እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ድሕሪ 70 ዓመታት ንፈለማ እዋን ብኣካል ዝተራኸባ ናይ ብርዒ መሓዙት
ንኣስታት 70 ዓመታት ነፍሲ ወከፈን ኣማኢት ደብዳቤታት ዝተለዋወጣ ናይ ብርዒ መሓዙት፡ ብኣካል ንክራኸባ ዝነበረን 'ናይ ምሉእ ህይወተን ሕልሚ' ኣግሂደን።
ጓል 80 ዓመት ፓትሲ ግሪጎሪ ካብ ላንካሻየር፡ ምስ ካሮል-ኣን ክራውስ ኣብ ኮንዌይ ደቡብ ካሮላይና ንምርኻብ ኣስታት 4000 ማይልስ ተጓዒዛ።
ፓትሲ፡ ምስ ካሮል-ኣን - ኣብ ተመሰሳሊ ደረጃ ዕድመ ከም ዝርከባን፡ -ልክዕ ከምቲ ዝሓሰበታ ኰይና ከም ዝረኸበታን ገሊጻ።
እዘን መሓዙት ኣብ 1955 ገና ደቂ 12 ዓመት ኰይነን እየን ክፀሓሓፋ ጀሚረን።
"ክልቴና ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ኢና ንርከብ፤ ኣብ ከባቢ ሓደ እዋን ድማ ተመርዒና" ትብል ፓትሲ።
ወሲኻ ድማ፡ "[ንሕና] ክልቴና ሰለስተ ቈልዑ ወሊድና፡ ኣብ ህይወት - ኩሉ ፈተናን መከራን ሓሊፍና ኢና" ኢላ።
"ፍጹም ፅቡቕ'ዩ፡ ክልቴና'ውን ገና ብህይወት ኣለና።"
" ቅድሚ ሕጂ ብኣካል ኣይተራኸብናን ግን ቀደም ጀሚርና ብኣካል ንፋለጥ ኰይኑ'ዩ ተስሚዑና" ትብል ካሮል-ኣን።
ወሲኻ ድማ "መጀመርታ ብርሳስ ኢና ጀሚርና፤ ናብ ቀለም ሰጊርና። ሕዚ ድማ ኢሜይል ክንገብርን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክንራኸብን ንኽእል ኢና። ነዊሕ መገዲ ኢና ተጓዒዚና" ኢላ።
ጉዕዞ ፓትሲ ብመበል 80 ዓመት ልደታ ምኽንያት ብምግባር፡ ከም ፍሉይ ህያብ ብሰለስተ ደቃ ዝተዳለወ መደብ እዩ - ጓላ ስቴፍ ካላም ድማ ነቲ ጉዕዞ ተሓዊሳቶ።
"ማማ ወትሩ ምስ ኣሜሪካዊት መሓዛኣ ክትራኸብ እያ ትደሊ ነይራ፡ ኣብ ዝርዝር መጻኢ ፍፃመታታ እዩ ነይሩ። ሓደ ካብቲ ንመላእ ዕድሚኣ ዘጣዕሳ ድማ ተራኺበን ዘይፈልጣ ምዃኑ እዩ" ትብል።
"ክራኸባ ከለዋ ኣዝየን ስምዒታዊ ኰይነን ነይረን። ንመጀመርታ ግዜ ክተሓቛቖፉ ከለዋ ብስንባደ ተሓኒቐ ነይረ።"
“ዝኰነ ከዕልላ ክጅምራ ከለዋ፡ ብዙሕ ዘመሳሰሉ ነገራት ኣለወን. ኣዕሊለን ክጸግባ ኣይከኣላን”።
ፓትሲን ስቲፋኒን ን9 መዓልታት ናብ ደቡብ ካሮላይና መጺአን እየን ተራኺበን።
ዝበዝሕ ግዜአን ድማ ምስ ካሮል-ኣንን ስድራቤታን ኣሕሊፈንኦ።
እተን ኣዕሩኽ ብደብዳበን ፖሰት ካርድን ርክበን ክቕጽላ መደብ ከምዘለዎን እንተገለፃ’ኳ፡ ዳግማይ ናይ ምርኻብ ዕድል ክገጥመን ምኳኑ ርግጸኛታት ኣይኰናን።