ኣውሮጳውያን ደቂ ተባዕትዮ ዘይክንሸብሉን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰፊሕ ዝዝውተረሉን ምኽንያት እንታይ'ዩ?

ንመኸንሸቢ ዘገልግሉ መሳርሒታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ኤውሮጳ ልሙድ ኣይኰነን። ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካን ሃይማኖት እስልምና ኣብ ዝኽተላ ሃገራትን ድማ፡ ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ባህልን እምነትን ዝተትሓሓዘ እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ጋዛ ዘለው 99.9 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ተኸንሺቦም’ዮም። ኣብ ሞሮኮን ኣፍጋኒስታንን ድማ ልዕሊ 99 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ዝተኸንሸቡ’ዮም።

'ወርልድ ፖፒዩሌሽን ረቪው' ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 92 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ልዕሊ 97 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝኽንሸቡ ይሕብር።

ብኣንጻሩ ኣብ ኣውሮጳን ደቡብ ኣመሪካን፡ ቑጽሪ ዝኽንሸቡ ደቂ ተባዕትዮ ብሚኢታዊት ክርአ እንከሎ ትሕቲ ባዶ'ዩ።

ስለ ምንታይ? ጥቕሚ ምኽንሻብ እንታይ እዩ? ጐናዊ ሳዕቤንከ ይህልዎ'ዶ? ንዝብሉ ሕቶታት ዝወሃብ ምላሽ ክትፈልጡ ትደልዩ ትዀኑ ኢኹም።

ሰብ ሞያ ሕክምና ብዛዕባ ምኽንሻብ እንታይ ይብሉ?

ዶክተር ባእደ ለማ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣዳማ ክኢላ ሻንብቆታት ሽንትን ናይ ምርባሕ ኣካላት ደቂ ተባዕትዮን [ዩሮሎጂስት] እዩ።

ንሱ፡ ቅድሚ ረብሓን ሳዕቤንን ምኽንሻብ ምርኣይና ከመይ ተጀሚሩ ዝብል ምፍላጥ ኣገዳሲ'ዩ ይብል።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዘሎ ኣጀማምራ ምኽንሻብ ምስ ሃይማኖትን ባህልን ዝተኣሳሰር እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ መጽናዕታት ድማ፡ ምኽንሻብ ምስ ዝርግሐ ቫይረስ ኤችኣይቪ ዘለዎ ምትእስሳር ዘርእዩ ምዃኖም እቲ በዓል ሞያ ይገልጽ።

ምስ ዘይተኸንሸቡ ክነጻጸር ከሎ፡ ዝተኸንሸቡ ደቂ ተባዕትዮ ንሕማም ኤችኣይቪ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ካብ 50 ክሳብ 60 ሚኢታዊት ዝጎደለ እዩ።

ነዚ መጽናዕቲ መሰረት ብምግባር ክኣ፡ ደቂ ተባዕትዮ ክኽንሸቡ ምኽሪ ክወሃብ ከም ዝተጀመረ ዶክተር ባእደ ይዛረብ።

“[ምኽንሻብ] ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ውልቃዊ ጽርየቱ ክሕሉ ኣብ ዘይኽእል ሕብረተሰብ ዝኽንሸቡ ደቂ ተባዕትዮ ክሳብ መንሽሮ ዝበጽሕ ረኽሲ [ኢንፌክሽን] ንምክልኻል ክጠቕሞም ይኽእል’ዩ” ይብል።

ምኽንሻብ፡ ብፍላይ ምስ ዕልቦ [Foreskin] ብዝተሓሓዝ ዝመጽኡ ሕማማት ከም ዝከላኸል የረድእ።

እዚ፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ካብ ጽልዋ ሃይማኖትን ባህልን ውጽእ ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ዶክተር ባእደ ተዛሪቡ።

ቫቲካን፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝተሓተ ቑጽሪ ዝተኸንሸቡ ደቂ ተባዕትዮ ዘለዋ ሃገር ከም ዝዀነት መረዳእታታት የመልክቱ።

ኣብ ሕክምና ከም ኣብነት ኣብ እትለዓል ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገር ኲባ ዘሎ ዝርግሐ ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ክርኣይ እንከሎ፡ 0.10 ሚኢታዊት ጥራይ እዩ።

ኣብ ፖርቹጋል 0.6%፣ ጃፓን 9%፣ ፈረንሳ 14%፣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ 20 ሚኢታዊት እዩ።

በዚ መሰረት፡ ዝልዓለ ቑጽሪ ዝተኸንሸቡ ደቂ ተባዕትዮ ዘለወን ሃገራት ብብዝሒ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዘለወን እየን።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ'ውን ናይጀሪያ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ዝተኸንሸቡ እዮም።

ሃገራት ኣውሮጳ፡ ዋላ'ውን እምነት ክርስትና ዝኽተላ እንተዀና፡ ምኽንሻብ ሃይማኖታዊ ግቡእ ገይረን ከም ዘይወስድኦ ዶክተር ባእደ ገሊጹ።

ስለዚ ምኽንሻብ፡ "ሃይማኖታውን ስነፍልጠታውን ድጋፍ ስለ ዘይብሉ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ኣይኽንሸቡን። ካብዚ ብዝብገስ ኣብ ገለ ቦታታት ዝተኸልከለ'ዩ" ይብል።

ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ

መብዛሕትኦም ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ዝኽተላ ሃገራት ዝውለዱ ደቂ ተባዕትዮ፡ ምስ ተወለዱ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት እዮም ዝኽንሸቡ።

እዚ፡ ሕብረተሰብ ካብ ውሉድ ወለዶ ሒዙዎ ዝመጽአ ባህላዊ ስርዓት፡ ብልምዲ ወይ ናይ ባህሊ ሓኪም ብዝብሃሉ ውልቀሰባት እዩ ዝፍጸም።

ባህላዊ ክሽቦ ደቂ ተባዕትዮ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎ ኰይኑ ኣብዚ ዘመን መብዛሕትኦም ተኸተልቲ እምነት እስልምናን ኣይሁድን ደቂ ተባዕትዮ ደቈም የኸንሽቡ።

ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዓለም 30 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ይኽንሸቡ፤ ካብዚኦም እቶም ክልተ መሰለስ ተኸተልቲ እምነት እስልምና እዮም።

ኣብ ሃይማኖት እስልምና፡ ስነ ስርዓት ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ፡ 'ታሄራ' ተባሂሉ ይጽዋዕ፤ ምንጻህ ማለት እዩ።

ኣብ ውሽጢ እምነት ኣይሁድ ድማ፡ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ተወለዱ ኣብ ሻምናይ መዓልቶም ይኽንሸቡ።

ተኸተልቲ እምነት ሂንዱን ቡድሃን’ውን ይኽንሸቡ’ዮም።

ኣብ ግብጺ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኮፕቲክ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራን ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ነዚ ጥንታዊ ስርዓት ኣይሁዳውያን ይኽተሉ።

ኣብ ኬንያ ናይሮቢ፡ ጸሓፊ ቤተ ክርስቲያን መድሃኒኣለም ሊቀ ስዩማን ቀሺ ኣክሊሉ ገብረስላሰ፡ ኣብ ውሽጢ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ክሽቦ ደቂ ተባዕትዮ ኣስገዳድ ዝነበረሉ እዋን ነይሩ'ዩ ይብሉ።

እዚ ብፍላይ ኣብ ብሉይ ኪዳን "ዘይተኸንሸበ ኣይድሕንን፤ ናይ እግዚኣብሄር ህዝቢ ዘይኰነ ኣህዛብ'ዩ" ብምባል ምልክት ተገይሩ ይወሰድ ከም ዝነበረ ይጠቅሱ።

እስራኤላውያን፡ ዘይተኸንሸበ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዘይብሃልን ስለ ዘይድሕንን፡ ክኽንሸቡ ግድን ስለ ዝነበረ ሕጂ'ውን ነቲ ስርዓት ከም ዝትግብሩዎ ቀሺ ኣክሊሉ የረድኡ።

ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ግን፡ እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ካብ ዝተረፉ ስርዓታት ሓደ ስለ ዝዀነ፡ ብሃይማኖታዊ ስርዓት ምኽንሻብ ወዲ ተባዕታይ ግዴታ ከም ዘይኰነ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ግዜ፡ ካብ ግሪኽን ማእከላይ ምብራቕን ክርስትና ተቐቢሎም ናብ እስራኤል ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ዘይተኸንሸቡ ስለ ዝነበሩ፡ ንስኻትኩም ኣይተኸንሸብኩምን፣ ኣይትድሕኑን ኢሎም ኣይሁዳውያን ይነቕፉዎም ነይሮም።

ሽዑ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ክርስትና ኣብ ዘስፋሕፍሐሉ እዋን “ምኽንሻብን ዘይምኽንሻብን ኣይጠቅምን፤ ብክርስቶስ ዝኣመነ ይድሕን” ኢሉ ከም ዘምሃሮም እታ ቤተ ክርስቲያን ትጠቅስ።

“ሕጂ፡ ብክርስቶስ ምእማንን ምጥማቕን እዩ ምልክት ድሕነት። ስለዚ ወዲ ተባዕታይ ዋላ እንተዘይተኸንሸበ ኣብ እምነቱ ዝፈጥሮ ጸገም የለን። ኣብ ሃገርና ግን ዘይምኽንሻብ ከም ነውሪ’ዩ ዝቑጽር። እዚ ንሕና’ውን ብሉይ ኪዳን ተቐቢልና ስለ ዝነበርና፡ እቲ ባህሊ ምትራፍ ከቢዱ እምበር ምስ ክርስትና ዘተኣሳስር ነገር የብሉን” ይብሉ ቀሺ ኣክሊሉ።

ገለ ክፋላት ሕብረተሰብ ዓለም ድማ፡ ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ምልክት መሰጋገሪ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐ ወዲ ተባዕታይ ገይሮም ይወስዱዎ።

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካ፣ ደሴታት ፓስፊክን ፖሊኔዥያን ዝነብሩ ሕብረተሰብ፡ ባህላዊ ግቡእ ንምፍጻም ብዝብል ንኣሽሓት ዓመታት ክሽቦ ደቂ ተባዕትዮ ክፍጽሙ ጸኒሖም።

እዚኦም፡ ክሽቦ ባህላዊ ስነ ስርዓት ገይሮም ክወስዱዎ እንከለው፡ ካብዚ ብዝብገስ ዝርግሐ ክሽቦ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ኣብ ዝነብር ህዝቢ ዝተፈላለየ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

ንኣብነት፡ 84 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ኬንያ ተኸንሺቦም’ዮም፤ እንተዀነ እዚ ሉዎን ቱርካናን ተባሂሎም ኣብ ዝጽውዑ ዓሌታት ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።

ብተወሳኺ ኣባላት ማሕበረሰብ ሉዎ ኣብ ዝነብሩሎም ከባቢታት ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ኣይኽንሸቡን።

ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ድማ፡ ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ዝርግሐ ኤችኣይቪ ንምንካይ ይሕግዝ’ዩ ብዝብል ኣካል ጥዕና ማሕበረሰብ ተገይሩ ዓብዪ ጐስጓስ ይግበረሉ።

ምኽንሻብ ደቂተባዕትዮ ኣብ ምጉዳል ንለበዳ ኤች ኣይ ቪ ተራ ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሳይንሳዊ ማዕዳ

“ኣነ፡ ምኽንሻብ ኣይምዕድን” ይብል ዶክተር ባእደ።

ናይዚ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ፡ “ክሽቦ ብሕክምና ግዴታ ስለ ዘይኰነ፡ ሰባት ክኽንሸቡ ኣለዎም ኣይብልን። ግን ክኣ ኩነታት እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ደቂ ተባዕትዮ እንተተኸንሸቡ’ውን ኣይቃወምን” ኢሉ።

ረብሓታት ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ከንጠቅስ እንካብ ጸናሕና፡ ጐናዊ ሳዕቤንከ ይህልዎ’ዶ? ኢልና ክንሓትት ግድን እዩ።

እቲ ክኢላ “እወ! ሳዕቤን ክህልዎ’ዩ” ይብል።

ዶክተር ባእደ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ብሰብ ሞያ ሕክምና ኣይኰነን ዝፍጸም።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ክደሚ ስለ ዝኽእል፡ ረኽሲ ከጋጥም ከም ዝኽእል ይሕብር። ካብኡ ሓሊፉ፡ ትኽክለኛ ዘይኰነ ኣካል'ውን ክቑረጽ ይኽእል'ዩ።

እዚ፡ ኣብ ትካል ሕክምና ዝወሃብ እንተዀይኑ ግን፡ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት ዘጋጥምሉ ዕድል ትሕቲ ሓሙሽተ ሚኢታዊት'ዩ ይብል።

"እቲ ዕልቦ ልዕሊ ዓቐን እንተተሳሒቡ ሓደጋ ከብጽሕ ይኽእል'ዩ"።

ዶክተር ባእደ ወሲኹ፡ ክኽንሸቡ ዘይግብኦም ህጻናት ከም ዘለው ይጠቅስ።

ክኽንሸቡ ዘይብሎም ክብሃል እንከሎ፡ ብሕክምና ተራእዮም ዘይኽንሸቡ ህጻናት ማለት'ዩ። ንኣብነት 'ሄሞፊሊያ' ዝብሃል ሕማም ኣሎ። እዚ ብተወርሶ'ውን ክመጽእ ስለ ዝኽእል ህጻናት ናይ ምጥቃዕ ዕድል ኣለዎ።

ስለዚ እዚ ሕማም ዘለዎም ሰባት ክኽንሸቡ ኣይምክርን። ብባህላዊ መገዲ ዝፍጸም ክሽቦ ግን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተ ኣይኸውንን።

ገለ ሕክምናዊ ጸብጻባት ድማ፡ ክሽቦ ደቂ ተባዕትዮ ዕግበት ጾታዊ ርክብ ክንኪ ከም ዝኽእል ይጠቅሱ ይብል ዶክተር ባእደ።

ክሽቦ፡ ኣብ ክልቲኡ ጾታ ዝፍጸም ስርዓት’ዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝፍጸም ክሽቦ፡ ኰነ ተባሂሉ ናይ መራብሒ ኣካላ እዩ ዝቑረጽ።

በዚ ምኽንያት፡ ክሽቦ ጓል ኣንስተይቲ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጉድኣት ስለ ዘስዕብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ተግባር ብደረጃ ዓለም ጠጠው ክብል የተሓሳስብ።

እቲ ትካል ብ2019 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓለም ኣስታት 200 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝተኸንሸባ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ፡ ኣብ ኣስታት 30 ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብሰፊሑ ዝርአ ኰይኑ፡ ኣብ ኤስያን ደቡብ ኣመሪካን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ይኽንሸባ እየን።

ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ፡ ኣብ ኤውሮጳ፣ ሰሜን ኣመሪካ፣ ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ዝነብሩ ስደተኛታት ሕጊ እተን ሃገራት ጥሒሶም ደቂ ኣንስትዮ የኸንሽቡ’ዮም።