ብሪጣንያ፡ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ልዕሊ 40, 000 በጺሑ
ሰብመዚ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ 40,261 በጺሑ’ሎ።
ካብ ትማሊ ሓሙስ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ፡ 357 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብብዝሒ ሞት: ኣብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ። ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዘላ ኣመሪካ፡ ልዕሊ 108 000 ሰባት ግዳያት እቲ ቫይረስ ኮይኖም ኣለዉ።
ሚኒስተር ጥዕና ማት ሃንኮክ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ በጻሕቲ ሆስፒታላትን፡ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ኩሉ ግዜ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ መምርሒ ወጺኡ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ካብ 15 ሰነ ጀሚሩ፡ ኩሉ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝጥቀም ሰብ መሸፈኒ ክገብር ክግደድ ምዃኑ መንግስቲ ኣፍሊጡ’ሎ።
እቲ ሚኒስተር፡ ነቲ ለበዳ ንምግታእ ህዝቢ ኣብ ዓበይቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ከይሳተፍ ተማሕጺኑ።