ኮቪድ-19፡ ናይጄሪያ መድሓኒት ዓሶ ኮሮናቫይረስ ንምሕካም ክትፍትኖ እያ
ሓለፍቲ ጥዕና ናይጄሪያ፡ መድሓኒት ዓሶ መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ክውዕል ይኽእል’ዶ ዝብል ንምፍላጥ ፈተነ ከነካይድ ኢና ኢሎም።
ሰራሕተኛታት ጥዕናን በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፉ ሰባት ቐረባ ዝኾኑ ሰባትን ክሎሮኲን ወይ ፓልሴቦ ክወሃቦም ምዃኑ ኮሚሽነር ጥዕና እታ ሃገርሓቢሩ።
እዚ ንኻልኣይ ግዜ ዝግበር ፈተነ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምትሕብባር እዩ ክካየድ።
ሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዝብሉዎ፡ ናይዚ ውጽኢት ግን ድሕሪ ኽልተ ወርሒ እዩ ዝፍለጥ።
ኣብዚ ሰሙን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃይድሮክሎሮኲን ይወስድ ኣለኹ ኢሉ ንጋዜጠኛታት ምስ ተዛረበ፡ እዚ መድሓኒት ብቕዓቱ ስለ ዘይተረጋገጸ ካልኦት ጎናዊ ሳዕቤናት ከየምጽእ ስለ ዝስጋእ ከቢድ ተቓውሞ ገጢሙዎ ነይሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም’ውን፡ ንነብሶም ንምሕካም ብተበግስኦም ነዚ መድሓኒት ዝወስዱ ውልቀሰባት ከቢድ ሓደጋ ከስዕበሎም ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ክውሰድ ከም ዘይብሉ ኣጠንቂቑ።
ክሳብ ሕጂ፡ እዚ ክሎሮኲን ዝተብሃለ መድሓኒት ዓሶ፡ ኮሮናቫይረስ ንምፍዋስ የኽእል እዩ ዝብል ዝተጸንዐ መረጋገጺ ብዘይምህላው፡ ሓደገኛ ናይ ልቢ ጸገም ከምጽእ ይኽእል እዩ።