እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣብ ኢትዮጵያ 169 ተወሰኽቲ ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት፡ ን5789 ሰባት ብዝተገብረሎም መርመራ፡ 169 ካብኦም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከም ዝጸንሑ ሰብመዚ ጥዕና ኣፍሊጦም። ሓደ ወዲ 35 ዓመት’ውን በቲ ሕማም ሞይቱ’ሎ። እቲ ግዳይ፡ ድሕሪ ሞቱ ኣብ ዝተገብረሉ መርመራ’ዩ እቲ ቫይረስ ከም ዝነበሮ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ተወሳኺ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ፡ ብቐጥታ ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ ትረኽቡ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ናይጄሪያ፡ በረራ ውሽጢ ሃገር ክትጅምር እያ

    በዓል መዚ ኣቪየሽን ናይጄሪያ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝግበሩ በረራታት ጥራሕ ሓሙሽተ መዓርፎ ነፈርቲ ክኸፍት እየ ኢሉ።

    ናይጄሪያ፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወሰደቶም ስጉምታት ተፍኩስ ዘላ ኾይና፡ እዚ በረራ 21 ሰነ 2020 ክጅምር እዩ።

    ሓላፊ በዓል መዚ ኣቪየሽን፡ ሙሳ ኑሁ፡ ኣብ ከተማ ኣቡጃ፣ ሌጎስ፣ ፖርት ሃርኮርት፣ ካኖን ኢሞን ዘለው መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኽፈቱ ብምግላጽ፡ “ዝህልወና ኣፈጻጽማ ገምጊምና ክንውስኽ ኢና” ኢሉ።

    “ዓለምለኻዊ በረራታት ግን፡ ተዓጽዮም ክጸንሑ እዮም” ኢሉ።

    ናይጄሪያ፡ ጥቡቕ ሕግታት ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ-19 ተኸቲላ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዘለው ዜጋታታ ዝመልሱን፡ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ዘበጻጽሓ ነፈርትን፡ በረራ ተካይድ ኣላ እያ።

  2. ብምኽንያት ቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ሓድሽ ክሲ ተመስሪቱ

  3. ህንዲ ናይ ውሸባ መዓልታት ናብ ሸውዓተ ኣጉዲላቶ

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርኣይ ኣትሒዙ፡ ኩለን ሃገራት ካብ ደገ ዝኣትው ዜጋታተን ኮኑ ገያሾ፡ ን14 መዓልታት ክውሸቡ ይገብራ ነይረን።

    ደልሂ ድማ፡ እዚ ን14 መዓልታት ዝነበረ ናይ ውሸባ ግዜ፡ ናብ ሸውዓተ ኣጉዲላቶ ኣላ።

    በዚ መሰረት፡ ብነፋሪት፣ መኪናን ባቡርን ናብታ ከተማ ዝኣትው ሰባት፡ ንሸውዓተ መዓልታት ካብ ገዝኦም ክወጹ ኣይፍቀደሎምን።

    ደልሂ፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምንካይ ወጺኦም ዝነበሩ እገዳታት ክፎኽሱ ብምግባር፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን እንዳ ጸጉሪ ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ትካላት ክኽፈቱ ገይራ እያ።

    በዚ ምኽንያት፡ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ክትረክብ ጀሚራ።

    ኣብታ ከተማ፡ ልዕሊ 23 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም እዮም። ልዕሊ 100 ናይ መወሸቢ ቦታታት ድማ ኣዳልያ እያ።

    መረዳእታ ሚኒስትሪ ጥዕና ህንዲ ከም ዘመላኽቶ፡ ኣብታ ሃገር በዚ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ልዕሊ 200 ሽሕ እዮም።

  4. ኣውስትራሊያ፡ ንዶባታ ከፊታ

    ኣውስትራሊያ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተዓጽዮም ንዝነበሩ ኩሎም ዶባታ ከፊታ።

    ምስ ጣልያን ዘራኽባ ዶብ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተኸፈተን።

    “ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ድማ፡ ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣቱ ሰብ መርመራ ኣይግበረሉን” ኢሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሌክሳንደር ሻለንበርግ።

    ምስ ጥልያን ኣብ ዘራኽባ ዶብ ዘሎ ኩነታት ድማ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ከም ዝግምገምን፡ ሰባት ካብ ዞባታት ጥልያን ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትው ንምፍቃድ’ውን ዕድላት ከምዝመቻቸውን ምግላጹ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

    ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ጀሚራ ዶባታ ዝዓጸወት ኣውስትራሊያ፡ ኣስታት 16 ሽሕ መልከፍቲታት ጥራይ እያ ኣመዝጊባ።

  5. ኣብ ብራዚል ዘጋጥም ሞት ይውስኽ ኣሎ

    ብራዚል ንኻልኣይ መዓልቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ 1349 ሰባት ከም ዝሞቱዋ ገሊጻ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቑጽሪ ኣብታ ሃገር ብኮቪድ-19 ዝሓመሙ ሰባት ኣስታት 600 ሽሕ ኮይኑ፡ ልዕሊ 32 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም’ዮም።

    ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ዘጋጥም ሞት ይውስኽ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ብራዚል ቀዋሚ ሚኒስትር ጥዕና እውን የብላን።

    ትማሊ ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ኾይኑ ዝተሾመ ኤድዋርዶ ፓዜሎ፡ ንሰለስተ ሰሙን ጥራሕ እዩ ሚኒስትር ጥዕና ኮይኑ ሰሪሑ።

    እዚ፡ ንመብዛሕተኦም ዜጋታት እታ ሃገር፡ መንግስቲ ፌደራል ሓደጋ እዚ ለበዳ ኣዐርዩ ኣይተገንዘቦን ዝብል ስምዒት ኣሕዲሩሎም ኣሎ።

    ኣብዚ ሰሙን፡ ፕሬዝደንት ጃየር ቦልሶናሮ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ንዘጋጥም ዘሎ ሞት ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ “ሞት ዕጫ ኩሉ ፍጡር እዩ” ብምባል፡ መራኸብቲ ማዕኸናት ህዝቢ ብራዚል ክርዕድ ይገብራ ኣለዋ ኢሉ ነቒፉ ነይሩ።

  6. ቻይና ናይ ወጻእ ሃገራት በረራ ከተፍቅድ እያ

    ተቖጻጻሪ ሲቪል ኣቪየሽን ቻይና፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓለምለኻዊ በረራ ክገብሩ ዘይተፈቐደሎም ናይ ወጻኢ መገዲታት ኣየር፡ ናብ ቻይና ክበሩ ከነፍቅደሎም ኢና ኢሉ።

    እዚ ካብ ቀዳም ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዘ፡ ካብን ናብን በረራ ክገብሩ ክፍቀደሎም እዩ።

    ምምሕዳር ሲቨል ኣቪየሽን ቻይና ከም ዝበሎ፡ ብቕዓቶም ዝተረጋገጸ መገዲታት ኣየር፡ ናበየነይቲ ከተማ ክበሩ ይደልዩ ዝብል ናይ ምምራጽ መሰል ኣለዎም እዩ።

    ቻይና፡ ዋንነተን ናይ መገዲ ኣየር ኣሜሪካ ዝኾና ነፈርቲ ናብ ሃገራ ከይኣትዋ ኸልኪላ እያ ብምባል፡ ኣሜሪካ ኩሎም መገዲታት ኣየር ቻይና ናብ ኣሜሪካ ዝገብሮም በረራታት ክእገዱ መምርሒ ምስ ሃበት እያ ቻይና ዓለምለኻዊ በረራታት ክካየዱ ፈቒዳ ዘላ።

  7. 'ኣቦይ፡ እቲ ዓማጺ'

  8. ኢራን ዳግም ብለበዳ ኮቪድ-19 ከይትጥቃዕ ሰጊኣ

    ኣብ ኢራን፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሓሙ ሰባት፡ ዳግም ይውስኽ ኣሎ።

    ኣብዘን ክልተ መዓልታት፡ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም።

    እዚ ድማ፡ ብዝሒ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 160 ሽሕ ሓፍ ኣቢሉዎ።

    ብተወሳኺ ኣብዘን ክልተ መዓልታት፡ 70 ሰባት ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም፡ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ናብ 8012 ክብ ኢሉ።

    ኢራን፡ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ኣንቢራቶ ዝነበረት ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ኣላሕሊሓቶ እኳ እንተነበረት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ናብ ቦትኡ ክምለስ ከምዝኽእል መንግስቲ ኣተሓሳሲቡ።

    “ኣብ ዝኾነ ክፋል እታ ሃገር፡ መንግስቲ ዝሃቦም መምርሒታት እንተዘይተኸቢሮም ወይ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት እንተወሲኹ፡ ዳግም ምንቅስቓስ ሰባት ክንግድብ ኢና” ኢሉ ፕሬዝደንት ሓሰን ሮሃኒ።

  9. 'ትግራይ፡ ኣብ ሰለስተ ወርሒ፡ ልዕሊ 133 ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙወን'

  10. ድሓን'ዶ ሓዲርኩም, እንኳዕ ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ብደሓን መጻእኩም

    ኣብዚ ዕለት፥

    · ኢራን፡ መዓልታዊ ሰለሽተ ሽሕ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝግብ ኣላ። ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ፡ ካብ 30 መጋቢት ንድሓር እቲ ዝለዓለ ኮይኑ፤ ኢራን ሓንቲ ካብተን ኣዐርየን በዚ ለበዳ ተሃስየን ዝነበራ ሃገራት እያ።

    · ሜክሲኮ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱዋ ተገሊጹ። እዚ ቅድም ኢሉ ካብ ዘጋጥም ዝነበረ፡ ክልተ ዕጽፊ ኮይኑ፡ መዓልታዊ ዝርኣይ መልከፍቲ’ውን 3912 ከም ዝኾነ ተሓቢሩ።

    · ኣውስትራሊያ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ዳርጋ ኩሎም ዶባታ ትኸፍት ኣላ። ድሕሪ ሕጂ ናብታ ሃገር ዝኣትው ተጉዓዝቲ ኣይክውሸቡን፡ መርመራ’ውን ኣይግበረሎምን።

    · ብደረጃ ዓለም 6.4 ሚሊዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ከም ዝሓመሙን እቶም 383 ሽሕ ከም ዝሞቱን ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ይገልጽ።