ነፋሪት 'ኢዚጀት' ብሰንኪ ቦምባ ኣንፈት በረራኣ ቀይራ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
Published
ነፋሪት ኢዚጀት፡ ካብ ፖላንድ ናብ ብሪጣንያ ትበርር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ኣንፈት በረራኣ ናብ ከተማ ፕራግ ቸክ ሪፓብሊክ ክትቕይር ተገዲዳ።
እታ ካብ ፖላንድ ከተማ ክራኮቭ ናብ እንግሊዛዊት ብሪስቶል ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፕራግ ክትዓልብ ተገዲዳ።
ፖሊስ ቸክ ሪፓብሊክ፡ እታ ነፋሪት ምስ ዓለበት ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቡ።
መገዲ ኣየር ፕራግ፡ “ምርመራ ምስ ተኻየደ ዋላ ሓደ ምልክት ቦምባ ኣይተረኸበን” ክብል፡ ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ።
ቁጽሪ በረራ EZY6276 ኢዚጀት ካብ ናይ ክልተ ሰዓት በረራ፡ ንሓደ ሰዓት ጥራይ ምስ በረረት እያ ኣብ ፕራግ መዕርፎ ነፈርቲ ቫክላቭ ሃቨል ዓሊባ።
መዕርፎ ነፈርቲ ፕራግ፡ እታ ነፋሪት ሰዓት 22፡50 ብሰላም ከምዝዓለበት ገሊፁ።
ቢቢሲ፡ ኣብታ ነፋሪት ቦምባ ተጻዊዱ’ዩ ዝብል ሓበሬታ ብኸመይ ከም ዝተረኸበ ንኢዚጀት ክሓትት እንከሎ፡ እቲ መገዲ ኣየር ግን ዛጊት ዝበሎ ነገር የለን።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
