እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ፡ ፑቲን ነቲ ቀንዲ የማናይ ኢዱ ዝዀነ ሚኒስተር ምክልኻል ካብ ሓላፍነቱ ቀይርዎ
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ከም ሚኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ዝሰርሐን ከም የማናይ ኢዱ ዝርአን ሚኒስተር ሰርጌ ሾጒ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝቐየሮ ክረምሊን - ቤተመንግስቲ ሩስያ - ኣፍሊጡ።
ወዲ 68 ዓመት ሰርጌ ሾጒ ካብ 2012 ጀሚሩ’ዩ ሚኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ።
ፑቲን ንሰርጌ ካብ ሚኒስተር ምክልኻል ኣልዩ ናብ ዋና ጽሓፊ ባይቶ ጸጥታ ሩስያ’ዩ ቀይርዎ ዘሎ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣንድሬ ቤሎሶቭ ንሰርጌ ሸጉ ቀይሩ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ኰይኑ ከምዝተመዘዘ’ውን እቲ ቤት ምክሪ ባይቶ ሩስያ ዝሓተሞ ጽሑፍ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ሩስያ ኣንጻር ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኲናት ተራ ሰርጌ ኣዝዩ ልዑል ምንባሩ’ዩ ዝግለጽ።
ሚኒስተር ሰርጌ ነቲ ዋና ጽሓፊ ባይቶ ጸጥታ ሩስያ ዝነበረ ኒኮላይ ፔትሮሸቭ ብምትካእ’ዩ ነቲ መዝነት ተረኪቡ ዘሎ። ኒኮላይ ፔትሮሸቭ ኣብ ምንታእ ከምዝተመደበ ግን ክረምሊን ኣይሓበረን ዘሎ።
ሚኒስተር ሰርጌ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ኣዝዩ ጥቡቅ ርክብ ስለዝነበሮም ብዙሕ ግዜ ናብታ መበቈል ዓዲ ንሰርጉ ዝዀነት ሰርብያ ብሓባር ብምኻድ ዓሳ ከምዝጅልቡ’ዩ ዝንገር።
ብሞያ መሃንድስ ዝዀነ ሰርጌ ሾጒ ዋላ ሓንቲ ወተሃደራዊ ድሕረ ባይታ ዘይብሉ ክንሱ ኣብ 2012 ሚኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ምምዳቡ ብብዙሓት ዘይቅኑዕ ስጕምቲ’ዩ ተባሂሉ፤ ፑቲን ይሕመየሉ ነይሩ’ዩ።
ኤዲተር ቢቢሲ ሩስያ ስቲቭ ሮዘንበርግ ሰርጌ ካብ መዝነቱ ምእላዩ ዘገርም ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ መዝነቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናደኸመ ብምኻዱ ክእለ ከምዝኽእል ብሰፊሑ ክዝረብ ምጽንሑ ይገለጽ።
እቲ ሕጂ ሚኒስተር ምክልካል ኰይኑ ተመዚዙ ዘሎ ኣንድሬ ቤሎሶቭ ምሁር ስነ ቍጠባ ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክረይ ማእለያ ዘይብሉ ማል ተፍስሰሉ ዘላ እዋን፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ቍጠባ እታ ሃገር ሃስያ ንኸየውርድ ብሞያኡ ተሓጊዙ ንኽሰርሕ ከምዝተመዘዘ ኤዲተር ቢቢሲ ሩስያ ስቲቭ ሮዘንበርግ ይጠቅስ።
ብመሰረት ሓንቲ ምስ መንግስቲ ሩስያ ሻራ ዘይብላ መርበብ ሓበሬታ ካብ ሓደ ሰሙ ዘይተጠቀሰ በዓል መዚ ሩስያ ዝረኸበቶ ሓበሬታ፡ እዚ ሓዲሽ ምኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ተመዚዙ ዘሎ ኣንድሬ ቤሎሶቭ “ኣዝዩ ሃገራውን፡ ሩስያ ብጸላእቲ ዝተኸበበታ ሃገር’ያ” ዝብል ጽኑዕ እምነትን መርገጽን ዘለዎ ሰብ ከምዝዀነ ገሊጻ።
ኣንድሬ ቤሎሶቭ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ብዙሕ ዘመሳስል ነገራት’ዩ ዘለዎም፡ ክልቲኦም ኣመንቲ ኦርቶዶክስ’ዮም፣ ክልቲኦም ምሩቓት ማርሻል ኣርት’ዮም፣ ክልቲኦም ኣብ እዋን ንእስነቶም ኣብ ሳምቦ ዝተበሃል ውድድራት ካራተ ይወዳደሩ ነይሮም’ዮም።
ኣንድሬ ቤሎሶቭ ቅድሚ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ምዃኑ ሚኒስተር ቍጠባዊ ምዕባለን ተሓጋጋዚ ፑቲንን ኰይኑ ሰሪሑ’ዩ።
ሩስያ ኣብ 2014 ንክረምያ ኣብ ዝሓዘትሉ፡ ካብቶም ኣማኸርቲ ቍጠባ ፑቲን እቲ እንኮ ንወራር ክረምያ ዝደገፈ ምንባሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ካብ 2000 ጀሚሩ ንሩስያ ዝመርሕ ዘሎ ፑቲን፡ ብ87 ሚእታዊት ንሓሙሻይ ግዚኡ ፕረዚደንት ኰይኑ ንሩስያ ንኽመርሕ ድምጺ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ ይዝከር።