ፕረዚደንት ብራዚል ነበር ቦልሶናሮ ን8 ዓመታት ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ከይሳተፍ ተኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብራዚል፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ ጄር ቦልሶናሮ ኣብ መረጻ ብራዚል ን8 ዓመት ክወዳደር ከምዘይብሉ 5 ን2 ብዝኾነ ድምጺ ወሲኑ።
ቦልሶናሮ ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንታዊ መረጻ ብራዚል ስልጣኑ ብዘይ ኣገባብ ብምጥቃም ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ’ዩ እቲ እገዳ ዝተወሰነሉ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ብራዚል ኣብ ዘካየደቶ መረጻ ኣብ ኣገልግሎት ዝወዓሉ ኤሌክትሮኒካዊ መውሃቢ ድምጺ ንሰርሰርትን ኣጭበርበርትን ዝተቓልዑ ከምዝነበሩ ብምግላጽ ንስርዓተ ዲሞክራሲ እታ ሃገር ብኣሉታ ጸልይዎ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ’ዩ።
ጠበቓታት ቦልሶናሮ ኣብ ውሳነ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክብሉ ትጽቢት ኣሎ። ኣብቲ እዋን ዝሃቦም ሓሳባት ኣብ ውጽኢት መረጻ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘይነበሮ ድማ ይካትዑ።
እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ እገዳ ፕረዚደንታዊ መረጻ ካብ ዝተኻየደሉ 2 ጥቀምቲ 2022 [ኣ.ኣ] ጀሚሩ ዝሕሰብ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
ውሳነ ቤት ፍርዲ ዝጸንዕ እንተድኣ ኾይኑ፡ ቦልሶናሮ ብራዚል ቀጺላ ኣብ እተካይዶ ናይ 2026 ፕረዚደንታዊ መረጻ ክወዳደር ኣይኽእልን’ዩ። ኣብ ናይ 2030 ፕረዚደንታዊ መረጻ ግን ክሳተፍ ይኽእል’ዩ።
ካብኡ ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ምምሕዳራዊ መረጻታት 2024ን 2028ን እውን ክሳተፍ ከምዘይኽእል እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።
ቦልሶናሮ ንውሳነ ቤት ፍርዲ “ብዝባንካ ዝግበር መውጋእቲ” ኢሉ ዝገለጾ ኮይኑ፡ ኣብ ብራዚል የማናዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምምዕባል ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ መጻኢ ፕረዚደንታዊ መረጻታት ብራዚል ንኸይሳተፍ ዘኸልከልዎ ሓሳባት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ይመርሕ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝሃቦም ከምዝኾኑ ተገሊጹ።
እቲ ኣዝዩ ከቢድ ንሕንሕ ዝተመልኦ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣብ ዝሓለፈ 30 ጥቅምቲ ዝተቓንዐ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ብተቐናቓኒኡ ናይ ሎሚ ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ ከምዝተሳዕረ ይዝከር።
ቦልሰናሮ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ከምዝተሳዕረ ብዕሊ እንከይገለጸ ሉላ ዳ ሲልቫ ቃለ መሓላ ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ዝነበራ ክልተ መዓልታት ካብ ብራዚል ናብ ፍሎሪዳ ከይዱ።
ብስዕረት ቦልሰኖራ ዘይተሓጎሱ ደገፍቱ ድማ ንኣዳራሽ ባይቶ እታ ሃገርን ቤተ መንግስትን ወሪሮሞ ከምዝነበሩ ይዝከር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
