ ትቕጽል ኣላ” ኢሉ።

    ኣካያዲ እታ መርከብ ዝኾነ ኢግል ባልክ ሺፒንግ ዝተባህለ ትካል ብወገኑ ከምዝሐበሮ፡ እታ ኣብ ወሽመጥ ዓደን፡ ካብ ገማግም ኣስታት 150 ኪሜ ርሒቓ ዝነበረት ናይ ጽዕነት መርከብ ብ”ዘይተፈልጠ ተወንጫፊ” ከምዝተሃርመት ኣረጋጊጹ።

    “ኣብ ከብዳ ውሱን ማህሰይቲ ወሪዱዋ ኣሎ፡ ግና ኣብ ድሓን ኩነታት ኮይና ካብቲ ከባቢ ትወጽእ ኣላ”።

    ብኻልእ ወገን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ ስጉምቲ ቅደሚ ምውሳዱ ነቶም “ኣብ ልዕሊ መራኽብናን ባሕረኛታትናን ተኲሶም” ዝበሎም ጉጅለ ሑቲ እኹል መጠንቀቕታ ከምዝተዋህቦም ተዛሪቡ።

    ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቲ ኩነታት ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ምዕራግ ወጥን ከምዘይብሉን እቲ ስርሒት “ውሱን” ምዃኑን ብምግላጽ፡ ሑቲ “ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከየዕርግዎ” ኣጠንቂቑ።

  14. ሑቲ መጥቃዕትታቶም ክቕጽል ምዃኑ ኣጠንቂቖም

    ሑቲ ኣብ ኲናት ወሽመጥ ቓዛ ዘለዎም መርገጺ ከምዘይተቐየረ ቀንዲ ተደራዳሪ ወኪል ናይ ጉጅለ ተዛሪቡ።

    ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዘዘራረቦ መሓመድ ዓብዱሰላም፡ ኣብ ልዕሊ ናብ እስራኤል ዝኸዳ መራኽብ ዘካይድዎ መጥቃዕትታት ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ።

    “ናይ እስራኤል ወይ ናብቲ ተጎቢጡ ዞ መሬት ፍልስጤም ዝኸዳ መራኽብ ንምግዳብ ዝግበር መጥቃዕቲታት ክቕጽል’ዩ” ኢሉ።

    ቀንዲ ጠለባቶም ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝቕጽል ዘሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እስራኤል ደው ክብልን፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ሰሜንን ደቡብን እታ ዞባ ክበጽሕን ምዃኑ’ውን እቲ ወኪል ገሊጹ።

    ምስ እስራኤል ዝኾነ ርክብ ዘይብለን መራኽብ ግን ብሰላም ክሓልፋ ከምዝኽእላ ገሊጾም ኣለዉ።

  15. ሑቲ ናብ መርከብ ውግእ ኣሜሪካ ሚሳይል ተኵሱ ዶ?

    ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ የመን ብምቅስቓስ ሑቲ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ገጻ ዝተተኮሰ ክሩዝ ሚሳይል፡ ብሓንቲ ነፋሪት ውግእ ተሃሪሙ ከም ዝበርዓነ ሰራዊት ኣሜሪካ ገሊጹ።

    ብዛዕባ እዚ ጉዳይን ወተሃደራዊ ኣፈኛ ናይቲ ጕጅለ ዝርከቦም ሰበስልጣን ሑቲ ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃቡን ዘለው።

    ወሃቢ ቃል ሑቲ መሓመድ ዓብዱሰላም ግን ትማሊ ምሸት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ “መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ የመን ወራር እዩ” ድሕሪ ምባል፡ ሓይልታት ሑቲ “ንህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ፣ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ሞራላውን ሓላፍነት ንምፍጻምን” ድልዋት ከምዘለው ገሊጹ።

    "እዚ ድማ እቲ ወራር ክሳብ ዝቋረጽን እቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘሎ ከበባ ክሳብ ዝለዓልን ናብታ ንፍልስጤም ጐቢጣ ዘላ እስራኤል ዝኸዳ መራኽብ ቀጻሊ ዒላማ ምግባር ክቕጽል’ዩ" ኢሉ።

    ጸላእቲ ኣሜሪካን እስራኤልን ምዃኑ ዝገልጽ ሑቲ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣንጻር ሓማስ እትገብሮ ዘላ ኲናት ብምቅዋም ምስ እስራኤል ዝተኣሳሰራ መራኽብ ዒላማ ከምዝገበር ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።

    ኣብ የመን ንዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲታት ዝህቦ ግብረመልሲ ድማ፡ “ሓያልን ኣድማዕን” ከምዝኸውን ተሓንዩ ኣሎ።

  16. ኣሜሪካ ካብ ሑቲ ዝተተኮሰ ሚሳይል ጸረ-መርከብ ኣውዲቓ

    ሰራዊት ኣሜሪካ ሑቲ ካብ ዝቈጻጸሮ ከባቢ የመን ናብ ሓንቲ መርከብ ኲናት ዝተተኮሰ ሚሳይል ከምዘውደቐ ገሊጹ።

    እቲ ጸረ-መርከብ ክሩዝ ሚሳይል ናብታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ዩኤስኤስ ላቡን ገጹ ዝተተኮሰ ኰይኑ ብነፋሪት ውግእ ኣሜሪካ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሑደይዳ ከምዝወደቐ ተገሊጹ።

    ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ ፍጻመ ዝዀነ መጉዳእቲ ኣይወረደን።

    ኣሜሪካን ብሪጣንያን ወተሃደራዊ ዓቕሚ ናይቶም ብቀይሕ ባሕሪ ሓሊፈን ንዝኸዳ መራኽብ ዘጥቅዑ ዘለዉ ተዋጋእቲ ሑቲ ንምድኻም ዝዓለመ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈታ ዝፍለጥ እዩ።

  17. ቀንዲ ዕለታት ምንቅስቓስ ሑቲ

    • 7 ጥቅምቲ 2023፤ ሓማስ ኣብ ደቡብ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምፍጻም 1200 ሰባት ቀቲሉ፡ ካልኦት ኣማኢት ጅሆ ሒዙ። ብድሕሪዚ እስራኤል ወፍሪ ሕነ ምፍዳይ ጀሚራ ክሳዕ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ፤ ልዕሊ 23 ሽሕ ሰባት ድማ ተቐቲሎም ኣለው።
    • 14 ሕዳር 2023፤ ሑታውያን ንሓማስ ከምዝድግፉ ድሕሪ ምግላጾም፡ ምስ እስራኤል ዝዛመዳ ብቐይሕ ባሕሪ ዝጓዓዛ መራኽብ ዒላማ ክገብሩ ምዃኖም ተሓንዮም።
    • 19 ሕዳር 2023፤ ሓንቲ መርከብ ጽዕነት ብሑቲ ተጨውያ፣ ሑቲ ሓያሎ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናብ እስራኤል ገጾም ተኲሶም፡ ኵሉ ግን ኣብቲ ዞባ ብዘለዋ መራኽብ ውግእ ኣሜሪካ ተሃሪሙ ከም ዝብርዕን ተገይሩ።
    • 15 ታሕሳስ 2023፤ ማርስክ (Maersk) ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ኩባንያታት መራኽብ፡ ንዅሉ ጕዕዞታቶም ብቀይሕ ባሕሪ ደው ከምዘብሉ ኣፍሊጦም።
    • 31 ታሕሳስ 2023፤ ሄሊኮፕተራት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ፡ ሰለስተ ፈጣናት ጀላቡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ መርከብ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ኣብ ዝፈተናሉ፡ ሃሪመን ኣጥሒለን።
    • 3 ጥሪ 2024፤ ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያን ካልኦት 10 ሃገራትን፡ ‘ሑቲ መጥቃዕቲ እንተቐጺሎም ሳዕቤን ከምዝወርዶም’ ዘጠንቅቕ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺአን።
    • 10 ጥሪ 2024፤ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መጥቃዕቲ ሑቲ ብቕልጡፍ ደው ክብል ዝጠልብ ውሳነ ኣሕሊፉ። ኣብዚ ደረጃ’ዚ ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ልዕሊ 20 መጥቃዕቲ ፈጺሞም ነይሮም።
    • 11 ጥሪ 2024፤ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተፈነወ ዓቢ መጥቃዕቲ ኣበርዒነን። ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከምዝወስዳ ድማ ኣመልኪተን።
    • 12 ጥሪ 2024፤ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ የመን ኣብ ዝርከብ ዒላማታት ሑቲ መጥቃዕቲ ኣየር ብምፍጻመን ልዕሊ 16 ቦታታት ወቒዐን።
    • 14 ጥሪ 2024፤ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ ሓደ ከባቢ ሑቲ የመን ናብ ሓንቲ ካብ መራኽብ ውግእ ተተኲሱ ዝበሎ ሚሳይል ኣውዲቑ።
  18. ኣሜሪካ ካብ ሑቲ ዝተተኮሰ ሚሳይል ጸረ-መርከብ ኣውዲቓ

  19. ኣሜሪካ ‘ብውልቂ’ ናብ ኢራን መልእኽቲ ሰዲዳ፣ ኢራን ከ?

    ኣሜሪካ፡ በቲ ኣብዚ ቅንያት ዝጀመረቶ ወተሃደራዊ ስርሒታት ንሑቲ ንጹር መልእኽቲ ክትሰድድ ጸኒሓ’ያ።

    እዚ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ዝጥቀማ ንግዳዊ መራኽብ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ ንምቍራጽ ኰይኑ፤ ብሓፈሻኡ እዚ ኵነታት ንዓለማዊ ቍጠባ ብኣሉታ ከይጸልዎ ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።

    ሑቲ፡ ዛጊት ዝቕልበሰሉ ወይ ንድሕሪት ዝብለሉ ኣንፈት ኣየርኣየን ዘሎ። ኣብ ሕመረት ስነሓሳብ እቲ ምንቅስቓስ፡ ጽልኢ ኣንጻር እስራኤል ዘሎ ኰይኑ፡ እቲ ምንቅስቓስ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘካየዶ ዘሎ መጥቃዕቲ መርኣያ ደገፉ ንፍልስጤማውያን ምዃኑ ይገልጽ።

    እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ካብ ኢራን ኣገዳሲ ደገፍ ክረክብ ጸኒሑ እዩ። ብመሰረት ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣሜሪካ ናብ ኢራን እውን ቀጥታዊ መልእኽቲ ሰዲዳ ኣላ። እቲ መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ዋሽንግተን ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላው ንምቅላል ዝሕግዝ ክኸውን ተስፋ ትገብር።

    ጆ ባይደን ኣሜሪካ ብዛዕባ እቶም ብኢራን ዝድገፉን ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝካየድ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ዝዀኑ ሑቲ ኣመልኪትና ንቴህራን ብሕታዊ መልእኽቲ ኣሕሊፋ ከምዘላ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

    ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብውልቂ ኢና ኣቕሪብናዮ፡ ጽቡቕ ምድላዋት ከምዘለና ድማ ርግጸኛታት ኢና" ኢሉ።

    እዚ ኵነታት ግን ንኢራን ካልእ እዩ። ብተዛማዲ ትሑት ጽዓትን ትሑት ወጻኢታትን ብምግባር፡ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ቀጥታዊ ቀጥታዊ፡ ኵሉ-መዳያዊ ግጥም ከይኣተወት፡ ብርሕቀት ንፍጻመታት ነቲ ዞባን ንምጽላው ዘለዋ ዓቕሚ እተርእየሉ እዩ።

  20. ኣመሪካ ንሑቲ ኣብ እትድብድበሉ ኲናት ቓዛ ይቕጽል ኣሎ

    ምንቅስቓስ ሑቲ ንሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ እስራኤል ዝዀና ወይ ምስ እስራኤል ምትእሳሳር ዘለወን መራኽብ ዒላማ ከምዝገበሩ እዮም ዝገልጹ፡፡

    ልክዕ ከም ሑቲ ሓማስ እውን ብኢራን እዩ ዝድገፍ፡፡

    ኣብ ቓዛ፡ ፍልስጤማውያን ካልእ ደብዳብ እስራኤል ዝቐጸለሉ ለይቲ ኣሕሊፎም ኣለዉ፡፡ ኣብ መላእ እታ ወሽመጥ መጥቃዕቲታት ከምዝፈጸሙ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡

    • ሰራዊት እስራኤል ኣብ ናይ ንግሆ ጸብጻቡ፡ ተፈንጀርቲ ዝሓዘ ጋለርያታት ከምዘዕነወን ኣብ ክሃን ዮኒስ ብዙሓት ‘‘ግብረ ሽበራውያን’’ ከምዝቐተለን ገሊጹ
    • ወኪል ዜና ፍልስጤም ዋፋ እውን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ቓዛ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን 20 ሰባት ከምዝቐተሉን ጸብጺባ
    • ኣብ ማእከል ቓዛ እውን ‘‘ዓሰርተታት’’ ከምዝተቐተሉ ዋፋ ገሊጻ
    • ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ማእከላይ ቓዛ ክልተ ሮኬት ዝትኮሰሎም ማእከላት ከምዘዕነወ ሓቢሩ
    • እስራኤል ሒዛቶ ዘላ ምዕራባዊ ገማግም እውን ሰራዊት እስራኤል ምውጋድ ‘‘ግብረ ሽራውያን’’ ብዝብል ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም
    • ዓርቢ ምሸት ካብ ቓዛ ናብ ደቡባዊ እስራኤል ሮኬታት ተተኲሶም
    • ቀዳም ንግሆ እስራኤል ምስ ሊባኖስ ኣብ ዘዋስና ሰሜናዊ ዶብ ምልውዋጥ ተዅሲ ከምዘካየደ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ፡፡