ብሽሙ በዓቲ ዝተሰየመሉ ኢትዮጵያዊ ተመራማሪ በዓቲ

Published

ናስር ኣሕመድ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዘይፈልጡዎ ዓውዲ ስራሕ ተዋፊሩ ይርከብ።

ስፒዮሎጂ (Speleology) ኣጽኒዑ። እዚ ኣብ ዙርያ ምርምርን ኣለሻን በዓቲ ትኹረት ዝገብር እዩ።

ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝበላ ሃገራት ብዙሕ ዝተለምደ ሞያ ኣይኰነን።

ናስር ግን ብፍቕሪ በዓቲታት ልቡ ስለ ዝሸፈተ፡ ፍቕሩን ዋጋኡን ይኸፍለሉ ኣሎ።

ሕጂ፡ በዓቲታት ካብ ምእላሽ፣ ካብ ምጽናዕን ምምዝጋብን ብዝሰገረ ሓደ በዓቲ ብሽሙ ተሰይሙ ይርከብ።

ናስር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምስራቕ ሃረርጌ ኣብ እትርከብ ወረዳ ኮምቦልቻ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ።

"ካብ ቁልዕነተይ ጀሚሩ ንናሽናል ጂኦግራፊ ዓብዪ ፍቕሪ ስለ ዝነበረኒ ይከታተሎ ነይረ" ዝብል ናስር ነዚ ሞያ ዘለዎ ፍቕሪ ዝጀመረ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዘጓነፎ ሓደ ክስተት ከም ዝዀነ ይዛረብ።

ተመሃሪ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ እናሃለወ 'ሃገርካ ፍለጥ' ኣብ ዝብሃል ክለብ ይሳተፍ ነይሩ።

መምህሮም ድማ 'ጎዳ ወንጂ' ናብ ዝብሃል በዓቲ ወሲዱዎም።

ሻቡ ብዙሓት ተመሃሮ ፈሪሖም ነቲ በዓቲ ኣፎም ከፊቶም ይጥምቱዎ እኳ እንተነበሩ "ኣነ ግን ከይፈራሕኩ ኣትየ፤ ሽዑ'የ ዝፈተኹዎ" ይብል።

ስድራቤቱ ግን ንዕኡ ዝሓስቡዎ ሞያ ካልእ እዩ ነይሩ።

ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ምስ ወድአ ብድልየት ቤተሰብ ሕክምና ኣጽኒዑ።

ናስር ግን፡ ጻዕዳ ጋወን ተኸዲንካ ሕሙማት ምሕካም ልቡ ክመልኣሉ ኣይክኣለን።

ካርዲ ሕሙማት እናንበበ፡ ልቡ ኣብ ትሕቲ ጐቦታት ኣብ ዝዓረዱ ባዕቲታት ይዛውን፤ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሓብኡ በዓትታት ይሓስብ።

"ኣብቲ ሽዑ እዋን 'Speleology' ዝብል ቃል ምጽዋዕ የጸግመለይ ነይሩ፤ ብዛዕባ እዚ ዓውዲ ኣብ ኢንተርነት ምስ ርኣኹን ብዛዕብኡ ምስ ፈለጥኩን እዚ ትምህርቲ ኣበይ'ዩ ዝወሃብ ኢለ ክእልሽ ጀሚረ። መብዛሕትኡ ኣብ ጣልያንን ፈረንሳይን ከም ዝወሃብ ክኣ ፈሊጠ"።

እዚ ትምህርቲ ግን ስቕ ኢልካ እትኣትዎ ኣይኰነን።

ገንዘብን ካልእ ላዕልን ታሕትን ሓቲቱዎ። ድሕሪኡ ኣብ ጣልያን ኣብ ዝርከብ ክለብ ኣልፒኖ ኢታሊያኖ ‘Club Alpino Italiano’ ብኦንላይን ትምህርቱ ተኸታቲሉ።

ቐጺሉ ናብ ፈረንሳይ ብምኻድ ‘French Federation of Speleology’ ኣብ ዝብሃል ትካል ንኽልተ ዓመት ተማሂሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኦሮሚያ በዚ ዓውዲ ተቈጺሩ የገልግል ኣሎ።

ቢቢሲ ነዚ ዛንታ ከዛርቦ እንከሎ ድማ ናብ በዓቲ ሶፍ ዑመር ከይዱ ነይሩ።ኣብታ ሃገር ዝርከቡ በዓቲታት ንምፍላጥ ምስ ሰብ ሞያ ወጻኢ ብሓባር ከም ዝሰርሕ ኣውጊዑና።

'ናይ ቢሮ ስራሕ ኣይኰነን'

ናስር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ በዓቲታት ዳርጋ ከም ከብዲ ኢዱ ብዕምቈት ይፈልጦም።

ሓድሽ በዓቲ ንምፍላጥ ክኣ ወትሩ ድልው ዝዀነ ልብን እግርን ኣለዎ።

ናይ ስራሕ ብጽሒቱ ኣብ ኦሮሚያ እንተዀነ'ውን ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ደቡብን ካልእን ዘለው በዓቲታት'ውን ከም ዝበጽሖም ይዛረብ።

"ክሳብ ሕጂ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘጽናዕኹዎም በዓቲታት ኣስታት 321 ይዀኑ። ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 200 ካርታን ፕላንን ኣለዎም፤ ናብ መጽሓፍ ክኣ ቀይረዮም እየ"።

በዓቲ፡ ኣብ ጐቢን ትሕቲ መሬትን ጥራይ ዘሎ ክፍቲ ቦታ ጥራይ ዘይኰነ ገዚፍ ሃብቲ ተፈጥሮ ዘለዎን ብዙሓት ነገራት ዝሓቘፈን እዩ ይብል።

ካብዚኦም፡ ኣብ ውሽጢ በዓቲታት ዘለው ስእልታት (ሮክ ኣርትስ) የግርምሉ።

ብፍላይ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዘቑጸሩ ስእልታት በዓቲ ኣነባብራ ህዝቢ ኦሮሞ ዘርእዩ ስእልታት ኣለው።

ካብዚ ሓሊፉ፡ "ንቱሪዝም ዝዀኑ መዓድናት ዝሓዙ፣ ንመድሓኒት ዝውዕሉ እታወታት ዘለዎም፣ ከምኡ'ውን ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዓብዪ ኣበርክቶ ዘለዎም ዓይነታት በዓቲ ኣለው" ክብል ይገልጾም።

እዚ ስራሕ ዘሕለል ትዕግስትን ጥንቃቐን ከም ዝሓትት የረድእ።

"በዓቲ ኣብ ቢሮ ኰፍ ኢልካ እትመራመረሉ ስራሕ ኣይኰነን።ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኣለዎ። መብዛሕትኦም ኣብ ገጠራት'ዮም ዝርከቡ፤ ብእግሪ ነዊሕ ተጓዒዝካ ኢኻ ትበጽሖም። ኣብኡ ክኣ ከም ተመን፣ ገበል ከምኡ'ውን ኣንበሳን ነብርን ዝበሉ ዝተፈላሉ እንስሳታት ይነብሩ'ዮም"።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብቶም ከባቢታት ዝነብር ማሕበረሰብ ሃብቲ ተፈጥሮ ንምርካብ ብዝብል ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ከም ዝቃላዕ ይገልጽ።

"ዓጽሚ ሰባት ኣብ ውሽጢ በዓቲ ርእየ እየ" ዝብል ናስር ኣብ ውሽጢ በዓቲታት ዘሎ ኩነታት ኣየር "ከቢድ" ከም ዝዀነን ናብ ውሽጢ ንምእታው ልዑል ጥንቃቐ ከም ዝሓትት፣ ዝተፈላለዩ ናውታት ሕክምና ሒዝካ ክኸውን ከም ዘለዎ የረድእ።

ንበዓቲ ዝተፈጥረ ሰብነት

ናስር ኣሕመድ፡ ኣብዚ ሞያ 10 ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ።

እቶም ምስ ዝተፈላለዩ ተመራመርቲ ሃገራት ወጻእ ኰይኑ ዝሰርሖም ስራሕቲ "ኬቭስ ኢን ኦሮሚያ" ብዝብል መጽሓፍ ኣሐቲሙዎም።

ኣብዛ ብዛዕባ እንታይነት ስፒሊሎጂ እትገልጽ መጽሓፍ ናብ በዓቲታት ውሽጢ ንምእታው ክግበሩ ብዛዕባ ዘለዎም ጥንቃቐታት፣ ኣብ ኦሮሚያ ዝርከቡ በዓቲታት ሰፊሮም ኣለው።

ክኢላ ስፒዮሎሎጂ ናስር ኣሕመድ በዚ ሞያ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣፍልጦ ረኺቡ እዩ።

'በዓቲ ናሲ ኦል' ግን ልዕሊ ኵሉ እያ።

"ካብቶም ኣብ ኦሮምያ ዝርከቡ 321 በዓትታት፡ እቲ ዝጸበቐን ፍሉይን በዓቲ ኣብ ምብራቓዊ ኦሮሚያ ወረዳ መልካ ቤሎ ዝርከብ ናሲ ኦል እዩ"።

ናስር ብዛዕባ እቲ በዓቲ ብኸመይ ብስሙ ከም ዝተሰየመ ክዛረብ እንከሎ ኣዝዩ ይሕጎስ።

"ኣብቲ ወረዳ ክሳብ ሕጂ ዘይተረኽቡ (ዘይተረኽቡ) በዓትታት ኣለዉ" ብምባል ሰብ መዚ እቲ ኸባቢ ነዚ ከጽንዓሎም ብተደጋጋሚ ይሓቱዎ ከም ዝነበሩ ይዛረብ።

"ኣብ ወረዳና በዓቲ እንተሃልዩ ብሽምካ ክንሰምዮ ኢና" ኢሎም። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ መእተዊኡ ካብ 30-60 ሴንቲ ሜትር ዝዀነ ኣዝዩ ጸቢብ በዓቲ ረኺበ። ኣካለይ ንበዓቲ እዩ ተሰሪሑ። እንተዀነ እቲ በዓቲ ኣዝዩ ጸቢብ ስለ ዝነበረ ከእትወኒ ኣይክኣለን" ይብል።

ናብዚ በዓቲ ንምእታው ንኣስታት ሓምሳ ሜትሮ ኣብ መሬት ደቂሱ እናተስሓበ ከም ዝኸደ ዝዛረብ ናስር፡ “ነታ በዓቲ ምስ ረኸብኩዋ ዓቢ ሓጐስ ተሰሚዑኒ። ስመይ ናስር ስለ ዝዀነ እዛ በዓቲ ናሲ ኦል ክትከውን ኣለዋ ኢለ ሰምየያ። ክሳብ ሕጂ ካብ ዝረኣኹዎም በዓቲታት እቲ ዝዓበየ በዓቲ ከም ማለት'ዩ" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ኵሎም በዓትታት ኦሮሚያ ጽቡቓት እዮም። እቲ ክልል እውን ኣፍልጦ ሂቡዎ ኣሎ" ይብል።

ናስር ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ብዙሓት ሰባት ዘይፈልጥዎ ሞያ ክሰርሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ብዙሕ ብድሆታት ኣጋጢምዎ እዩ።

"ስርሐይ ክጅምር ከለኹ ሰባት ንስድራይ 'ወድኹም ጽሉል'ዩ፡ ኣብ በዓቲ ይዘውር ኣሎ' ይብሉዎም ነይሮም፤ ሕጂ ግን እቲ ኣተሓሳስባ ይቕየር ኣሎ" ይብል።

እዚ በዓል ሞያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብዙሕ ኰፍ ኣይብልን እዩ። ኣብ ግቡእ ግዜ ናብ ሜዳ ብምውጻእ ሓደስቲ ነገራት ይመርሕ፡ ይምርምርን ይምዝግብን።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ክልተ ነገራት ኣተኲሩ ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ዘገርም'ዩ ዝብሎ በዓቲ ሶፍ ዑመር መፅናዕቱ ወዲኡ ናብ መፅሓፍ ይቕይሮ ምህላው ዘገርም እዩ ብምባል ይገልፅ።

ኣብዚ ድማ ኣስታት 2000 ዓመት ዝዕድሚኦም ስእልታት በዓቲ ከም ዝረኸበን ኣብ ቀረባ እዋን ንህዝቢ ክግለጹ ምዃኖምን ገሊጹ።

ክኢላታት ታሪኽ፡ ስነ-ጥንቲን ካልእ ዓውድታትን ናብዚ በዓቲ መጺኦም ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ከጽንዑ እንተኽኢሎም ብዙሓት ሓደስቲ ነገራት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ይብል ናስር።

ብተወሳኺ መንግስቲ ነዚ በዓቲን ከባቢኡን ንምምዕባል ዝጀመሮ ልምዓት ፅቡቕ ጅማሮ እኳ እንተዀነ ብክኢላታት ክድገፍ ይላቦ።