ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ንዝቐረበሎም ሕቶ ነጺጎም

Published

መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ትግራይ፡ እቲ ኣብ እዋን ኲናት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ርክብ ዳግማይ ንኽጅመር ካብ ጠቕላይ ቤተ ክህነት ዝቐረበሎም ሕቶ ከም ዘይቕበልዎ ገሊጾም።

ኣብታ ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ዕጸዋ ዝነበረት ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስትያናትን ምእመናንን ቅትለትን ግህሰትን ከም ዝተፈጸመ ይግለጽ።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ እቲ ግፍዕን ግህሰትን ብዝምልከት ተቓውሞ ኣየስመዐትን ብዝብል ቕረታ የስምዑ ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ሃይማኖታዊ ኣቦታት ትግራይ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተፈልዮም ጠቕላይ ሃገረ ስብከት ትግራይ ንምቛም ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጦም ነይሮም።

ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኣጋጢሙ እዩ፤ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት፡ መስጊዳተን ዝተፈላለዩ ኣመንቲን’ውን ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ኣክሱም ሓዊሱ ኣብ መብዛሕትኦም ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡ ኣብያተ እምነትን ቅርስታቶምን ዝምታን ዕንወትን ክፍጸም እንከሎ ኣቕሽሽቲ፡ ዲያቆናትን መዘምራንን ዝርከቡዎም ኣመንቲ ተቐቲሎም'ዮም።

ኣብቲ እዋን ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፡ ብቪድዮ ኣብ ዝተቐድሐ መልእኽቶም፡ ቃሎም ንከየስምዑ 'ተዓፊኖም' ምጽንሖም ጠቒሶም ነይሮም።

ጳጳሳትን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ፡ "ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ነቲ ኲናት ደጊፉን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነትን ኣመንትን መጥቃዕቲ እንትበጽሕ ትም ኢሉን እዩ" ብዝብል ናይ ባዕሎም ቤተ ክህነት ከጣይሹ ወሲኖም።

ኣብቲ ክልል ኣቦታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮኑስ መራሕቲ ካልኦት ሃይማኖታዊ ትካላት እውን ኣብ ተመሳሳሊ ውሳነ ከም ዝበጽሑ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ትግራይን እቲ ግጭት ከብቅዕ ኣብ ስምምዕ ምስተበጽሐ፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምስ ኣብያተ ክርስቲያናት ትግራይ ዳግማይ ርክብ ንኽጅመር ምሕታታ ዝዝከር እዩ።

ይኹን 'ምበር፡ እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ርክብ ዳግማይ ንኽጅመር ዘቕረበቶ ሕቶ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ እቲ ዝወጽአ ምላሽ የመልክት።

ብመሰረት እቲ ላዕለዎት ኣቦታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ዝፈረሙሉ ሽዱሽተ ገጻት ዝሓዘ ደብዳበ፡ ካብ ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝቐረበሎም ሕቶ ኣይተቐበሉን።

ብተወሳኺ፡ እቶም ኣቦታት እቲ ርክብ ንምቁራጽ ዝደረኹዎም ዝርዝር ምኽንያታት’ውን ከም ዘስፈሩ የመልክት።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ኣብያተ ክርስቲያናትን እቲ ክልል "ጭፍጨፋን ዕንወትን" ክፍጸም እንከሎ ስለዘይተቓወመት ከም ዝኾነ እቲ ደብዳበ ይገልጽ።

ብሰንኪ እዚ፡ "መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን" ብዝብል ሃገረ ስብከት ከም ዘቖሙን፡ እዚ ድማ ኣብቲ ክልልን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ዝተቐበልዎ ብምዃኑ ብዝጀመርዎ መንገዲ ከም ዝቕጽሉ ሓቢሮም።

ኣቦታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ክልል፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ርክብ ዳግማይ ንኽጅመር ንበይኖም ክውስኑ ስለዘይኽእሉ ነቲ ሕቶ ከም ዘይቅበልዎ ኣብ ደብዳቤኦም ኣመልኪቶም ኣለዉ።

እቲ ደብዳበ ብሊቀ ጳጳሳት ሃገረ ስብከት ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ምብራቕ ትግራይ፡ ማእኸላይ ትግራይን መቐለን ዝተፈረመ እዩ።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዝተወሃበ ምላሽ ብዝምልከት መልሲ ኣይሃበትሉን።