እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልእልቲ ኖርወይ ካብ ሞት ተንሲአ ንዝብል ደብተራ ክትምርዖ ወሲና
ምስ መላእኽቲ ‘ከም እትዘራረብ’ እትገልጽ ልዕልቲን ካብ ሞት ከም ‘ዝተንስአ’ ዝዛረብ ደብተራን ክምርዓዉ ወሲኖም።
ጽውጽዋይ ክመስለኩም ይኽእል'ዩ፡ እንተዀነ ግን እዛ ሕጽይቲ፡ ልእልቲ ኖርወይ ማርታ ሉዊስ ክትከውን ከላ ሕጹያ ድማ ንነብሱ ደብተራ ኢሉ ዝሰመየ ኣመሪካዊ ዱረክ ቨሬት እዩ።
እዞም መጻምድቲ ኣብ ዝመጽእ ሓጋይ ከም ዝምርዓዉ ዕላዊ ገይሮም ኣለዉ።
ንግስነታዊ ስድራቤት ኖርወይ እውን፡ ነቶም መጻምድቲ ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ገሊጹ ኣሎ።
ንጉስ ሃራልድ 5ይ፡ እንቋዕ ደስ በለኩም ብምባል፡ ቨሬት ናብታ ስድራ ብምጽንባሩ ሕጉስ ምዃኑ ገሊጹ።
እታ ልእልቲ፡ ነቲ ምስ ሕጹያ ብሓባር ዝውንንዎ ንግዲ ኣማራጺ መድሃኒት ንምምራሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንነብሳ ካብ ንግስነታዊ ሓላፍነታ ከም ዘግለለት ዝዝከር’ዩ።
ሕጹያ ቨሬት፡ መሰረት ዘይብሉ ሕክምናዊ ኣሰራርሓታት ብምውዕዋዕ ይፍለጥ።
ሕማም መንሽሮ ብምርጫ ዝመጽእ ከም ዝዀነ ይዛረብ። ካብ ኮቪድ-19 ይከላኸሉ’ዮም ዝበሎም መዳልያታት እውን ብኢንተርነት ሸይጡ እዩ።
እታ ልእልቲ ብወገና ምስ መላእኽቲ ክትዘራረብ ከም እትኽእል እያ ትዛረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2022 ከም ዝተሓጸዩ ዘፍለጡ እቶም መጻምድቲ በቲ ንጉስ ከም ዝተመረቑ ይፍለጥ።
ንጉስን ንግስትን ኖርወይ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ዱሬክ ቨሬት ምስ ስድራቤትና ብምጽንባሩ ተሓጒስና፡ ነታ ዓባይ መዓልቲ ምስኦም ከነብዕላ ድማ ብሃንቀውታ ንጽበ" ኢሎም።
"ንማርታን ዱሬክን ጽቡቕ ንምነየሎም።"
እቲ መርዓ ኣብታ ኣብ ኖርወይ እትርከብ ጽብቕቲ ከተማ ጌራንገር፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዩኔስኮ ቅርሲ ዓለም ተባሂሉ ዝተመደበ ፍዮርድ ክካየድ እዩ።
"ኣብቲ ውቁብ መናፈሻ ምስ እንፈትዎም ሰባት ፍቕርና ምጽንባልና ንዓና ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ" ይብሉ እቶም መጻምድቲ።
ቨሬት ናብ ኖርወይ ብምኻድ ብዘይ ዝዀነ መዓርግ ምስታ ንግስነታዊ ስድራቤት ከም ዝጽንበር መንግስታዊ ፈነወ ኖርወይ ጸብጺቡ።
ንነብሱ "6ይ ወለዶ ደብተራ" ኢሉ ዝገልጽ ቨሬት፡ ካብ ሞት ከም ዝተንስአን መጥቃዕቲ 11 መስከረም ቅድሚ ምፍጻሙ ክልተ ዓመት ኣተንቢሁ ከም ዝነበረን ይዛረብ።
እዚ ኣፍሪቃዊ-ኣመሪካዊ፡ እምነቱ ንገለ ሰባት ዘይምቹእ ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምን። እቲ ዘጋጥሞ ነቐፌታ ግን ብሰንኪ ዓሌቱ ከም ዝዀነ’ዩ ዝምጉት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ልእልቲ ማርታ፡ ሰባት "ምስ መላእኽቶም ንኽራኸቡ" ዝሕግዝ ቤት ትምህርቲ ብምኽፋታን ኣብ ኣማራጺ ሕክምናታት ብምስታፋን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኖርወይ ክትዕ ኣበጊሳ'ያ።
"ኣገዳስነት ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ፍልጠት” ትርዳእ’ኳ እንተዀነት፡ ኣማራጺ ሕክምና ግን "ንልምዳዊ ትካል ሕክምና ዝሕግዝ ኣገዳሲ መወሰኽታ" ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዋ እምነት ትገልጽ።
እታ ጓል 51 ዓመት ልዕልቲ” ንግስነታዊ መዓርጋ ንመኽሰብ ትጥቀመሉ ኣላ ተባሂላ'ያ ትኽሰስ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝወጸ መግለጺ ቤተ መንግስቲ ድማ "ኣብ መንጎ ንጥፈታቶምን ንግስነታዊ ስድራቤት ኖርወይን ንምፍላይ. . .ናይ መጒዚነት ሓላፍነታ” ከምዘረከበት የመልክት።
ንጉስ ሃራልድ፡ መዓርግኣ ክትቅጽለሉ ከም ዝወሰነ እቲ መግለጺ ሓቢሩ’ኳ እንተነበረ፡ እታ ልእልቲ ግን ኣብ ንግዳዊ ጻዕርታታ ከም ዘይትጥቀመሉ ተሰማሚዓ’ያ።
እታ ልእልቲ ቅድሚ ሕጂ ምስ ደራሲ ኣሪ ቤን ሓዳር መስሪታ ነይራ። ኣብ 2017 ተፋቲሖም፤ ብጭንቀት ከም ዝተሳቐየ ተዛሪቡ ዝነበረ እቲ ደራሲ ኣብ መዓልቲ ልደት 2019 ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ።
ልእልቲ ማርታ ሉዊስ ቦኽሪ ውላድ ንጉስ ሃራልድ እያ። ንእሽቶ ሓዋ ወራስ ዘውዲ ልኡል ሃኮን ድማ ንኣቡኡ ተኪኡ ዝነግስ ክኸውን እዩ።