እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ‘ውሑስ ቦታ’ የለን ኢሎም

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ግን፡ ምቍራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሃገራት ኣፍሪቃ ተቓውሞአን ንምግላጽ ዲፕሎማሰኛታተን ካብ እስራኤል ይጽውዓ ኣለዋ

    ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ዘለዋ ተቓውሞ ንምግላጽ ኩሎም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታታ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣዚዛ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “በቲ ዝቕጽል ዘሎ ቅትለት ህጻናትን ንጹሃት ፍልስጤማውያንን ኣዚና ተሻቒልና ኣለና” ብምባል፡ ደብዳብ እሰራኤል ‘ናይ ኣልማማ መቕጻዕቲ’ዩ’ ክትብል ነቒፋ።

    እቲ ስጉምቲ ድሕሪ’ቲ እስራኤል ብሰንበት ዘካየደቶ ካብ ዝጻዕጸዐ ደብዳብ’ዩ ተወሲዱ። ሰብመዚ እስራኤል ብወገኖም፡ ሲቪላውያን ንዘይምህራም ዝክኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉ’ዮም ዝምጉቱ።

    “ሻቕሎት ደቡብ ኣፍሪቃ ንምግላጽ ምልክት ክንህብ ኣገዳሲ ኮይኑ ተሰሚዑና’ሎ፡ ሓፈሻዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ንጽውዕ ኣለና” ትብል ሚኒስተር ፓንዶር።

    ገረ ጫድ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ እሰራኤል ንዝርከብ ላዕለዋይ ወኪላ ናብ ሃገሩ ክምለስ ከምእትጽውዕ ኣፍሊጣ’ላ።

    ዲፕሎማሰኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምጽዋዕ፡ ዝምድና ምብታኽ ዘይኮነ መግለጺ ዲፕሎማስያዊ ተቓውሞ ምዃኑ ይፍለጥ።

  2. ኣብ መንጎ ተኹሲ ምቁራጽን ንሰብኣዊነት ዝግበር ግዜያዊ ምቁራጽን ዘሎ ፍልልይ እንታይ'ዩ?

    ሓያሎ ሃገራት፡ ከምኡ’ውን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቓዛ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ጸዊዐን ኣለዋ።

    ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከብኦም ካልኦት ሃገራት ግን ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ኣይደልያን። እዘን ሃገራት፡ እቲ ምቁራጽ ንሓማስ ዝጠቅም'ዩ እየን ዝብላ።

    ኣብ ክንድኡ ድማ ንሰብኣዊነት ተባሂሉ ዝግበር ግዜያዊ ምቁራጽ ይድግፋ።

    ግን እቲ ፍልልይ እንታይ እዩ?

    ምስ ወግዓዊ ምቁራጽ ተኹሲ ክነጻጸር እንከሎ፡ ንሰብኣዊነት ተባሂሉ ዝግበር ግዜያዊ ምቁራጽ ንሓጺር እዋን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንውሑዳት ሰዓታት ጥራይ'ዩ ዝጸንሕ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንዝተወሰነ ግዜን ንዝተወሰነ ቦታን ይሽፍን። ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት፡ ብተለምዶ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዘይኰነስ ሰብኣዊ ደገፍ ንኽበጽ ብዝብል ጥራይ ዝግበር ከም ዝዀነ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

    ምቁራጽ ተኹሲ ብወገኑ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ተጻባእቲ ወገናት ንኽዛተዩ ዝዓለመ ኰይኑ ኣብ ቀዋሚ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክበጽሑ ተኽእሎታት ከም ዘጠቓልል’ዩ ሕቡራት ሃገራት ዘመልክት።

  3. ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ፍልስጤም ተራኺቡ

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ዞባ ኣብ ማእከል ዲፕሎማስያዊ ድፍኢት ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ብዓርቢ ናብ ተልኣቪቭ ብቀዳም ድማ ናብ ኣማን በጺሑ።

    ሎሚ ድማ ምስ ፕረዚደንት በዓል መዚ ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ተራኺቡ ኣሎ።

    ብሊንከን፡ ኣመሪካ ኣብ ቓዛ "ህይወት ዘድሕን ሰብኣዊ ሓገዛት ንምሃብን ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ዳግማይ ንምጅማርን ዘለዋ ተወፋይነት ኣረጋጊጹ" ክብል ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ።

    ማሕሙድ ዓባስ ብወገኑ፡ "ህጹጽ ተኹሲ ምቁራጽ" ክግበርን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ክኣቱ ክፍቀድን ከም ዘለዎ ምግላጹ ወሃቢ ቃሉ ናቢል ኣቡ ሩደይነህ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ገሊጹ።

    ኣቡ ማዘን ብዝብል ዝፍለጥ ኣባስ፡ ካብ 2005 ጀሚሩ መራሒ በዓል መዚ ፍልስጤም’ዩ። በዓል መዚ ፍልስጤም፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር እስራኤል ዘይኰኑ ክፋላት ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ የመሓድር።

    ብሊንከን ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ቱርኪ ከም ዝበጽሕ ተፈሊጡ ኣሎ።

  4. መሳገሪ ዶብ ራፋሕ ንግዚኡ ንወጻእተኛታት ተዓጽዮ ኣሎ

    ወጻእተኛታት ብዶብ ራፋሕ ኣቢሎም ምእንቲ ክወጹ ተኸፊቱ ዝነበረ መሳገሪ ትማሊ ቀዳም ከም ዝተዓጸወ ተገሊጹ።

    ናይዚ ጠንቂ ጉድኣት ዘጋጠሞም ሕሙማት ኣብ ምውጻእ ዘይምርድዳእ ስለዝተፈጠረ’ዩ።

    ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወጻእተኛታት ዜጋታትን ዝተጎድኡ ሕሙማትን በቲ መሳገሪ ኣቢሎም ምውጽኦም ይፍለጥ።

    ምንጭታት ፍልስጤም ከም ዝሓበርዎ ግን ካብ ትማሊ ቀዳም ጀሚሩ በቲ ዶብ ዝሰገረ ዝዀነ ሰብ የለን።

    ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ዜጋታት ክወጹ ከም ዘይከኣሉ ኣረጋጊጹ’ዩ። ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "መሳገሪ ራፋሕ ንግዚኡ ምዕጻው ተስፋ ኣቑሪጹና ኣሎ"ኢሉ።

    "እዚ ዝተሓላለኸን በዳህን ኵነታት. . . ምስ ዓለምለኻዊ መሻርኽትና ብምውህሃድ ዳግማይ ንኽኽፈት ኩሉ ዲፕሎማስያዊ መስመራት ተጠቒምና ጸቕጢ ንገብር ኣለና።"

    ናይ ረድኤት መካይን ግን ብመሳገሪ ዶብ ራፋሕ ኣቢለን ናብ ቓዛ ምእታወን ቀጺለን ኣለዋ - ሕቡራት ሃገራት፡ 30 ሰብኣዊ ቀረብ ዝጸዓና መካይን ትማሊ ቀዳም ናብቲ ከባቢ ከም ዝሰገራ ገሊጹ’ዩ።

  5. ዘለንስኪ፡ 'ግጭት እስራኤልን ቓዛን ንዩክረይን ትኹረት የስእና' ከምዘሎ ኣማሪሩ

  6. ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ 2500 ዕላማታት ከም ዝወቕዐ ገሊጹ

    ሰራዊት እስራኤል፡ ሓይልታቱ ኣብ ቓዛ ናይ መሬት፡ ኣየርን ባሕርን ስርሒታት ካብ ዝጅምር ንደሓር "ልዕሊ 2500 ዒላማታት ግብረሽበራ" ከም ዝወቕዐ ገሊጹ።

    ትማሊ ለይቲ ወተሃደራት እስራኤል፡ ነፈርቲ ናይ ሓማስ "ማእከላት ትእዛዝን ቁጽጽርን” ንኽወቕዓ ሓበሬታ ከም ዝሃቡ ሓቢሩ።

    ብተወሳኺ ወተሃደራት እስራኤል "ኣሸበርቲ ምውጋዶም ይቕጽሉ ኣለዉ" ኢሉ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መዓስከር ስደተኛታት ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ልዕሊ 30 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ’ዩ።

  7. እስራኤል ኣብ ቓዛ 'ዘይተመጣጠነ’ መጥቃዕቲ ትፍፅም ኣላ - ኣየርላንድ

  8. ብሊንከን ኣብ ቓዛ ንዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ

    ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቓዛ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።

    ንሱ ኣብ ኦማን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ን“ፍሉይ ስራሕ” ኤጀንሲ ሕቡራት ሃገራት ስደተኛታት ፍልስጤም ንኢዱ።

    እቲ ኤጀንሲ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት መሳለጢያታትን ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 700 ሽሕ ሰባት ኣዕቚቦም ከም ዘለውን ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ 72 ሰራሕተኛታቱ ከም ዝተቐትሉን የመልክት።

    ብሊንከን፡ ምስ ኮሚሽነር እቲ ኤጀንሲ ፊሊፕ ላዛሪኒ ከምኡ’ውን ኣብ ቓዛ ምስ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ብቪድዮ ክዘራረብ እዩ።

    ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት፡ እስራኤል ነበርቲ ሰሜን ቓዛ ንድሕነቶም ክብሉ ናብ ደቡብ ቓዛ ክግዕዙ መጠንቀቕታታት ክትህብ ምጽንሓ ይፍለጥ።

  9. ብሊንከን ምስ መራሕቲ ሊባኖስን ኳታርን ተራኺቡ

    ኣብ ዮርዳኖስ ምብጻሕ ዝገብር ዘሎ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ምስ መራሕትን ሚኒስትራትን ማእከላይ ምብራቕ ይራኸብ ኣሎ።

    ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ናጂብ ሚካቲ ምስ ብሊንከን ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ማካቲ ኣብ ቓዛ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንክግበር ብሓባር ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኡ ክብል ቤት ጽሕፈቱ ሓቢሩ።

    ብሊንከን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኳታር መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣል-ታኒ ከም ዝተራኸበ ዝገልጹ ስእልታት’ውን ወጺኦም።

    ብሊንከን ትማሊ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ን30 ደቓይቕ ዝጸንሐ መግለጺ ሂቡ ነይሩ።

    ኣብዚ፡ ኣሜሪካ ንእስራኤል እትገብሮ ሓገዝ ቐጻሊ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ እስራኤል ኣብ እትወስዶ ስጕምቲ ሕግታት ኲናት ክትኽተልን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝበጽሕ ጕድኣት ክትድርትን የድሊ ኢሉ።

    ኣብዚ ኲናት እዚ፡ ንዝተጸገሙ ፍልስጤማውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዘኽእልን ኣብ ቓዛ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ንምፍታሕ ዝሓሸ ሃዋህው ክፈጥር ዝኽእል “ሰብኣዊ ዕረፍቲ” ንክግበር ኣሜሪካ ጻዕሪ ከም እትገብር’ውን ሓቢሩ።

    እዚ ድማ፡ ምስ መራሕቲ እስራኤል ዝተኻየደ “ኣገዳሲ ዓውዲ እቲ ዘተ” ክብል ገሊጹዎም።

    ብሊንከን ነዚ ክብል እንከሎ፡ ነቲ ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ሓንቲ እስራኤላዊት ስድራ ዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ብዝርዝር ኣዘንትዩ።

  10. ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ሕጂ’ውን 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ሰሜን ቓዛ ኣለው ኢሎም

    ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ዴቪድ ሳተርፊልድ፡ ኣብ ሰሜን ቓዛ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ከም ዘለው ገሊጹ።

    ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት፡ እስራኤል ነበርቲ ሰሜን ቓዛ ንድሕነቶም ክብሉ ናብ ደቡብ ቓዛ ክግዕዙ መጠንቀቕታታት ክትህብ ምጽንሓ ይፍለጥ።

    ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ሰሜን ቓዛ ዒላማ መጥቃዕታት ነፈርትን ወተሃደራዊ ስጉምትን እስራኤል ኰይኑ ጸኒሑ።

    ኣብ ደቡብ ቓዛ’ውን ደብዳባት ነፈርቲ ይፍጸም ከም ዘሎ ይግለጽ።

    ሎሚ ንጕሆ ኣብ ኦማን ንዝርከቡ ጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃበ ሳተርፊልድ፡ ካብ 800 ሽሕ ክሳ ሓደ ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ናብ ደቡብ ከም ዝግዓዘ፤ ካብ 350 ሽሕ ክሳብ 400 ሽሕ ግን ሕጂ’ውን ኣብታ ኣብ ክባን ዕጽዋን እትርከብ ቓዛ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

  11. ኣሜሪካ፡ ዘይተዓጠቓ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ቓዛ ከም ዘውፈረት ተኣሚና

  12. ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ዮርዳኖስ ኣትዩ

    ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሎሚ ምስ መራሕትን ሚኒስትራን ሃገራት ዓረብ ንምዝርራብ ናብ ዮርዳኖስ ኣትዩ።

    እቲ ሚኒስትር፡ ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብዱላህ ካልኣይን ቀዳማይ ሚኒስትር ኳትርን ክራኸብ ትጽቢት ይግበር።

    ድሮ ምስ ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ዮርዳኖስ ናጂብ ሚካቲ ከም ዝተራኸበ ተገሊጹ ኣሎ።

    ብተወሳኺ፡ ብሊንከን ምስ ሚኒስትራት ጉዳይ ወጻኢ ዮርዳኖስ፣ ሊባኖስ፣ ኳታር፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ግብጽን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ዘተ ከካይድ’ዩ።

    ካብዚ ሓሊፉ፡ ምስ ኮሚሽነር ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኤጀንሲ ስደተኛታት ፍልስጤም ፊሊፕ ላዛሪኒ ኣብ ጉዳይ ቓዛ ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ።

    ብኻልእ ወገን፡ ሎሚ 88 ዜጋታት ብሪጣኒያ ዝርከቡዎም 112 ሰባት ብሸነኽ ራፋሕ ካብ ቓዛ ክወጽኡ ተፈቒዱሎም።

    እዞም ኣብ ትሕቲ ‘ብሪጣኒያ’ ካብ ቓዛ ክወጽኡ ዝተፈቕደሎም ፈላሞት ብሪጣኒያውያን ዜጋታት እዮም።

    ብሮቡዕ፡ እቲ ጐንጺ ካብ ዝጅመር ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ዶብ ራፋሕ ሰባት ካብ ቓዛ ንክወጽኡ ክክኸፈት እንከሎ፡ በዚ ውሱን ቑጽሪ ዘለዎም ዜጋታት ወጻእን ብኸቢድ ዝቘሰሉን ጥራይ ክሓልፉ ተፈቒዱሎም ይርከብ።

  13. ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ብዙሓት ኣባላት ሓማስ ከም ዝቐተሉ ገሊጾም

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ፡ “ዓሰርታት” ኣባላት ሓማስ ከም ዝተቐትሉን ካልኦት ትሕተ ቕርጺ እቲ ጕጅለ ከም ዝዓነውን ኣመልኪቱ።

    ሓማስ፡ ካብ ጋለሪያታትን ኣብ ሰሜን ወሽመጥ ቓዛ ካብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ ቐጽሪታትን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት እስራኤል “ፈተነ ብርክት ዝበሉ መጥቃዕታት ከም ዝኸፈተ’ውን ሓቢሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ለይቲ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ደቡብ ቓዛ “ካብ ጋለርያ ዝወጽእ ዝነበረ ግብረሽበራዊ ዋህዮ” ንምጥቃዕ ወራር ከም ዝፈጸመ ገሊጹ።

    ትማሊ፡ ንከተማ ቓዛ ከቢቡ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝወጠኑ “ምስ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ወይ ብርጌድ ዝመዓራረ መዓርግ ዝሓዙ” ዓሰርተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከም ዝተቐትሉ ኣብሪሁ።

    ኣብቲ እዋን፡ 1400 ሰባት ኣብ እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ይዝከር።

    ብተወሳኺ፡ ሓማስ ይጥቀመላ ነይሩ ንዝበላ ኣምቡላንስ ከም ዝሃረመ ተኣሚኑ።

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ሕጂ ብዛዕባ ዘሎ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዝምልከት ሓበሬታ ኣይሃበን።

    እንተዀነ፡ እስራኤል ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ሰሙናት ኣብ ልዕሊ ቓዛ ትፍጽሞ ብዘላ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ኣብ ከተማ ቓዛ ጥራይ 10 ሽሕ ቦምባታት ከም ዝደርበየት ትገልጽ።

  14. ቓዛ፡ 'ሰበይተይ ኣብ ሓሙሽተ ደቒቕ ሞይታ፤ ህይወተይ'ያ ነይራ'

  15. ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ‘ድሕነቱ ዝተሓለወ’ ቦታ የለን ኢሉ

    ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቓዛ “ድሕነቱ ዝተሓለወ ዋላ ሓደ ቦታ የለን” ኢሉ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ህንጻታት እቲ ትካል ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣዕቚቦም ይርከቡ።

    በዓል መዚ ሕቡራት ሃገራት ቶማስ ዋይት፡ እቲ ትካል ንተመዛበልቲ ዕቑባ ምሃብ ልዕሊ ዓቕሙ ከም ዝኸውን ተዛሪቡ።

    እዞም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ድሕነቶም ዝተሓለወ ከም ዘይኸውን ተዛሪቡ።

    ኣብ ትካል ተመዛበልቲ ፍልስጤም ሕቡራት ሃገራት፡ 600 ሽሕ ተመዛበልቲ ከዕቑቡ እንከለው፡ ድሕሪ ሕጂ ድሕነት እዞም ሰባት ንምርግጋጽ ከም ዝጽገም እቲ ትካል ሐዓቢሩ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንየዓሁ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ንዝቐረበሉ ጸዓውዒትን ሕቶን ከም ዘይቕበል ገሊጹ ኣሎ።

    ትማሊ ኣብ እስራኤል ምብጻሕ ዘካየደ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ዮርዳኖስ ከም ዝኸደን ምስ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ከም ዝዛተን ድማ ተገሊጹ።

  16. ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ‘ኣዝዩ ኣሰንቢዱኒ’- ዶክተር ቴድሮስ

    ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ፊት ዓብዪ ሆስፒታል ቓዛ ዘጋጠመ ነትጒ ‘ኣዝዩ ከም ዘሰንደቦ’ ገሊጹ።

    እቲ ሓላፊ ብዘስምዖም ጸብጻባት ኣዝዩ ከም ዝሰንበደ ብምግላጽ፡ ብሰንኩ ሰባት ከም ዝሞቱን ከም ዝተጐድኡን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ንብረት እቲ ሆስፒታል ዕንወት ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።

    “ሕሙማት፣ ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ትካላት ሕክምናን ኣምቡላንሳትን ኣብ ዝዀነ እዋን ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ፤ ወትሩ። ሕጂ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ይግባእ” ክብል ጸዊዑ።

    ቅድም ኢሉ፡ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ፊት ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ ነይሩ።

    ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ማርክ ሬጌቭ ግን፡ ሓማስ ኣብ ትሕቲ እቲ ሆስፒታል መአዘዚ ናቑጣ ከም ዘለዎ እስራኤል ሓበሬታ ኣለዋ’ዩ ኢሉ።

    ንሱ ቻነል 4 ንዝተባህለ መደብር ቴሌቭዥን ብሪጣኒያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጸላኢ ኣብ ትሕቲ መሰረተ ልምዓት ሰላማውያን ሰባት ከምዚ ዓይነት ህንጻ እንተሃልዩዎ እቲ ትሕተ ቕርጺ “ዒላማ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ኢሉ።

  17. ኣምቡላንስ ቓዛ ብሓይሊ ኣየር እስራኤል ተሃሪማ

    ሓይሊ ኣየር እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ንሓደ ኣምቡላንስ ከም ዘጥቅዐ ተገሊጹ።

    እንተዀነ፡ እታ ኣምቡላንስ “ብዋህዮ ጕጅለ ሽበራ ሓማስ” ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ምህላው ምስ ኣረጋገጽኹ’ዩ ተሃሪሙ ክብል ሰራዊት እታ ሃገር ገሊጹ።

    ሓማስ፡ ኣምቡላንሳት ብምጥቀም ኣባላቱን ኣጽዋርን የዘዋውር ምህላው ሓበሬታ ኣለኒ ይብል።

    ኣብ ፊት እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ከተማ ቓዛ ኣል-ሺፋ ልዑል ነትጒ ከም ዝተሰምዐ ተገሊጹ ኣሎ።

    ቢቢሲ ዘረጋገጾም ምስልታት፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዝዓነወ ኣምቡላንስን ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባትን ኣብ ፊት እቲ ሆስፒታል ወዲቘም የርእዩ።

    እስራኤል፡ ሕጂ’ውን ሰባት ንድሕነቶም ክብሉ ናብ ደቡብ ቓዛ ክሃድሙ መጠንቀቕታ ትህብ ኣላ።

    “እዚ ዞባ ናይ ውግእ ከባቢ ስለ ዝዀነ፡ ሰላማውያን ሰባት ንድሕነቶም ክብሉ ናብ ደቡብ ክኸዱ ተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቕሪብና ኢና” ይብል መግለጺ ሰራዊት እስራኤል።

  18. ድሮናት ኣመሪካ ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንምርካብ ዳህሳስ የካይዳ ኣለዋ ተባሂሉ

    ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣመሪካ ግዳያት ጅሆ ሓማስ ንምድላይ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ይዝምብያ ከምዘለዋ ሰበስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም።

    ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ንገለ ስሞም ዘይተገልጸ ክልተ ሰበስልጣን ኣመሪካ ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ድሮናት ኣመሪካ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ሓበሬታ ንምእካብ ኣብ ኣለሻ ተዋፊረን ኣለዋ።

    ክልተ ሰብመዚ ኣመሪካ፡ እቲ ጸብጻብ ሓቂ ምዃኑ’ውን ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ ኣረጋጊጾም።

    ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 220 እስራኤላውያንን ኣመሪካውያንን ዝርከብዎም ሰባት ጅሆ ብምሓዝ ናብ ቓዛ ከምዝወሰዶም ይፍለጥ።

    እተን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (MQ-9 Reape) ብረት ዝዓጠቓ ከምዘይኮና ኒው ዮርክ ታይምስ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣመሪካ ጠቒሱ’ሎ።

  19. እስራኤል ‘ሰብኣዊ’ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ንዝቐረበላ ጠለብ ኒጺጋቶ

    ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብታት ክግበር ካብ ኣመሪካ ንዝቐረበሉ ሕቶ ከምዘይተቐበሎ ኣፍሊጡ።

    ነታንያሁ፡ ድሕቲ’ቲ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ዘካየዶ ርክብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ከይተፈትሑ ውግእ ደው ከምዘየብል ገሊጹ።

    “እስራኤል፡ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታትና ኣብ ግምት ዘየእቱ ግዝያዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣይትቕበሎን’ያ” ክብል ኣብ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።

    ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 220 ሰባት ብዕጡቓት ሓማስ ተጨውዮም ናብ ቓዛ ከምዝተወስዱ ይፍለጥ። ውሑዳት ካብኦም ’ኳ እንተተፈትሑ፡ ልዕሊ 200 ዛጊት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

    ምስ ሰብመዚ እስራኤል ብዛዕባ ‘”ሰብኣዊ” ምቁራጽ ውግእ ከምዝተዘራረበ ዝለጸ ብሊንከን፡ “ኣብ ጅሆ ዘለዉ ዝፍትሕሉ ሃዋሁ ኣብ ምፍጣር. . .ዝሕግዝ ኣገባብ ከምዝኾነ ኢና ንሓስቦ” ኢሉ።

  20. ግጭት እስራኤልን-ሓማስን፡ መራሒ ጉጅለ ሕዝቦላህ እንታይ ኢሉ?