እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራውያን ዝርከብዎም 12 ሽሕ ሓተትቲ ዑቕባ ቃለ መሕትት ምግባር ኣይከድልዮምን ተባሂሉ
ኣስታት 12 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ዓባይ ብሪጣንያ ብዘይ ገጽ ንገጽ ቃለ መሕትት፡ ሕቶ ዕቑባኦም ቅቡል ክግበር ከም ዝኽእል ተገሊጹ።
ቅድሚ ወርሒ ሓምለ፡ ካብ ኣፍጋኒስታን፣ ኤርትራ፣ ሊብያ፣ ሶርያን የመንን መጺኦም ዕቑባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ንጉዳዮም ዝውስን 10 ገጻት ዘለዎ ቅጥዒ መሕተቲ ዕቑባ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ክመልኡ እዮም።
እዚ ስጉምቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ኣብዚ ዓመት ከብቅዕ ቃል ዝኣተወሉ ምጉታት መስርሕ ዑቕባ ንምንካይ ዝዓለመ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ እዚ ናይ ዑቕባ ምሕረት ከም ዘይኰነ ይገልጽ - እንተዀነ እቲ ስርዓት ንሕቶ ዜጋታት ሓሙሽተ ሃገራት ዘመሓይሽ ከም ዝዀነ ይገልጽ።
ካብዘን ሃገራት ዝመጽኡ ኣመልከትቲ ድሮ 95 ሚኢታዊት ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ተቐባልነት ከም ዘለዎ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ይሕብር።
እቲ ልሙድ ናይ ጸጥታን ገበናዊን መርመራታት ሕጂ’ውን ክካየድን ‘ባዮሜትሪክስ’ ክውሰድን’ዩ፡ እንተዀነ ንመጀመርታ ግዜ፡ ገጽ ንገጽ ዝግበር ቃለ-መጠይቕ ከም ዘይህሉ ሰበስልጣን ይገልጹ።
ኣብ ክንድኡ ሓተትቲ ዑቕባ ቅጥዒ መሊኦም ክሳብ 40 ሕቶታት ክምልሱ ኣለዎም።
እቲ ቅጥዒ፡ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ዝተወዳለወ ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ናይ ስራሕ መዓልታት ተመሊኡ ክምለስ ኣለዎ።
እንተዘይኰይኑ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ ናይ ዑቕባ ሕቶ ከም ዝተሰሓበ ክቖጽሮ ይኽእል።
ይኹን እምበር፡ መልሲ እንተዘይተዋሂብዎ መብርሂ ከስዕበሉ ምዃኑን፡ ነፍሲ ወከፍ መመልከቲ ድማ ብናይ ገዛእ ርእሱ መርትዖ ክረአ ምዃኑን ሰበስልጣን ይገልጹ።
ምጉታት መስርሕ ዑቕባ
ቅድም ክብል ኣገዳስነት ብኣካል ቃለ መሕትት ዘትኩር ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ እዚ ዝተሳለጠ መስርሕ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ኣብ ጉዳይ ዑቕባ ዘሎ ምጉታት ንምፍታሕ ዝኣተዎ መብጽዓ ርክብ ኣለዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓደ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጽእ ሓታቲ ዑቕባ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቦርንማውዝ ዝርከብ መመዝገቢ ቦታ ንሓንቲ እንግሊዛዊት መንእሰይ ብምቕታሉ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
ላዋንጂን ዓብዱልራሂምዛይ፡ ቅድሚ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምምጽኡ ኣብ ሰርብያ ብቕትለት ተፈሪዱ ከም ዝነበረን ሃዲሙ ምምጽኡን ተረጋጊጹ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኩሎም ኣብቲ ሓድሽ መስርሕ ዝተሳተፉ ውልቀሰባት ምስ ገበናዊ ዳታቤዛት ክምርመሩ ምዃኖምን፡ ጸጥታዊ መርመራ ክግበረሎም ምዃኑን ይገልጽ።
ልዕሊ 150 ሽሕ ገና ዕልባት ዘይረኸቡ ሓተትቲ ዑቕባ ሐዚ ጉዳዮም ክረአየሎም ትጽቢት ይግበር።
ሚስተር ሱናክ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሕቶ ዑቕባኦም ናይ መጀመርታ ውሳነ ንኽወሃቦም ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጽበዩ ዝጸንሑ ሰባት ብፍርቂ ክንኪ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ካብቲ ጉጅለ ልዕሊ 92 ሽሕ ሰባት ተለልዮም ኣለዉ።
ዳውኒንግ ስትሪት፡ ነቲ ኣብ ክጓተት ዝጸንሐ መስርሕ ዑቕባ ንምፍታሕ ዝገበሮ ቆራጽነት ግን፡ ኣሽሓት ስደተኛታት፡ ገሊኦም ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝመጽኡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽጸንሑ ፍቓድ ንኽረኽቡ ቀሊል ምግባር ማለት ይመስል።
እቲ ፖሊሲ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱኤላ ብራቨርማን ዘይምቹእ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ንሳ ንርእሳ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዘይስሩዕ መንገዲ ዝመጽኡ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ተሪር ቅዋም እዩ ዘለዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክብረወሰን ዝሓዘ 45,756 ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ በጺሖም።
ሚስ ብራቨርማን ትማሊ ረቡዕ ምስ ጂቢ ኒውስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት "ኣብ ከባቢ ሃገርና ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ዘላቒ ዘይኰነ ኩነታት ከም ዘለና ንጹር'ዩ። በዚ ድማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብዚ ዝመጽኡ ሰባት ብዝሒ ዘለዎም ሰባትን ንምትእንጋድ ሕጋዊ ግቡኣነት ኣለና፤ኣብ ሆቴላት ኣቕሚጥናዮም ኢና ዘለና” ኢላ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብዚ ዓመት ቁጽሪ ሰራሕተኛታት ጉዳይ ዑቕባ ብዕጽፊ ክውስኽ መደብ ኣለዎ።
እዚ ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝቐረበሎም ሕቶ ዕቑባ ውሳነ ዝጽበዩ ዓቢ ቁጽሪ ዕልባት ንምሃብ ክሕግዝ እዩ።
ሎሚ ሓሙስ ዝሕተም ኣሃዛት ካልእ ወሰኽ ከርእይ ትጽቢት ይግበር።
ባይቶ ስደተኛታትን ቀይሕ መስቀል ብሪጣንያን ኣቐዲሙ መንግስቲ ካብ ልዑል መጠን ተቐባልነት-ሕቶ ዕቑባ ዘለወን ሃገራት ንዝመጽኡ ስደተኛታት ቅልጡፍ መስርሕ ክተኣታቶ ተማሕጺኖም ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኣፍጋኒስታን፣ ኤርትራ፣ ሶርያ፣ ሱዳንን ኢራንን ዝመጽኡ 40 ሽሕ ሓተትቲ ኣብዚ ምድብ ክኣትዉ ከም ዘለዎም ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም።
ሱዳናውያንን ኢራናውያንን ሓተትቲ ዑቕባ ግን ኣብ ዝርዝር ናይቶም ብቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዝቐረበ ስሉጥ መስርሕ ኣይተኻተቱን።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ኢቨት ኩፐር፡ "ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዛጊድ ከምኡ ዘይምግባሩ ጌጋ'ዩ" ኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ምጉታት ዑቕባ ሰማይ ዓሪጉ'ሎ - ሪሺ ሱናክ ከጽርዮ ቃል ካብ ዝኣተወሉ ንደሓር ብ50% ወሲኹ።"
ወሲኻ መንግስቲ ዘይዕዉታት ሓተትቲ ዑቕባ ብዘይ ስግኣት ክምለሱን ኣብ ልዕሊ ሓደገኛታት ንኣሽቱ ጀላቡ መሳገሪታት ተሓተትቲ ዝዀኑ ጕጅለታት ዝሓየለ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑን ገሊጻ።