እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰንዓ ርእሰ ከተማ የመን ብዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ ብዙሓት ሞይቶም
ኣብ ሰንዓ ርእሰተማ የመን፡ ንሮመዳን ረድኤት ኣብ ምክፍፋል ብዘጋጠመ ምፅቕቓጥ 78 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ ገሊጾም።
ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብታ ከተማ ባብ-ኣል-የመን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዘጋጠመ ክስተት ስዒቡ ዝተፈጠረ ሕንፍሽፍሽ የርኢ።
ከም ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ንነፍሲ ወከፎም ትሽዓተ ዶላር ሓገዝ ንምቕባል ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተኣኪቦም ነይሮም።
ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ 2015 [ኣ.] ንመንግስቲ እታ ሃገር ደፊኦም ካብ ዘውጽእዎ ንነጀው፡ ነታ ከተማ የመሓድርዋ ኣለዉ።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ እቶም ነዚ ሓገዝ ንምክፍፋል ሓላፍነት ዝወሰዱ ኣካላት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ምርመራ ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ፡ እቲ ጽቕጥቅጥ፡ ምስ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ብዘይ ምውህሃድ ዝተገበረ፡ “ሃንደበታዊ ምክፍፋል” ሓገዝ እዩ ብምባል ነቒፉ።
ሓደ በዓልስልጣን ጥዕና እታ ከተማ፡ ብሰንኪ ጽቕጥቅጥ 13 ሰባት ኣብ ኣስጋኢ ኵነታት ከምዝርከቡን፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ከም ዝተጐድኡን ሓቢሩ።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ በዓል ስልጣን ደሕነት ሑቲ፡ “ካብቶም ዝሞቱ ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ከም ዝርከባኦም፡ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ተቓለስቲ ሑቲ፡ ነቲ ሓገዝ ክወስድ ዝተኣከበ ህዝቢ ንምቍጽጻር ናብ ሰማይ ኣብ ዝተኰስሉ ገመድ ኤሌክትሪክ ከምዝወቕዑን፡ እዚ ድማ ምፍንጃር ከምዘስዓበን፡ እቲ ማዕከን ዜና ንክልተ መሰኻክር ዓይኒ ጠቒሱ ጸብጺቡ።
እዚ ድማ ጠንቂ እቲ ምድፍፋእን ጽቕጥቅጥን ዝዀነ ስምባደ ከምዘስዓበ፡ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።
እዚ ፍጻመ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልታትን መዛዘሚ ጾምን፡ ቅዱስ ወርሒ -ሮሞዳን - ኣመንቲ እስልምና እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ።
ተቓለስቲ ሑቲ ኣብ 2015 ንዝዓበየ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ካብ ዝቈጻጸሩ ንነጀው፡ ዝተወልዐ ኲናት ዓሪጉ፡ የመን ዓንያ እያ።
ፕረዚደንት ዓብዱራቦ መንሱር ናብ ሃገራት ወጻኢ ክሃድም እንከሎ፡ ብስዑድዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ድማ፡ ናብ መንበረ ስልጣኑ ንምምላስ ጣልቃ ኣትዩ። እንተዀነ፡ ኣብ የመን ንዓመታት ዝቐፀለ መዋፅኦ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ቍርቍስ ስዒቡ።
እዚ ኲናት፡ 150 ሽሕ ሰባት ክሞቱን ልዕሊ 23 ሚልዮን የመናውያን ተጸበይቲ ረድኤት ክዀኑን ኣገዲዱ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ መንጐ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ምልውዋጥ እሱራት ተገይሩ፤ እዚ ከኣ ከም ኣካል እቲ ንሸሞንተ ዓመታት ዝቐጸለ ሕሱም ኲናት ንምግታእ ዝግበሩ ጻዕርታት ዝረአ እዩ።
ላዕለዋይ መራሒ ሰውራዊ ኮሚቴ ሑቲ፡ መሓመድዓሊ ኣልሑቲ፡ በቲ ትማሊ ረቡዕ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ንትካል ሰብኣዊ ቅልውላው እታ ሃገር ነቒፉ።
መሓመድዓሊ፡ “ነዚ ዘጋጠመ ክስተትን ህዝቢ የመን ብሰንኪ ዕጽዋን ዓመጽን ዝነብሮ ዘሎ መሪር ክውንነትን፡ ነተን መጥቃዕቲ ዝፍጽማ ዘለዋ ሃገራት ኢና ተሓተትቲ ንገብር” ክብል ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ።