እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
🔴ቀጥታ፡ ሓይልታት እስራኤል ጸረ-መጥቃዕቲ ብምክያድ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ስርሒታት ጀሚሮም
ቓዛ ናብ ‘ገሃነም ትንቆት’ ኣላ ክብል ዘጠንቅቕ ዘሎ ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ህዝቢ እታ ዞባ ክወጽእ ንዝሃበቶ ትእዛዝ ከተቋርጾን ሰብኣዊ ረዲኤት ክኣቱን ይምሕጸን ኣሎ
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኢራን፡ ኣብ ውጥን መጥቃዕቲ ሓማስ ኢድ ሓዊሳ ድያ?
ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ሓደ ለይቲ 200 ዒላማታት ወቒዐ ኢሉ
ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ሓበሬታ ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ 200 ዒላማታት ሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታትን ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝወቕዐ ኣፍሊጡ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝጠቅዖ መልእኽቲ፡ ዓሰርተታት ነፈርቲ ውግእ ኣብ ከባቢታት ሪማልን ካን ዩኒስን መጥቃዕቲ ፈፂመን ኢሉ።
ነዚ ስዒቡ ንማእከላት እዚን ቍጽጽርን ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ መስጊድ ነይሩ ዝበልዎ መኽዘን ኣጽዋርን ገዛ ሓደ ኣዛዚ ሓማስ ክብሉ ዝገለጽዎን ዒላማታት ከምዘዕነዋ ገሊጹ'ሎ። .
ምስ ቓዛ ዘራኽብ ዶብ ውሑስ ከምዝዀነ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኣፍሊጡ
ሰራዊት እስራኤል ምስ ቓዛ ዘራኽብ ዶብ ዳግማይ ተቖጻጺረዮ ምባሉ ይፍለጥ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ሪየር ኣድሚራል ዳኒኤል ሃጋሪ ድማ፡ ብድሕሪ'ቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ወራር ከምዘይተፈጸመ ሓቢሩ።
መሃንድሳት ኣብ ክፋላት እቲ ሓጹር ዝዓነወሉ ከባቢታት ነተጕቲ ናይ ምምካን ስራሕ ከምዘካየዱ'ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ዕጡቓት ሓማስ ብሰንበት መጥቃዕቲ ቅድሚ ምኽፋቶም ነቲ ሓጹር ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሰይሮምዎ ነይሮም።
ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ንግዳያት መጥቃዕቲ ሓማስ ንምሕጋዝ ይነጥፉ, https://bbc.com.im/tigrinya/articles/c72jqr7x703o%3C/span%3E%3C/span%3E%3C/h3%3E%3Cdiv class="css-cuu7rs">
ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳያት መጥቃዕቲ ሓማስ ንዝዀኑ እስራኤላውያን ንምድጋፍ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ።
ዕጡቓት ሓማስ ካብ ውሽመጥ ቓዛ ተበጊሶም ብባሕሪ፡ ምድርን ኣየርን ከካይድዎ ኣብ ዝጸንሑ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 900 እስራኤላውያን ቀቲሎም ኣለዉ። ቍጽሮም ዘይተፈልጡ ካልኦት ከምዝቘሰሉን ጅሆ ተታሒዞም ከምዝተወስዱን ይግለጽ ኣሎ።
እስራኤል ኣብ ዝወሰደቶ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ድማ ብውሕዱ 600 ፍሊስጤማውያን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተቐቲሎም፡ ካልኦት ኣሽሓት ድማ ቈሲሎም።
እዋናዊ ቀንዲ ምዕባለታት እስራኤልን ወሽመጥ ቓዛን
ንሎሚ ከነመሓላልፎ ዝወዓልና ቀጥታዊ ሸፈነ ኩነታት እስራኤልን ፍልስጤማውያን ወሽመጥ ቓዛን ቅድሚ ምዝዛምና፡ ምስዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ምዕባለታት ንሓደገኩም፣
- እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ደብዳብ ገና ይጅምር ምህላዉ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ኣጠንቂቑ። ናብ ወሽመጥ ቓዛ ንዝተወስዱ ዜጋታቱ ንምምላስ ዝክኣሎ ክገብር ምዃኑ’ውን ቃል ኣትዩ’ሎ። ብዓሰርተታት ዝቑሩ እስራኤላውያን ናብ ቓዛ ተወሲዶም ምህላዎም ይግለጽ።
- ቁጽሪ ብዕጡቓት ሓማስ ዝተቐትሉ ወተሃደራት ዝርከብዎም እስራኤላውያን ዛጊት 900 በጺሑ’ሎ። ብውሕዱ 260 ካብዚኦም ብጅምላ ኣብ ሓደ ፌስቲቫል ሙዚቃ ዝተቐትሉ’ዮም።
- ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዘካየዶ ደብዳብ ድማ ኣስታት 700 ተቐቲሎም፡ ኣሽሓት ካልኦት ቆሲሎም።
- ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕጽዋ ክትኣቱ ንሓይልታት ጸጥታ ትእዛዝ ሂቡ’ሎ። ከም ሳዕቤኑ ኣብታ ዞባ፡ ዋሕዚ ቀረብ መግቢን ነዳዲን ደው ኢሉ፡ ኣገልግሎት ማይን ኤለክትሪክን ኣቋሪጹ፡ ሎምለይቲ ጸልማት ነጊሱ’ሎ።
- ኣል-ቃስም ብርጌድ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕጡቕ ክንፊ ሓማስ፡ "ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ቅድመ-መጠንቀቕታ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ኣባይቲ ዝግበር ደብዳብ እስራኤል” ሓደ/ሓንቲ ጅሆ ዝሓዝዎም ሲቪላውያን ዜጋታት እስራኤል ክርሽኑ ምዃኖም ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
- ዛጊት 10 ብሪጣንያውያን፡ ከምኡ’ውን 9 ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ሓያሎ መራሕቲ ዓለም ነቲ ብሓማስ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ኮኒኖም ኣለዉ። ሕብረት ኣውሮጳ ከኣ ንፍሊስጤማውያን ዝህቦ ዝነበረ ልምዓታዊ ደገፍ ደው ኣቢልዎ’ሎ።
- ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንመጥቃዕቲ ሓማስ ብምኹናን፡ እስራኤል ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ክኣቱ ከተፍቅድ ጸዊዑ’ሎ። ኩሉ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝግበር መጥቃዕቲ ደው ክብል ዝጸውዐ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክፍትሑ ተማሕጺኑ።
ኣብ ናይ ጽባሕ ሰሉስ ሸፈነና ክሳብ ንራኸብ ድሓን ሕደሩ፡ ንገሌኹም ድማ ድሓን ውዓሉ. . . ።
ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ንግዳያት መጥቃዕቲ ሓማስ ይሕግዙ
ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንግዳያት መጥቃዕቲ ሓማስ ዝኾኑ እስራኤላውያን ንምድጋፍ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ።
ዕጡቓት ሓማስ ካብ ውሽመጥ ቓዛ ተበጊሶም ብባሕሪ፡ ምድርን ኣየርን ከካይድዎ ኣብ ዝጸንሑ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 900 እስራኤላውያን ቀቲሎም ኣለዉ። ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ካልኦት ከምዝቖሰሉን ጅሆ ተታሒዞም ከምዝተወስዱን ይግለጽ ኣሎ።
እስራኤል ኣብ ዝወሰደቶ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ድማ ብውሕዱ 600 ፍሊስጤማውያን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተቐቲሎም፡ ካልኦት ኣሽሓት ድማ ቆሲሎም።
ገለ ኤርትራውያን ነቶም ኣብ ደቡብ እስራኤል በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃስዩ ዜጋታት እታ ሃገር ዝኸውን ክዳውንቲ፡ ማይን ካልእ ኣገደስቲ ቀረባትን የተኣኻኽቡ ምህላዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ ተል ኣቪቭ ዝነብር ወዲ 43 ዓመት ሓለፎም ሱልጣን ከምዝበሎ፡ እቲ ስጉምቲ ነቲ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎም ኣሉታዊ ኣራኣእያ ክቕይር ተስፋ ከምዘለዎ ይዛረብ።
እስራኤል ኣስታት 300,000 ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ኣኽቲታ
እስራኤል ብዕጡቓት ሓማስ ተታሒዙ ዝጸንሐ መዳውብቲ ውሽመጥ ቓዛ ዝኾነ መሬታ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቖጻጸረቶ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝተፋለለዩ ከባቢታት እስራኤል ኣብ መንጎ ሓይልታት እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዕጡቓት “ሓሓሊፉ” ውግእ ከምዝተኻየደ ኣፈኛ እቲ ሰራዊት ተዛሪቡ።
ዛጊት ብውሕዱ 700 እስራኤላውያን ተቐቲሎም ኣለዉ።
ብወገን ቓዛ ድማ ዛጊት 560 ሰባት ብደብዳባት ኣየር እስራኤል ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ካብታ ተኸርዲና ዘላ ዞባ ሓቢሮም።
ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል፡ ነታ ዞባ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ክትኣቱ ኣዚዙ’ሎ።
እስራኤል ዛጊት ኣስታት 300,000 ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ኣኽቲታ ከምዘላ ይግለጽ ኣሎ።
ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ልዕሊ 4000 ተወንጫፊ ሮኬታት ካብ ቓዛ ናብ እስራኤል ከምዝተተኮሰ ኣፈኛ ሰራዊት እስራኤል ሪር ኣድሚራል ዳኒኤል ሃጋሪ ጠቒሱ።
ሃንደበታዊ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ዘስዓበ መጥቃዕቲ ሓማስ
ዋጋ ነዳዲ ዓለም ብሰንኪ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣጋጢሙ ዘሎ ግጭት ፍሊስጤማውያንን እስራኤልን ዓቢ ናህሪ ኣርእዩ።
ሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ካብ 2.25 ዶላር ናብ 86.83 ዶላር ክብ ኢሉ’ሎ።
ዋላ’ኳ ብቐጥታ ካብ እስራኤልን ፍልስጤምን ንዕዳጋ ዓለም ዝወጽእ ነዳዲ’ኳ እንተዘየሎ፡ ብሓፈሻ ሓደ ሲሶ ነዳዲ ዓለም ካብ ማእከላይ ምብራቕ’ዩ ዝቐርብ።
ብባሕሪ፡ ኣየርን ምድርን ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 1973 ዝተኻየደ ኲናት ‘ዩም ኩፑር’፡ እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ይንገር ኣሎ።
ኣብ 1973 ግብጺን ሶርያን ዝርከባአን ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እስራኤል ከቢድ ጉድኣት ብምውራድ ሰፊሕ ከባቢታት ተቖጻጺረን ነይረን።
ብሰኑይ፡ ሚኒስትሪ ጸዓት እስራኤል ኣመሪካዊ ኩባንያ ነዳዲ ዘካይዶ ዝነበረ ምፍራይ ነዳዲ ከቋርጾ ኣዚዙ’ሎ። ኣብ ማያት ዝግበር ምፍራይ ባህርያዊ ጋዝ ግን ይቕጽል ኣሎ።
ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ዓለም እቲ ኩነታት ናብ ዝሰፍሐ ግጭት ከየስዕብ ብምስግኡ ዝሰዓበ ምዃኑ ቁጠባዊ ተንተንቲ ይገልጹ።
ሓድሽ ዜና, ኣብ ልዕሊ ቓዛ 'ምሉእ ዕጽዋን ከበባን ' ተኣዊጁ
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ኣብ ምድረበዳ ቓዛ "ምሉእ ብምሉእ ኣብ ከበባ" ክኣቱ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ።
ነዚ ስዒቡ "ኤሌክትሪክ፣ መግቢን ነዳዲን ኣይክህሉን" ኢሉ።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛን ገማግም ባሕራን ዝርከብ ክሊ ኣየር ኣብ ምቁፅፃር ትርከብ።
ብመሳገሪ ዶባታ ድማ መንን እንታይ ሸቐጣትን ክኣቱን ክወጽእን ከም ዝሓልፍ ደሪታ።
ግብጺ'ውን ምስ ጋዛ ኣብ ዘራኽባ ዶብ መን ይኣቱን ይወጽእን ትቆፃፀር ኣላ።
ኣመሪካ መራኽብ ውግእ ናብ እስራኤል ኣፀጊዓ
እስራኤል ግዝኣታ ንምምላስን ብሓማስ ጅሆ ዝተተሓዙ ንምድሓንን ትዋጋእ ኣላ
ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ትማሊ ቀዳም ብፍልስጤማውያን ዕጡቓት ጅሆ ዝተወስዱ ንምድሓንን ከባቢታት ንምጽራይን ስርሒታት የካይዱ ኣለዉ።
እስራኤል፡ ድሕሪ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ ብዕጡቓት ፍልስጤማውያን ዝተወረሩ 22 ቦታታት ዳግማይ ከም ዝተቘጻጸሩን ኣብ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ገና ስርሒት ይካየድ ከም ዘሎን ሰራዊት ሓቢሩ።
ድሕሪ ሓምሳ ዓመት፡ ካብቲ ብግብጽን ሶርያን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝተካየደሉ ኲናት 'ዮም ኪፑር'፡ ዕጡቓት ፍልስጤም ዓቢ መጥቃዕቲ እዮም ኣካይዶም።
እዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ እውን ዘይተገመተ ሃንደበታዊ ኰይኑ፣ ኣብ መዓልቲ በዓል ኣይሁድ እዩ ተፈጺሙ ዘሎ።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ከም ዝሓበሮ፡ ቍጽሪ እቶም ዕጡቓት ልዕሊ ኣማኢት ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 3 ሽሕ ሮኬታት ድማ ኣብ መላእ እስራኤል ናብ ዝርከባ ከተማታት ተተኲሱ’ዩ።
ሌተና ኮሎነል ጆናታን ኮንሪከስ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ኤክስ ኣብ ዘካፈሎ ጽሑፍ፡ "ንዓሰርተታት ማሕበረሰባት እስራኤልን መደበራት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤልን ኣጥቂዖም" ኢሉ።
ህይወት ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ኣብ እስራኤል እንታይ ይመስል?
ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዝተፈላለየ ምኽንያት እስራኤላውያን ኣብ መላእ ዓለም ተበታቲኖም እዮም።
ጽዮናውነት ድማ ኣብ እስራኤል ንህዝቢ ኣይሁድ ዝኸውን ውሑስ ሃገር ንምፍጣር ዝዓለመ ብምዃኑ ምትእኽኻብ ኣይሁድ ዘተባብዕ እዩ።
ስለዝዀነ፡ ኣብ 1950 ንነፍሲ ወከፍ ኣይሁዳዊ ናይ ‘ዓልያ’ መሰል ዝህብ ሕጊ ምምላስ ኣይሁዳውያን ኣጽዲቓ።
እዚ፡ ዝዀነ ይዅን ኣይሁድ ናብ እስራኤል ክምለስን ብቐጥታ እስራኤላዊ ዜግነት ክረክብን መሰል ዝህብ እዩ።
እስራኤል፡ መዕቆቢ ኣይሁድ ክትከውን ጽዮናዊ ሕልሚ ነይርዋ።
ብምዃኑ ድማ ነዚ ሕልሚ ክተግህድ፡ ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣይሁድ ናይ ምትእኽኻብ ስርሒታት ጀሚራ።
ሆስፒታላት ቓዛ ኣዕለቕሊቐን ተባሂሉ
ሓደስቲ ምዕባለታት ግጭት እስራኤል- ሓማስ፡
ኣብ መንጐ ወተሃደራት እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ውግእ ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ ኣሎ።
እቲ ግጭት ብዝምልከት፡ ሓደስቲ ዓበይቲ ምዕባለታት እነሆ፤
- ብቐዳም ብሓማስ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ብኽልቲኡ ወገን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም።
- እቲ ኵነታት ካብ ዝጅምር ድሕሪ 36 ሰዓታት’ውን ካብ ቓዛ ናብ ደቡባዊ እስራኤል ሮኬታት ይተኮሱ ኣለዉ።
- እስራኤል ድሕሪ ዘካየደቶ ናይ ሕነምፍዳይ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ 123 ሽሕ ፍልስጤማውያን ተመዛቢሎም፣ ኣስታት 74 ሽሕ ፍልስጤማውያን ኣብ ኣብያተትምህርቲ ኣጽሊሎም ከምዘለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
- ኣብ ቓዛ ዝርከባ ሆስፒታላት ብማይ ኣዕለቕሊለን፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቛሪጹ ይርከብ።
- ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቓዛ እቲ እንኮ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ነዳዲ ክውድእ ከምዝኽእል ይገልጽ።
- ካልኦት ሓያሎ ሃገራት ድማ ዜጋታትቶም ብሓማስ ከምዝተቐትሉ ወይ ከምዝተጨውዩ ይገልጹ ኣለዉ።
- ኣመሪካ ኣጽዋር ዝጸዓና መራኽብ ናብ እስራኤል ኣጸጊዓ፡ ተወሳኺ ኣጽዋር ከምእትሰድድ ገሊጻ፤ ሓማስ ብወገኑ ነዚ ስጕምቲ ‘ተጻብኦታት ዘጋድድ’ ክበል ኮኒኑዎ ኣሎ።
- ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 48 ሰዓታት ናብ ቓዛ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ክትጅምር ትጽቢት ይገብሩ።
- ዋጋ ነዳዲ ካብ ትማሊ ሰኑይ ክውስኽ እንከሎ፡ ብሰንኪ'ዚ ግጭታት ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጽእ ፍርያት ክዘርግ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ተፈጢሩ ኣሎ።
ሓማስ እንታይ እዩ? ብዛዕባኡ ዝለዓሉ ሕቶታትን መልሶምን
ኣብ ቃዛ ልዕሊ 400፡ ኣብ እስራኤል ድማ ልዕሊ 700 ሰባት ተቐቲሎም
እስራኤል፡ ሓማስ መጥቃዕቲ ምክያድ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ዛጊድ 1000 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ልዕሊ100 ሰባት ጅሆ ከም ዝተተሓዙን ልዕሊ 2000 ድማ ከም ዝቖሰሉን እስራኤል ኣፍሊጣ።
ሰበስልጣን ፍልስጤም ብወገኖም፡ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ምድረበዳ ቓዛ ልዕሊ 400 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተለ ሓቢሮም።
ዕጡቓት ፍልስጤማውያን ብቐዳም ናብ እስራኤል ድሕሪ ምእታዎም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲን ዝተወንጨፈ ኣሽሓት ሮኬታትን እስራኤላውያን ከም ዝተቐተሉ ተገሊፁ ነይሩ።
ኦፊር ሊብስታይን ዝተበሃለ መራሒ ሓደ ዞባዊ ባይቶ ደቡባዊ እስራኤል ምስ ዕጡቓት ብዝተገብረ ምልውዋጥ ተዅሲ ተቐቲሉ።