እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዩቲዩብ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዑ እትምህር ኣደ: ደቃ ብምምዝማዝ ተኸሲሳ
ኣብ ኣሜሪካ ዩታ ብዩቲዩብ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዑ ብምምሃር እትፍለጥ ኣሜሪካዊት ሩቢ ፍራንክ ብምዝመዛ ህጻናት ተኸሲሳ።
ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዐ ወዳ ካብ ገዝኡ ምስ ሃደመ እያ ኣብ ቀይዲ ውዒላ።
ሩቢ ፍራንክ ምስ ናይ ንግዲ መሓዝኣ ጆዲ ናን ሂልደብራንት ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ኣትየን።
ፖሊስ እታ ጓል 10 ዓመት ጓላ ብሕጽረት መግቢ ማሲና ኣብ ገዛ ረኺቦምዋ።
ክልቲአን ጥርጡራት ትማሊ ዓርቢ ሽዱሽተ ክስታት ግህሰት ህጻናት ቀሪቡለን ኣሎ።
ወዲ 12 ዓመት ወዳ ብፍኒስትራ ሃዲሙ ብምውጻእ ካብ ጐረባብቲ መግቢ ይልምን ከም ዝነበረ ፖሊስ ገሊጹ።
“ናብ ፖሊስ ዝደወሉ ጐረባብቲ እቲ ቘልዓ ክረኽቡዎ እንከለው፡ ብሕጽረት መግቢ ማሲኑ፣ ሰብነቱ ቘሲሉ፣ ኣብ ሰብነቱ ድማ ናይ ፕላስቲክ ገመድ ምልክት ይርኣይ ነይሩ” ክብል ፖሊስ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
እቲ ቑስልን ሕጽረት መግብን እቲ ቘልዓ ድማ ዝዩ ልዑል ከም ዝነበረ ጠቒሱ።
“ብገመድ ተኣሲሩ ስለ ዝጸንሐን መግብን ማይን ስለ ዘይረኸበን ብህጹጽ ናብ ሆስፒታል’ዩ ተወሲዱ” ይብል።
እታ ጓል 10 ዓመት ጓላ’ውን ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ።
ድሕሪኡ ኣብ መንበሪ ገዛ ሩቢ ፍራንክ ተፍትሽ ክካየድ እንከሎ፡ ብጠቕላላ ኣርባዕተ ህጻናት ኣብቲ ገዛ ተረኺቦም።
ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ቈልዑ ዝበጽሐ ምዝመዛ ዝምልከት ክሲ ዝተመስረተ ኰይኑ፡ እቲ ክሲ ብኣካላዊ ምዝመዛ፣ ዝኸፍአ ስነ ልቦናዊ ምዝመዛን ሕጽረት መግብን ይብል።
ዓባይ ጓላ ሻሪ ፍራንክ፡ ማእሰርቲ ኣዲኣ ምስ ሰምዐት “ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ስለ ዝዓሰለ ሕጉስቲ እየ” ክትብል ኣብ ቴሌግራም ጽሒፋ።
“ንዓመታት ናብ ፖሊስ ንጠርዕ ነይርና፤ ሕጂ ሰማዒ ረኺብና”።
ጓል 41 ዓመት ሩቢ ፍራንከ፡ ኣብ 2015 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ጀሚሩ ኣብ ዩቲዩብ ‘8 ፓሴንጀርስ’ ዝተባህለ ፍሉጥ ምድላው ጀሚራ።
ኣብዚ፡ ብኸመይ ሽዱሽተ ደቃ ከም እተዕቢ ዝገልጽ ምድላዋት ተቕርብ ነይራ።
እታ ቻነል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ቅድሚ ምዕጻው ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተኸታተልቲ ነይሮምዎ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ፕላስቲክ ክድቅሱ ብምግባርን መግቢ ብምኽላእን ከም እትቐጽዖም ተዛሪባ ሓያሎ ተቓውሞ ገጢሙዋ ነይሩ።
ተኸታተልታ’ውን ናብ ፖሊስ ጠቚሞም ነይሮም፤ ንሳ ግን “ካብ ዓውዲ ወጸኣእ ተወሲዱ’ዩ” ክትብል ተኸላኺላ።
ብተወሳኺ ‘ኮኬንሽን’ ኣብ ዝተባህለ ዩቲዩብ ምስ እትርከብ ጆዲ ናን ሂልድበርት ቀሪባ እያ።
ክልቲአን ቈልዑ ስለ ምንታይ ብጭንቀት ይጥቅዑ ኣብ ዝብል ዛዕባ ክዘራረባ ድማ ተራእየን።
ኣብዚ፡ ጆዲ ናን ሂልድበርት "ተመሃራይ ካልኣይ ክፍሊ ዝዀነ ወደይ ጭንቀት ኣለኒ ክብል ምስማዕ ዝዀነ ጸገም ምህላው ዘርኢ’ዩ” ብምባል ቈልዑ ህድኣት ዘለዎ ህይወት ንክህልዎም ብዛዕባ ዝሕግዙ መገዲታት ትዛረብ።
ናይ ስራሕ መሓዝኣ ዝዀነት ጆዲ ናን ሂልድበርት፡ ወልፊ ጾታዊ ርክብ ንዘለዎም ሰባት ስነ ልቦናዊ ሕክምና ትህብ ነይራ።
ካብ ተሓከምታ እቲ ሓደ፡ ውልቃዊ ሚስጥራቱ ብዘይፍቓዱ ሰብ ክፈልጦ ብምግባራ ድማ ፍቓድ ስርሓ ን18 ኣዋርሕ ተኣጊዱ።