እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 268 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኸቢብዎም

ሎሚ ቀዳም ብዘሎ ሓበሬታ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ 7.6 ሚላዮን ሰባት ኣስታት ፍርቆም (ልዕሊ 3.6 ሚልዮን) ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋነዮም። እንተኾነ ሕዱር ሕማም ዝነበሮም፡ ኣረጋውያንን ናይ ምጽዋር ዓቕሞም ድኹም ዝጸንሐን 425,869 ሰባት ድማ ብኮቪድ-19 ሞይቶም ኣለዉ መዓልታዊ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 900 ሰባት ሞይቶም

    ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራይ 941 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም።

    እዚ ድማ ንቑጽሪ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ዝሞቱ ሰባት ናብ 113 ሽሕን 803 ኣብጺሕዎ'ሎ።

    ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 2 ሚልዮንን 22 ሽሕን 488 ከምዝበጽሑ መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመልክት።

    መዓልታዊ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ቅምሶታት እትምርምር ኣሜሪካ ዛጊድ ልዕሊ 23 ሚልዮን ሰባት ምርመራ ኣካይዳ'ላ።

    ኣብ ዓለም በቲ ቫይረስ እተትሓዙ ዝበዝሑ ሰባት ክህልውዋ ዝኸኣለ ድማ ብዝሒ ምርመራ ክተካይድ ብምኽኣላ ከምዝኾነ ይግለጽ።

  2. ኣባላት ስድራ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ንቐዳማይ ሚንስትር ጣልያን ክኸሱ እዮም

    ዓቃቢ ሕጊ ምርመራ ንምጅማር ንቐዳማይ ሚንስትር ጁሰፐ ኮንተ ንሎሚ ዓርቢ ቆጸሮ ኣትሒዝዎ'ሎ።

    ስድራ ግዳያት "መንግስቲ ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣይወሰደን፤ ኣባላት ስድራና ዝሰኣንና መንግስቲ ብዝነበሮ ዕሽሽታ'ዩ" ዝብል ክሲ ኣቕሪቦም።

    እቲ ሎሚ መዓልቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኮንተ ዝራኸብ ዓቃቢ ሕጊ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንመጀመርታ ኣብ ዝተርኣየሉ እዋን ብዛዕባ ዝተወሰዱን ክውሰዱ ዝነበሮምን ስጉምትታት ኣመልኪቱ ሕቶታት ከቕርበሉ ትጽቢት ይግበር።

  3. ስግኣት ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዋጋታት መሸጣ ብርክታት ምንቁልቋል ኣኸቲሉ

    ስግኣት ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘንቀሎ ኣብ ዋጋታት ዓለምለኻዊ መሸጣ ብርክታት ምንቁልቋል ተራእዩ።

    ኣሜሪካ ቁጠባኣ ናብ ንቡር ንኽምለስ ነዊሕ ከምዝወስደላ ድሕሪ ምግላጻ ዋጋታት ዓለምለኻዊ መሸጣ ብርክታት ኣዝዮም ከምዘንቆልቆሉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

    ኣብታ ሃገር እተን ዓበይቲ ዝባሃላ ሸየጥቲ ብርክታት ኣብዚ ሰሙን እዚ ዋግአን ብ7 ሚእታዊት ብምንቁልቋል ዝሓሰረ ዋጋ ኣመዝጊበን ኣለዋ።

    እቲ ምንቁልቋል ዋጋታት ኣብ ጃፓን፤ ሆንግኮንግን ቻይናን ’ውን ተራእዩ እዩ።

    ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ስዒቡ፤ መሸጣ ብርክታት ጽላታት ጸዓትን መጓዓዝያን ካብቲ ቀንዲ ዋግኡ ዝሓሰረ ኮይኑ ኣሎ።

    ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ -

  4. ኣወስትራልያ ክሳብ 10 ሽሕ ሰባት ምትእኽኻብ ክተፍቅድ'ያ

    ኣወስትራልያ ልዕሎ 100 ሰባት ምትእኽኽብ ዘይፈቅድ ኣዋጃ ዝቕጽል ሰሙን ክተልዕሎ እያ።

    እታ ሃገር ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ 10 ሽሕ ሰባት ዝተኣኻኸቡሎም መድረኻት ክተፍቅድ ምዃና ቀዳማይ ሚንስትር ስኮት ማሪሰን ተዛሪቡ።

    እዚ ድማ ብፍላይ ንስፖርታዊ ምትእኽኻባት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

  5. ሰላም ከመይ ሓዲርኩም

    ኣብዚ ዝዕለት ዝህልዉ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።