ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ሶማልን ብዘጋጠመ ጐንፂ ሰባት ሞይቶም

Published

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ሶማልን ብዕጥቂ ዝተደገፉ ጐንጺታት፡ መጉዳእትን ምምዝባል ሰላማውያን ሰባትን ዝምልከት ዘሰክፍ ጸብጻባት ይበጽሖ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

ኢሰመኮ፡ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት እተን ክልላት ዝካየድ ዘሎ ግጭት ይከታተሎ ከም ዘሎን በቲ ዘውርዶ ዘሎ ጉድኣት ከም ዝተሻቐለን ገሊጹ።

ኣብ መንጐ ነበርቲን ሓይልታት ጸጥታን እተን ክልላት ተደጋገሚ ጐንጺ ክለዓልን ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ክበጽሕን ጸኒሑ’ዩ።

ሕዚ ድማ፡ ካብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ጥርዓናትን ጸብጻባትን ኣብ ልዕሊ ውልቃውን መንግስታውን ንብረት ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዝበፅሖ እቲ ኮሚሽን ገሊጹ።

ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታ እተን ክልላት ግጭት ከም ዝነበረን፡ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተጐድኡን ከም ዝተመዛበሉን ሰብመዚ እተን ክልላት ነቲ ኮሚሽን ከም ዘረጋገጽሉ'ውን ጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብሰበስልጣን እተን ክልላት፣ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ነቲ ዘመናት ዘቑፀረ ጎንፂ ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ፡ ኮሚሽን ዕርቂ ኮሚሽን ተመስሪቱ፡ ብኽልቲኡ ወገን ተስፋ ተገይሩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ግን፡ ኣብተን ብብዝሒ ማሕበረሰብ ሰበኽ-ሳግም ዝነብሩለን ክልላት ዳግም ግጭት ተላዒሉ አሎ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብዚ ዶባዊ ጐንጺታት ኢድ ከም ዘለዎም ተዛሪቦም።

ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዓዲ ሶማል ዝዀነ ሓጂ ዓሊ ሙሳ ሓሰን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ውግእ ንመዓልታት ዝጸንሐን ብዕጥቅታት ዝተሰነየን ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ "ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ 15 ሰባት ከም ዝሞቱ" ከም ዝፈልጥ ገሊጹ።

ነባሪ ከተማ ዓፋር ኣቶ ያሲን ኣሕመድ ብወገኑ፡ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ክልላዊ ሓይልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንመዓልታት ከም ዝቐፀለን ቁፅሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከም ዝሞቱን ገሊፁ።

ነበርቲ ክልቲኡ ዞባታት፡ ጠንቂ እቲ ግጭት ንዘመናት ዝጸንሐ ይግበአኒ ሕቶታት ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ሓደ ዞባ ነቲ ካልእ ወሪሩ፡ ግዝኣታት ናይ ምቁፅፃር ዝንባለታት ከም ዘለዎ'ውን ገሊጾም።

ቢቢሲ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ብዛዕባ እቲ ጎንጺን ጉድኣትን ሓበሬታ ክረክብ ይጽዕር ዘሎ ዀይኑ፡ ክሳብ ሕዚ ልክዕ ኣሃዝ መወትቲ ክረክብ ኣይከኣለን።

ሓለፍቲ ርክብ ህዝብ ክልቲአን ክልላታት፡ ብዛዕባ እቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ ጐንጺ፡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ክህቡ ኣይደለዩን።

ኢሰመኮ፡ መንግስቲ ፌዴራል ነቲ ዕጡቓት ዝተሓወስዎ ጐንፂ ቆላሕቱ ክህበሉ ሓቲቱ።