ኢትዮጵያ፡ እናኸረረ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ኣድማ ሓካይም መንግስቲ እንታይ ምላሽ ሂቡ?

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሕቶ መሃያን ጥቕምታትን ዘልዓሉ ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ንሕቶኦም ምላሽ እንተዘይሂቡ ምሉእ ብምሉእ ስራሕ ክሳዕ ምቍራጽ ዝበጽሕ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ይገልጹ ኣለው።

እቶም ሰብ ሞያ ሕቶታቶም ናብ መንግስቲ ከም ዘቕረቡ ብምግላጽ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት መልሲ ክወሃቦም ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዝህቡ ሰሙናት ኣሕሊፎም'ዮም።

እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና፡ "ክንነብር ኣይከኣልናን" ብምባል፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ድምጾም ኣብ ምስማዕ ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ኣድማታት ስዒቡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ዘይተረኽቡ ሰብ ሞያ ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ፡ ነቶም ዝቐርቡ ዘለው ጠለባት ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ መፍትሒ ንምሃብ ይሰርሕ ከም ዘሎ እቲ ሚኒስትሪ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

"ነዚ ንጐድኒ ብምግዳፍ ኣብ ስራሕ ቦታኦም ኣብ ልዕሊ ዘይተረኽቡ ሰብ ሞያ፡ ኣብ ውሽጢ ትካል ጥዕና ኰነ ወጻእ ናዕቢ ንዝፈጥሩ ግን ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስድ'የ፡" ክብል ኣጠንቂቝ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን፡ ልዕሊ 80 ሰራሕተኛታት ጥዕና ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ብዓርቢ ኣተሓባበርቲ እቲ ተቓውሞ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ማእሰርቲ ተፈጺሙ። ቢቢሲ ግን ነዚ ኣሃዝ ብናጻ ኣለል ኣየረጋገጸን።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ገለ" ሰብ ሞያ ጥዕና ጥራይ ኣብ ኣድማ ከም ዘለዉ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ናብ ስራሕ ዘይምለሱ ሕጋዊ ስጕምቲ ከም ዝወስደሎም ኣጠንቂቑ።

ብመሰረት እቶም ኣወሃሃድቲ፡ እቶም እሱራት ትሽዓተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ሱዳናዊ ዜግነት ዘለዎ ሓኪምን ይርከብዎም።

እቶም ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ጠለብ ምውሳኽ ደሞዝን ዝሓሸ ኵነታት ስራሕን ብምቕራብ ብኸፊል ኣድማ ኣብ ዝገብርሉ ዘለው እዋን፡ ክፍሊታት ሃንደበታዊ ሕክምና፡ ኣዴታትን ጽዑቕ ክንክንን ስርሖም ይቕጽሉ ኣለዉ።

ይኹን'ምበር ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ መሳርሕቶም እንተዘይተፈትሖም ምሉእ ኣድማ ከም ዝገብሩ ገሊጾም ኣለዉ።

ደሞዝን ካልእ ጥቕማ ጥቕምን ከምኡ'ውን ብሓፈሻ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ንኽመሓየሽ ሕቶ ዘቕረቡ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ "መራሕቲ ጐስጓስ" ብዝብል "ኣብ መላእ እታ ሃገር" ይእሰሩን ልዑል ጸቕጢ ይበጽሖምን ከም ዘሎ ሽሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ኣተሓባባሪ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም እዮም።

እቶም ዝእሰሩ ዘለው ሰብ ሞያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲአት ከይተረፈ ኣገልግሎት ዝህቡ ዝነበሩ "ጋውን ዝተኸድኑ" ሰብ ሞያ ምዃኖም ሓደ ኣተሓባባሪ ገሊጹ።

መንግስቲ ብዛዕባ ማእሰርቲ ሓካይም ዝምልከት ዝቐረበ ክሲ ርእይቶ ኣይሃበን።

ሰብ ሞያ ሆስፒታላት ጥቁር ኣንበሳን ጳውሎስን፡ ሓካይም ፈለገ ህይወት፡ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ፡ ሆስፒታል ለኵ [ክልል ሲዳማ]፡ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር፡ ኣዲስ ኣለምን ንፋስ መውጫን ከም ዝተኣስሩ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ብረቡዕ ሓካይም ሆስፒታል ጳውሎስ፡ ዶ/ር ሳዶር በረኸትን ዶ/ር ኢፋ ኣዱኛን፡ ካብ መሕደሪ ቦታኦም ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝኣትውሉ ብፖሊስ ከም ዝተወስዱ መሰኻኽር ዓይንን ኣተሓሳበርቲን ንቢቢሲ ተዛሪቦም'ዮም።

ክልቲኦም ሰብ ሞያ፡ "ነቲ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ስለ ዝደገፉ" ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዲስ ገበያ ኣብ ዝበሃል መደብር ፖሊስ ከም ዝተኣስሩ ብምሕባር፡ "ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ኣለኩም ብዝብል መርመራ ይግበረሎም ኣሎ፡" ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ ክልል ሲዳማ ሆስፒታል ለኵ ዝሰርሕ ዶ/ር ደረጀ ዝተባህለ ክኢላ ማህጸንን ጥንስን፡ "ክሳብ ሰዓት 11፡00 [ናይ ምሸት] ሕክምና መጥባሕቲ ክሰርሕ ውዒሉ ናብ መሕደሪኡ ምስ ከደ'ዩ ተኣሲሩ፡" ይብሉ እቶም ኣተሓባበርቲ።

"ዶ/ር ደረጀ ስራሕ ደው ኣየበለን፤ ኣብቲ ኣድማ'ውን ኣይነበረን። ንሱ ጥራይ ስለ ዝዀነ ክኢላ መጥባሕቲ፡ ስራሕ ደው ከብል ኣይክእልን፣ መጥባሕቲ ሰሪሑ ምስ ወድአ'ዩ ተታሒዙ።"

ክኢላ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዝዀነ ዶ/ር ሃብታሙ መንክር ድማ፡ ረቡዕ 15 ግንቦት 2025፡ ካብቲ ሆስፒታል ተወሲዱ ከም ዝተኣስረ ኣተሓባበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ንሱ፡ ክኢላ ሕክምና ዓጽሚ ከም ዝዀነ ተሓቢሩ። ካብ መንግስትን ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሆስፒታልን ድማ ምፍርራሕን ምክልባትን ይበጽሖ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም።

ብርክት ዝበላ በቲ ኣድማ ዝተጸልዋ ሆስፒታላት፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስርሖም ዘይርከቡ ሰብ ሞያ፡ "ምምሕዳራዊ ስጕምቲ፡" ከም ዝወስዳ ዝገልጹ መጠንቀቕታታት ኣውጺአን ኣለዋ።

ማእከላት ስልጠና ዝዀና ሆስፒታላት ድማ፡ ናብ ስራሕ ዘይመጽኡ ሰባት ካብ ዝተዋህቦም "መንበሪ ገዛ" ክወጽኡ ኣተሓሳሲበን።

"እነቕርቦም ጸገማት ንምስማዕ ዝተዳለወ ኣካል የለን፡" ዝበለ ሓደ ኣተሓባባሪ ክሳብ ሕጂ እወታዊ መልሲ ከም ዘይረኸቡን ሆስፒታላት ኣብቲ ኣድማ ንዝተሳተፉ ሰብ ሞያ ንምትካእ ተጠባበቕቲ ሰብሞያ ይጽውዑን ናይ ስራሕ ምልክታታት የውጽኣ ከም ዘለዋን ሓቢሩ።

"ኣብ ሆስፒታላት ምፍርራሕ፡ ደብዳበ ምጽሓፍ፡ ብወተሃደራት ክኽበባ ምግባር ይቕጽል ኣሎ። ትማሊ ናብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳን ጳውሎስን ከይደ ነይረ። ብፖሊስ ተኸቢቦም'ዮም ዘለው፡" ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ሃገራዊ ተሌቪዥን ዝቐረበት ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ፡ መንግስቲ ሕቶ ሰብ ሞያ ሕክምና ንምምላስ ይሰርሕ'ዩ ዘሎ ኢላ።

ኣብዚ እዋን፡ ገለ ክፍሊታት ሕክምና ብሰንኪ እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ጸቕጢ ኣገልግሎት ምሃብ ደው ከም ዘበሉ ኣተሓባበርቲ ይገልጹ።

ካልእ ኣተሓባበሪ ብወገኑ፡ "እቲ ጕዳይ ክኸርር'ዮም ዝገብሩዎ ዘለው፡ ኣብ መንጐ ህዝቢ ክጕዳእ እዩ . . ." ብምባል መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲ "ዓቢይ ጌጋ እዩ፡" ብምባል ነቒፉ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ሰብ ሞያ እንተዘይተፈቲሖም ድማ፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ምሉእ ብምሉእ ኣድማ ከም ዝግበር የጠንቅቝ።

ብሰንኪ እዚ ናይ ስራሕ ኣድማ፡ ተገልገልቲ ምትእጕጓል የጋጥሞም ከም ዘሎ ዝተኣመኑ እቶም ኣተሓባበርቲ፡ "ኮፍ ኢሎም ሪጋ ይጽበዩ ኣለዉ፤ እቲ በዓል ሞያ ግን የለን፡" ብምባል ናይዚ ሓላፍነት ዝወስድ መንግስቲ'ዩ ኢሎም።

እዞም 'ወፍሪ ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ' ብዝብል 12 ሕቶታት ዘልዕሉ ዘለው ሰብ ሞያ፡ ናይ 30 መዓልቲታት መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቦም ብ13 ግንቦት 2025 ጀሚሩ፡ ብኸፊል ኣድማ ስራሕ ገይሮም ከም ዘለው ይፍለጥ።

ሕክምና፡ ኣድማ ስራሕ ደው ምባል ካብ መንጐ ዘይግበረሎም ዓውዲታት ኰይኑ፡ እቶም ሰብ ሞያ ሕቶኦም ኣብ ስራሕ ቦታ ተረኺቦም ከቕርቡ ትጽቢት ይግበር።

ስለ ዝዀነ ድማ እቶም ሰብ ሞያ ናብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ክምለሱ ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ።