ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ትሸዓተ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም

ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ትሸዓተ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም፤ እቲ ሓደ ካብ ትግራይ እዩ። ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም'ውን፡ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ገና ብሕጂ ክውስኽ እዩ ኢሎም የጠንቅቑ። ኣብዚ ዕለት ንዝህልው ምዕባለታት ብቐጥታ ከነቕርበልኩም ኢና፤ ቢቢሲ ትግርኛ ምርጫኹም ጌርኩም ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ዶካትር ናይጀርያ ፖሊስ ኣትኪሩና ብዝብል ዝጀመርዎ ዓመጽ ስራሕ ደው ምባል ከምዝገደፍዎ ኣፍሊጦም

    ምልክት ባንዴራ ናይጀርያ ዝሓዘ ዶክተር

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ከተማ ሌጎስ - ናይጀርያ ዝርከቡ ዶካትር ፖሊስ ብምኽንያት ኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶ ኣብ ልዕሊኦም ተደጋጋሚ ጥቕዓት ይፍጽም ከምዘሎ ብምሕባር ተቓውምኦም ንምግላጽ ስራሕ ደው ኣቢሎም ነይሮም።

    ማሕበር ሰብሞያ ሕክምና ናይጀርያ'ውን ካብ ኣባላቱ ተደጋጋሚ ሓበሬታ ጥቕዓት ምስበጽሖ ኣባላቱ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ብሰሉስ መምርሒ ሂቡ ነይሩ።

    ፖሊስ እታ ሃገር ንሓንቲ ሕሙም ሒዛ ትኸይድ ዝነበረት ኣምቡላንስ ደው ኣቢሉ ኣብኡ ንዝነበሩ ሰብ ሞያ ሕክምና ከምዝኣሰረ ሓበሬታ በጺሑኒ ይብል እቲ ማሕበር።

    ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ብምኽንያት ሰዓታት እቶ እቶ ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከምዘይበጽሖም ካብ ፖሊስ ውሕስነት ስለዝተወሃቦም ዝጀመርዎ ዓመጽ ኣቋሪጾም ናብ ስራሕ ተመሊሶም ኣለዉ።

    ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓማዱ ቡሃሪ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰብሞያ ሕክምና ዝርከብዎም ካልኦት ወሰንቲ ዝበሃሉ ሰራሕተኛታት ካብቲ ብምሸት ዝተደንገገ ሰዓት እቶ እቶ ነጻ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

  2. ኣብ እዋን ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ተዓቚሩ ዝነበረ ሃብቲ ዝረኸቡ ህጻናት

    ዕጽዋ ወይ እገዳ ምንቅስቓስ ክኸብድ ይኽእል ይኸውን ንገለ ሰባት ግን ረብሓታት ከምጸኣሎም ተራእዩ'ሎ።

    እቲ ጉዳይ ናብ ሰሜን ምዕራብ ፈረንሳ ይወስደና። እዞም ክልተ ህጸናት ምናልባት ኣብዚ እዋን ዕጽዋ እቶም ብሉጻት ዕድለኛታት ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።

    ኣብ መንበሪ ገዛ እንዳ ኣቦሓጎኦምን እኖሓጎኦምን ንነዊሕ እዋን ዝተሓብአ ዕቑር ሃብቲ ረኺቦም ኣለዉ።

    ንመጻወቲኦም ዝኸውን መሕብኢ ንክሰርሑ እንታይ ከምዘድልዮም ንወላዲ ኣቦኦም ሓገዝ ይሓትዎ።

    ክቡር ዝኾኑ ናውቲ ዘጫርት ፊሊፔ ሮዊላክ ንሓደ ጣብያ ተሌቪዥን ከምዝሓበሮ፡ ኣቦ እቶም ቆልዑት እቲ ዝደለይዎ መሕብኢ ንኽሰርሑ ካብ ሓደ ብዙሕ ኣገልግሎት ዘይህብ ክፍሊ ናይ እኖሓጎኦም ኣንሶላታት ኣምጺኦም ክጥቀሙ ይነግሮም።

    "ከም ኣጋጣሚ ድማ ካብቲ ኣንሶላ ክልተ ክብደት ዘለዎም ነገራት ወዲቖም" ይብል እቲ ኣጫራቲ።

    ኣቦ'ቶም ቆልዑ ነቶም ዝተረኸቡ ክብደት ዘለዎም ነገራት ሒዙ ናብቲ ኣጫራቲ ይኸይድ። ክልቲኦም ዝተረኸቡ ነገራት ብቕርጺ ርቡዕ ኩርናዕ ዝተጠፍጠፉ ወርቒ [ጎልድ ባርስ] ነይሮም።

    ሚዛኖም ብነብሲወከፍ 1 ኪሎ ግራም ክኸውን ከሎ፡ ብነብሲ ወከፎም ከኣ ልዕሊ 45 ሽሕ ፓውንድ ይግመቱ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  3. ንኽልተ ኣዋርሕ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ታይላንድ ዝተዓጸዉ ናይጀርያውያን

    ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተዓጊቶም ዝጸንሑ ናይጀርያውያን

    ምንጪ ስእሊ, Special Affairs and Public Relations Suvarnabhumi Airport

    እቶም ሰለስተ ናይጀርያውያን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዋና ከተማ ታይላን ባንኮክ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ክጸንሑ ተገዲዶም'ዮም።

    እቶም ናይጀርያውያን ናብ ሃገሮም ክወጽኡ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ብዝብል እገዳ ጉዕዞ ስለዝተነበረ እዩ።

    በዚ ምኽንያት ከኣ ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክጸንሑ ተገዲዶም።

    ብርግጽ መገሽኦም ናብ ሃገሮም ናይጀርያ ኣይነበረን። እቶም ክልተ ናብ ላኦስ ሳልሳዮም ድማ ናብ ሚያንማር'ዮም ክኸዱ ናብ ኣየር ዝተሳፈሩ።

    ኮይኑ ግን ዶባት ናይተን ሃገራት ስለዝተዓጸወ ክልተ ወርሒ ዝኣክል ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክጸንሑ ክኢሎም።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

    ካብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ወጺኦም ኣብ ከተማ ባንኮክ ከይጸንሑ ናይ ታይላንድ ቪዛ ኣይነበሮምን። ታይላንድ መሰጋገሪቶም [ትራንዚት ዝገብሩላ] ሃገር'ያ ነይራ።

    ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ድማ መዕርፎ ነፈርቲ ናይጀርያ ብምኽንያት ስግኣት ኮሮናቫይረስ ተዓጽዩ'ዩ።

    ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዕድል ረኺቦም ኣለዉ።

  4. ካብ ሊባኖስ ናብ ሃገረን ክምለሰ ዝደልያ ኢትዮጵያውያን ንሓደ ጉዕዞ ነፋሪት ብዙሕ ገንዘብ ተሓቲትና ኢለን

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበራ ኢትዮጵያውያን

    ምንጪ ስእሊ, JOSEPH EID

    ናብ ሃገረን ክምለሳ ዝደልያ ኣብ ሊባኖስ ዝርከባ ኢትዮጵያውያን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንሓደ ጉዕዞ በረራ ብዙሕ ገንዘብ ሓቲቱና ክብላ ቅሬትአን ገሊጸን።

    ኣብ ሊባኖስ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም እንተኾይኖም ካብ ቤይሩት ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝግበር ሓደ ጉዕዞ 680 መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ድማ 580 ዶላር ክኸፍሉ ከምዝተሓተቱ ንቢቢሲ ተዛሪበን።

    ኣብታ ሃገር ነዊሕ እዋን ዝጸንሐት ትነበብ በሃይሉ “ብናይ ሓገዝ መግቢ ዝናበሩ ሰባት ከመይ ገይሮም’ዮም 680 ወይ 580 ዶላር ክኸፍሉ ዝኽእሉ? ኣብታ ሃገር ዘይርከብ ዶላርከ ካበይ’ዩ ክመጽእ? እቲ ዋጋ ኣዝዩ ክባር’ዩ” ክትብል ኣረዲኣ።

    ቅድሚ ሕዚ ከቢሩ እንተተባሂሉ ካብ በይሩት ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝግበር ጉዕዞ 350 ዶላር ይኽፈል ከምዝነበረ’ውን ኣዘኻኺራ።

    “ኣይኮነን’ዶ ንሕና ሊባኖሳውያን እውን ዶላር ንምርካብ ተጸጊሞም’ዮም ዘለዉ። 580 ዶላር ንምርካብን ናብ ኤምባሲ ከይደን ንኽምዘገባ ሰብነተን [ክብረን] ኣሕሊፈን ክሳብ ምሃብ ዝበጽሓ ኣለዋ” ኢላ ትነበብ።

    መረዳእታ ፎረም ቁጠባ ዓለም እንተኾይኑ፡ ሊባኖስ ካብተን ኣብ ዓለም ዝለዓለ እኩብ ዕዳ ዘለወን ሃገራት ብሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ።

    ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይ ብዘልዕልዎም ተቓውሞታት ክትሕመስ ዝጸንሐት ኮይና፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝኽሰት ንደሓር ግን እቶም መናእሰይ ንተቓውሞ ናብ ኣደባባት ክወጽኡ ብዘይምኽኣሎም ቁሩብ ዕረፍቲ ረኺባ’ላ። እዚ እዋን ለበዳ ከኣ ንቑጠብኣ ብዝያዳ ክሃስዮ ከምዝኽእል ይግመት።

  5. ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ትሸዓተ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም

    መርመራ ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገብረ መርመራ 3747 ቅምሶታት፡ ትሸዓተ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም።

    እቶም እዚ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት፡ ሰለስቲኦም ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም፡ ክልተ ካብ ክልል ዓፋር፣ ሓደ ኣብ ትግራይ ኣብ ማይ ካድራ ካብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል፣ ክልተ ድማ ካብ ክልል ኣምሓራ እዮም።

    ካብዚኦም እቶም 5 ናብ ወጻኢ ሃገር ተጓዒዞም ዝነበሩ ምዃኖም ሚኒስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረሰተብን ዘውጽኡዎ መግለጺ የመልክት።

    ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ሓደ ሰብ ካብቲ ሕማም ዝሓወየ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ዝነበሩ 123 ሰባት ሓውዮም ኣለው።

    ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ ቑጽሮም 398 በጺሑ ኣሎ።

  6. ኣብ ቦትስዋና ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብቂዑ

    ፖሊስ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ቦትስዋና ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኣዊጃቶ ዝነበረት እገዳታት ስለ ዘብቅዐ፡ ትካላት ንግድን ኣብያት ትምህርትን ክኽፈቱ ከተፍቅድ እያ።

    እቲ ን48 መዓልታት ዝጸንሐ ኣዋጅ ዕጽዋ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከተፍኩሶ ጀሚራ ነይራ።

    እዚ ትማሊ ምሸት ዘብቅዐ ኮይኑ፡ መንግስቲ ዜጋታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐሱ ከለው መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙን ኣእዳዎም ብዝግባእ ብማይን ሳሙናን ክሕጸቡን ኣተሓሳሲቡ።

    “ካብ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ኩሎም እገዳታት ዝለዓሉ ኮይኖም፡ ናብ ዝተመረጻ ዞባታት ዝግበር ምንቅስቓስ ድማ ብፍሉይ ፍቓድ ዝተሰነየ ክኸውን እዩ” ኢሉ ኣተሓባባሪ ሓይሊ ሕማም ምቁጽጻር ኮቪድ-19 ዶክተር ክሬንግ ማሱፑ።

    እቲ ኣተሓባባሪ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ኣብ ባህሪ እቲ ለበዳ ብምድራኽ፡ ዳግም ኣዋጅ ዕጽዋ ከም ኣማራጺ ምውሳድ ኣብ ግምት ውሽጢ ኣእቲና ኢና ንኸፍቶ ዘለና” ኢሉ።

    ካብ ካልእ ሃገር ናብ ቦትስዋና ዝመጽኡ ዜጋታት ድማ፡ ን14 መዓልታት ክውሸቡ ግድን ኮይኑ፡ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዓዲ ግን ሕጂ’ውን ክኣትው ኣይፍቀደሎምን።

    ቦትስዋና ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክትነጻጸር እንከላ ዝተሓተ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ዘለዋ ኮይና፡ ብሓፈሻ 29 እዮም።

    በዚ ምኽንያት ድማ፡ ሓደ ሰብ ጥራሕ እዩ ሞይቱ።

  7. ኢትዮጵያ ስለምንታይ'ያ ካብ ባንኪ ዝወጽእ መጠን ገንዘብ ገዲባ?

    ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ፡ ትካላት ኮኑ ውልቀሰባት፡ መዓልታውን ወርሓውን ካብ ባንኪ ከውጽእዎ ዝኽእሉ መጠን ጥረ ገንዘብ ደሪቱ ኣሎ።

    ብመሰረት እዚ፡ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 200 ሽሕ ብር፤ ኣብ ወርሒ ድማ ክሳብ ሓደ ሚሊየን ብር ካብ ባንኪ ብጥረ ገንዘብ ከውጽእ ይኽእል።

    ትካላት እንተኾይኖም ድማ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 300 ሽሕ ብር፤ ኣብ ወርሒ'ውን ክሳብ 2.5 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብ ከንቀሳቕሱ ይኽእሉ ይብል።

    ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶክተር ይናር ደሴ፡ "ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ስርዓት ብምትሓዝ፣ ገበንን ምትላል ግብርን ንምክልኻል ንክሕግዝ" ነዚ ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ሓቢሩ።

    በዓል ሞያ ስነ ቑጠባ ኣቶ ዋሲሁን በላይ፡ "ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስን ካልኦት ጉዳያትን ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ጥሪቶም ኣብ ኢዶም ክሕዙ'ዮም ዝደልዩ" ዝብል ኣቶ ዋሲሁን፡ ንመንግስቲ ብግልጺ ሕጽረት ባጤራ ኣጋጢሙኒ'ዩ ኢልካ ምዝራብ ዘስዕቦ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ከቢድ እዩ ይብል።

    "ብምኽንያት እዚ ለበዳ ሰባት ንመድሓኒት፣ ሕክምናን መግብን ዝኾኑ ወጻኢታት ጥራሕ እዮም ዘውጽኡ ዘለው" ዝብል እዚ በዓል ሞያ፡ ብተወሳኺ ጽባሕ ብዝመጽእ ነገር ትስፉው ዘይምዃን ገንዘብካ ኣብ ባንኪ ናይ ምቕማጥ ድልየት ክትስእን እዩ ዝገብር ክብል የረድእ።

    በዓል ሞያ ስነ ቑጠባ ዶክተር ጉቱ ቴሶ ስጉምቲ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ከም ዝዛይዱ ይጠቅስ።

    "እዚ ስጉምቲ ሓደገኛ እዩ። ድሕሪ ሕጂ ዝኾነ በዓልቲ ሃፍቲ ዝኽፈሎ ባጤራ ብጥረ ገንዘብ ተቐቢሉ ኣብ ገዝኡ ክኽዝን እዩ። እዚ ድማ ገንዘብ ናብ ባንኪ ኣትዩ ምንቅስቓስ ከይፍጠር እዩ ዝገብር" ክብል ዚያዳ ጎዳኢ ውሳነ ምዃኑ የብርህ።

    ገንዘብ ትቖጽር ዘላ ሰራሕተኛ ባንኪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  8. ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ሓጺነ መጺን ንሕሙማት ኮሮናቫይረስ መተንፈሲ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ

    ክልተ ኣባላት እታ ጉጅለ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እዘን ኣብ ኣፍጋኒስታ ዝርከባ ኣባለት ሓደ ሮበት ዝሰርሕ ጉጅለ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት ተጠቒመን ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙን ሕጽረት ምትንፋስ ዘጋጥሞም ሰባት ንምሕጋዝ ዝውዕል መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ [ቬንትሌተር] ይሰርሓ ኣለዋ።

    እዚ ዓብዪ ስግኣት ዓለም ዝኸውን ዘሎ ሕማም ዘስዕቦ ሞት ንምንካይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል መሳርሒ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ኣፍርየን ክውድኣ እየን፤ ብዝተሓተ ዋጋ ክቐርብ ድማ ትጽቢት ይግበር።

    እዛ ንዓሰርተታት ዓመታት ብኲናት ዝዓነወት ሃገር፡ 40 ሚሊዮን ዝጽጋዕ ህዝቢ እንተሃለዋ'ውን 400 ቬንትሌተር ጥራሕ እዩ ዘለዋ።

    ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 7650 ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣለውዋ። ካልኦት 178 ሰባት ድማ ብምኽንያት እዚ ሕማም ሞይቶም።

    ሰበ ስልጣን እታ ሃገር፡ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ክውስኽ ከም ዝኽእልን ነቲ ብኲናት ዝተዳኸመ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ከፈራርሶ ከም ዝኽእልን ስግኣቶም ይገልጹ።

    "በቲ እንሰርሖ መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ ህይወት ሓደ ሰብ ክነድሕን እንተኽኢልና ዓብዪ ነገር እዩ" ትብል ጓል 17 ዓመት ኣባል እታ ጉጅለ ናሂድ ራሂማ።

    እዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ "ሰብ ሕልሚ ኣፍጋኒስታን" ኢሎም ይጽውዑወን። ናይ መጀመርታ ሕሙም ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተረኸበላ ሄራት ተባሂላ እትጽዋዕ ዞባ ድማ ይርከባ።

  9. ኣብ ውሽጢ መኪና ኾይንካ ዝረኣይ ‘ኮንሰርት’ ሙዚቃ

    ሙዚቃ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን፡ ኣሸምባይዶ ተኣኪብካ ጓይላን ትልሂትን ምግባርሲ፡ እቶም ኣገደስቲ ዝኾኑ ዕለታዊ ተግባራት ምፍጻም እኳ ከቢድ ኮይኑ’ሎ።

    ኣብ መንጎ እዚ ጸገም ግን፡ ገለ ሰባት መዋጽኦ መገዲ የናድዩ እዮም ዘለዉ።

    ኣብ ሲድኒ ኣውስትራልያ፡ ‘ኮንሰርት’ ሙዚቃ ዘዳልዉ ሰባት ሓደ ምህዞ ሒዞም ተቐልቂሎም ኣለዉ።

    ሰባት ኣብ መኪነኦም ኮይኖም ‘ኮንሰርት’ ክርእዩ። እዚ ጓይላ ድማ፡ ሎሚ ይካየድ ኣሎ።

    ሙዚቃ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    እተን መካይን፡ 2 ሜትሮ ተራሓሒቐን እየን ደው ክብላ።

    ሓደ ደርፊ ክውዳእ ከሎ፡ ናእደኦም ክገልጹ ዝደልዩ ሰባት፡ ጡሩምባ ናይ መኪነኦም ክነፍሑ፡ ወይ’ውን ነቲ ኣብ መስትያቶም ዘሎ ናይ ዝናብ መጽረጊኦም ንየማነ ጸጋም ኣንቀሳቒሶም ናእደኦም ክገልጹ ይኽእሉ።

    ዋላ ምጥቓዕ’ውን ይፍቀድ እዩ። ግንሲ፡ ኣይስማዕን።

  10. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ዝውለድ ክልተ መዓልቲ ዝገበረ ዕሸል ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ

    ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈት ሓንቲ ኣደ፡ መዓልቲ ሕርሳ ከይኣኸለ ዝወለደቶ ዕሸል፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ሞይቱ።

    በዚ ድማ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ዝሞተ ብዕድመ ዝነኣሰ ሰብ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

    እቲ ህጻን ምስተወለደ ናይ ሳንቡእ ጸገም ዝነበሮ ኮይኑ፡ ሽዑ ንሽዑ ብመተንፈሲ መሳርሒ ከስተንፍስ እዩ ተገዲዱ።

    “ኣዲኡ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈት ብምርመራ ዝተረጋገጸ ክኸውን ከሎ፡ ንሱ’ውን በቲ ቫይረስ ምልካፉ ብምርመራ ተረጋጊጹ እዩ” ኢሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ልዑል መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዘለዋ ሃገር እያ።

  11. ኮሮናቫይረስ፡ ብዛዕባ ክሎሮኲንን ኮሮናቫይረስን እንታይ ንፈልጥ?

    መድሓኒት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዋላ'ኳ ተመራመርቲ ብዛዕባ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ እንተ ኣጠንቂቑ፡ ብኮሮናቫይረስ ንከይልከፍ፡ሃይድሮክሲክሎሮኲን ይወስድ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

    ሃይድሮክሲክሎሮኲንን ተመሳሳሊ መድሃኒት ክሎሮኲንን፡ ኮቪድ-19 ኣብ ምፍዋስ ውጽኢታዊ እንተኾይኖም ንምርግጋጽ፡ መጽናዕትታት ይካየድ ኣሎ።

    ንሕና'ውን ዛጊት ብዛዕባ እዞም ኣፋውስ ዝፍለጡ ጉዳያት ፈቲሽናዮም ኣሎና።

  12. ሓድሽ ዜና, ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 5 ሚልዮን ኮይኑ

    ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ኮይኑ።

    ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝእክቦ ሓበሬታ ከምዘርእዮ፡ ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ድማ 328,172 እዩ።

  13. ውሃን እንስሳት ዘገዳም ምምጋብ ኣጊዳ

    ሰበ ስልጣን ውሃን፡ ሃደንን ምምጋብን ስጋ እንስሳት ዘገዳም ከምኡ’ውን ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣጊዶም።

    ግሎባል ታይምስ ቻይና ከም ዝጸብጸቦ፡ ዝኾኑ እንስሳት ዘገዳምን፡ ክዕቀቡ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተዘርዘሩ ማያዊ እንስሳትን ምምጋብ ተኸልኪሉ ኣሎ።

    ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውሃን ክኽሰት እንከሎ፡ ስጋ እንስሳት ዘገዳም ዝሽየጠሉ ዕዳጋ መልዐሊ እቲ ቫይረስ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ነይሩ።

    ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ከምቲ ቫይረስ ሳርስ ክኽሰት ከሎ ዝወሰደቲ ስጉምቲ፡ ቻይና ንግዝኡ መሸጣ ስጋ እንስሳት ዘገዳም ጠጠው ክብል ገይራ ነይራ።

    እንተኾነ፡ ናይ እንስሳት ዘገዳም ስጋ ኣብ ዕዳጋታት ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ይሽየጥ ምንባሩ ዝሕብሩ ጸብጻባት ይወጽኡ ነይሮም።

    ክሳብ ሕጂ፡ ምንጪ ኮሮናቫይረስ እንታይ እዩ ዝብል ዝተፈልጠ ነገር የለን፤ ካብ እንስሳት ዝተበገሰ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመላኽቱ መረዳእታታት ግን ኣለው።

  14. ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተለኸፋ ኣዴታት፡ 100 ህጻናት ዘዋለደ ሆስፒታል

    ህንዲ

    ኣብ ህንዲ ከተማ ሙምቤይ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል፡ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተለኸፋ ኣዴታት፡ 100 ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ህጻናት ተወሊዶም እዮም።

    አብቲ ሆስፒታል፡ ብሓፈሽኡ 115 ቆልዑ ዝተወለዱ ኮይኖም፡ ካብኣቶም እቶም 3 ፈለማ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ እኳ እንተተፈለጠ፡ ጸኒሑ ብዝተገበረሎም ምርመራ ግን ካብቲ ቫይረስ ናጻ ኮይኖም እዮም።

    በቲ ቫይረስ ዝተለኸፋ ክልተ ካልኦት ኣዴታት ድማ ኣብቲ ሆስፒታል ሞይተን እየን። ካብአን እታ ሓንቲ፡ ገና ከይሓረሰት እያ ዓሪፋ።

    ነዘን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፋ ኣዴታት፡ 65 ዶኳትርን ካልኦት ብዙሓት ነርስታትን እዮም ብፍሉይ ዝከታተልወን። ኣብዚ እዋን፡ እቲ ሆስፒታል ነዘን ኣደታት ዘዳለዎ 49 ዓራት እዩ ዘለዎ።

    ቁጽሪ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ስለዘሎ ግን፡ ጥኑሳት ኮይነን በቲ ቫይረስ ንዝተለኸፋ ኣደታት፡ 34 ዓራት ክውስኽ ውጥን ኣለዎ።

    ኣብ ህንዲ፡ ዛጊድ 20,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ 730 ድማ ሞይቶምዋ።

  15. ህንዲ ናይ ውሽጢ ሃገር በረራ ክትጅምር እያ

    ህንዲ በረራ ውሽጢ ሃገር ክትጅምር እያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ህንዲ ካብ ዝቕጽል ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣገልግሎት በረራ ዝህቡ መገዲታት ኣየር ናብ ስራሕ ክኣትው ፈቒዳ።

    እቶም መገዲታት ኣየር ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስራሕ ደ ካብ ዘብሉ ክልተ ወርሒ ሓሊፍዎም።።

    መንግስቲ፡ ኣብ እዋን በረራ ኣካለዊ ርሕቀት ክሕለወሉ ዘኽእል መምርሒ ከውጽእ እዩ።

    ሚኒስትር ሲቪል ኣቪየሽን ህንዲ ሃርዲፕ ፑሪ፡ ኣብ ማእኸል ዘሎ ወንበር ሰብ ኾፍ ከይብለሉ ምግባር፡ ዋጋ በረራ ክኸብር ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል።

    እዚ ድማ ኣካላዊ ርሕቐት ንምሕላው ዘጸግም ክኸውን እዩ።

    ህንዲ፡ ዝርግሐ ናይቲ ለበዳ ንምዕጋት፡ ምንቅስቓስ ዜጋታት ክግደብ ገይራ ጸኒሓ እያ።

    እንተኾነ፡ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰሙን፡ እዚ እገዳ ናይ ምንቅስቓሳት ክለዓል እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዙሕ ስግኣት የብሎም ኣብ ዝተብሃሉ ከባቢታት ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኣሎ።

    እታ ሃገር ግን፡ ዝለዓለ ቑጽሪ ዘለዎም ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ዘለውዋ ኮይና፡ ትማሊ ጥራሕ 5 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝሓመሙ ተገሊጹ ነይሩ።

    ብሓፈሻ 106 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ይርከቡ። ካልኦት ሰለስተ ሽሕ ድማ ሞይቶም።

  16. ትራምፕ፡ ቻይና “ነዚ ለበዳ ደው ክተብሎ ምኸኣለት ነይራ” ኢሉ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ከምቲ ልሙድ ኣተኣላልያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝምልከት ኣብ ትዊተር ንቻይና ነቒፍዋ ኣሎ።

    “ብቐሊሉ ነቲ ለበዳ ጠጠው ከብልዎ ምኸኣሉ ነይሮም፡ ግን ከምኡ ኣይገበሩን” ኢሉ።

    ዋላ’ኳ ሽም ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ደኣ ኣይጽራሕ’ምበር “ኩሉ ካብ ላዕሊ ብዝመጽእ ትእዛዝ” ዝተፈጸመ እዩ ክብል እዩ ጽሒፉ።

    መሊሱ ድማ፡ ኣብቲ ቀጻሊ ሃገራዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ሕጹይ ሰልፊ ዴሞክራትስ ዝኾነ ጆ ባይደን ክዕወት፡ ድላይ ቻይና ምዃኑ ተዛሪቡ። ብኡ ኣቢሎም ድማ “ንኣመሪካ ክብዝብዝዋ እዮም ዝደልዩ፡ ከምቲ ኣነ ክሳብ ዝመጽእ ንብዙሕ ዓመታት ክብዝብዝዋ ዝጸንሑ” ኢሉ።