እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበጽሓኒ ኣሎ ኢሉ

መንግስቲ ኢትዮጵያ "ለበዳ ኮሮናቫይረስ እናገደደ ብምምጽኡ" ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ'ሎ። እዚን ካልኦትን ንኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ሓበሬታታት ንምርካብ፡ ኣብዚ ቀጥታዊ ጸብጻብ ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ቻይና ንፈለማ ግዘ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከምዘይብላ ኣፍሊጣ

    ቻይና ኣብቲ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 32 ሰባት ከምዝረኸበትን፡ ኩሎም ድማ ካብ ሃገራት ወፃኢ ዝመፅኡ ከምዝኾኑን ኣፍሊጣ።

    ኣብቲ ዝሓለፈ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ቻይና ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ’ውን ገሊጻ።።

    ወኪል ዜና ፈረንሳ [AFP] ከም ዝጸብጸቦ፡ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር፡ ቻይና ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንዝርገሐ ኮቪድ-19 ዝምልከት ሓበሬታ ዕላዊ ምግባር ካብ ትጅምር፡ ሞት ከምዘየጋጠመ ክግለጽ ከሎ፡ እዚ ንፈለማ ግዘ እዩ።

    ኣብ ቻይና 81,740 ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ፡ ልዕሊ 3,300 ሰባት ድማ፡ ግዳያት ሞት ከምዝኾኑ ይግለጽ።

  2. "ኣፍሪቃ መፈተኒ ክታበት ኣይትኸውንን" ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም, ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም 'ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ይፈተን' ንዝብል ርእይቶ ብትሪ ነቒፉ።

    ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ 'ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ክፍተን ኣለዎ' ንዝብል ሓሳብ ክልተ ፈረንሳውያን ዶኳትር 'ዓሌታዊ' ክብል ነቒፉ።

    "ኣፍሪቃ ንዝኾነ ዓይነት ክታበት መፈተኒ ክትኸውን ኣይትኽእልን ኣይትኸውንን" ክብል ነቲ ርእይቶ ብትሪ ተቓዊሙ።

    እቶም ክልተ ዶካትር ኣብ ናይ ቴለቪዥን ፕሮግራም ቀሪቦም ዝሃብዎ ንብዙሓት ከቖጥዕ ከሎ፡ ንኣፍሪቃውያን ከም "ከም ናይ ጊኒ ኣናጹ" ብምሕሳቦም ተነቒፎም።

    ሓደ ካብቶም ዶካትር ጸኒሑ ይቕረታ ሓቲቱ እዩ።

    ብዛዕባ'ዚ ተሓቲቱ መልሲ ዝሃበ ዶክተር ቴድሮስ፡ ቁጥዕኡ ብቕሉዕ እናተርኣየ ነቲ ርእይቶ ዶካትር ሕዳር ናይ "መግዛእታዊ ኣተሓሳስባ" ክብል ገሊጽዎ።

  3. ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ክንገብሮም ዘለና ጥንቃቐታት

    ኣብዚ ዕለት ዝህልዉ ዓለማዊ፣ ኣህጉራውን ሃገራውን ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ንምክትታል ምርጫኹም ቢቢሲ ትግርኛ ስለዝገበርኩም ነመስግን።

    ካብ ኮሮናቫይረስ ንነብስኹም ክትሕልዉ ድማ ብሰብ ሞያ ንዝወሃብ ማዕዳ ክትፍጽሙ ክነዘኻክረኩም ንፈትው።

    ብሩኽ መዓልቲ